Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all7 bible verses about
እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።
Translation | Contextበቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።
Translation | Contextእምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ። ብእኣ እዩ ነቶም ዓበይቲ እተመስከረሎም። ዓለም ብቓል ኣምላኽ ከም እተፈጥረት፡ ከምኡውን እቲ ዚርኤ ኻብ ዘይርኤ ኸም ዝዀነ፡ ብእምነት ነስተውዕሎ አሎና። ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበ። ኣምላኽ ብናይ መባኡ ኺምስክረሉ ኸሎ፡ ጻድቕ ምዃኑ ብእኣ ተመስከረሉ፡ ብምዉቱ ኸኣ ገና ብእኣ ገይሩ ይዛረብ አሎ። ሄኖክ፡ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ገዓዘ፡ ቅድሚ ምግዓዙ ንኣምላኽ ከም ዘስመረ፡ ተመስኪሩሉ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞ፡ ኣይተረኽበን። ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ። ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረአየ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ። ብእኣ ገይሩ ንዓለም ኰነና፡ ነቲ ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀነ። ኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዔኤ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ። ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። ሳራ እኳ ጊዜኣ ምስ ሐለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረአየቶ፡ ዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት። ስለዚ ድማ ካብ ሓደ፡ ንሱውን ከም ምዉት ክነሱስ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ዘይቝጸር ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ዝምብዛሖም ተወልዱ። እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑ፡ ብእምነት ሞቱ። እቶም ከምዚ ዚብሉ ኸኣ ሃገሮም ከም ዚደልዩ፡ የርእዩ አለዉ። ነታ ዝወጹላ ሃገር ሐሲቦም እንተ ዝዀኑስ፡ ኪምለሱ ጊዜ ነይርዎም። ሕጂ ግና እትሐይሽ፡ ማለት ሰማያዊት፡ ይናፍቑ አለዉ፡ ስለዚ ድማ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳሊውሎም አሎ እሞ፡ ኣምላኾም ኪብሃል ብኣታቶም ኣይሐፍርን እዩ። ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡ ብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ። እቲ ተስፋ እተቐበለ ነቲ፡ ብይስሃቅ ዘርኢ ኺጽወዓልካ እዩ፡ ተብሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮ። ኣምላኽ ካብ ምዉታት ድማ ኬተንስኦ ኸም ዚከአሎ ሐሲቡ፡ ካብኡውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦ። ይስሃቅ ብናይቲ ዚመጽእ ነገር ንያእቆብን ንኤሳውን ብእምነት ባረኾም። ያእቆብ ኪመውት ከሎ፡ ንደቂ ዮሴፍ ንነፍሲ ወከፎም ብእምነት መረቖም፡ ኣብ ኣንፊ በትሩ ተመርኵሱ ኸኣ ሰገደ። ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ ብዛዕባ ምውጻእ ደቂ እስራኤል ብእምነት ኣዘከረ፡ ብዛዕባ ኣዕጽምቱውን ትእዛዝ ሃበ። ሙሴ ምስ ተወልደ፡ ወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮም፡ ብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሐብእዎ፡ ኣዋጅ እቲ ንጉስውን ኣይፈርሁን። ሙሴ ምስ ዓበየ፡ ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃል፡ ብእምነት ኣበየ እሞ፡ ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ፡ ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮ። ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዓጊሱ ጸንዔ እሞ፡ ነቲ ዅራ ንጉስ ከይፈርሄ፡ ብእምነት ንግብጺ ሐደጋ። እቲ በዅሪ ዜጥፍእ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቀርቦም፡ ብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ገበረ። ብእምነት ከም ብንቑጽ ምድሪ ገይሮም ንባሕሪ ኤርትራ ተሳገርዎ፡ ግብጻውያን ግና ከምኡ ኺገብሩ ምስ ፈተኑ፡ ተዋሕጡ። ቀጽሪ ያሪኮ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ፡ ብእምነት ወደቐ። ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ እተቐበለቶም፡ ብእምነት ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍኤትን። እሞኸ ብዛዕባ እኒ ጊዴዎን፡ እኒ ባራቅ፡ እኒ ሳምሶን፡ እኒ ይፍታሄ፡ እኒ ዳዊትን ሳሙኤልን ነብያትን እንታይ ክብል እየ፧ ብዛዕባኦም ከየዘንትወልኩም ጊዜ ይሐጽረኒ እዩ። ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ሰዓሩ፡ ጽድቂ ገበሩ፡ ነቲ ተስፋ እተገብሮ ረኸቡ፡ ኣፍ ኣናብስ ዓጸዉ፡ ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፡ ካብ ስሕለት ኣስያፍ ደሐኑ፡ ካብ ድኻም በርትዑ፡ ኣብ ውግእ ሐየሉ፡ ንሰራዊት ኣህዛብ ኣህደምዎም። ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም። ካልኦትውን ተሰቀዩ እሞ፡ ዚሐይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ምሕረት ኣይደለዩን። ገሊኣቶም ድማ ብልግጫን ብመግረፍትን፡ ኣብ ልዕሊ እዚውን ብመቝሕን ማእሰርትን ተፈተኑ። ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰይፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኺዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ፡ ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ። ብጀካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ኸይበጽሑስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ዚሐይሽ ስለ ዝሐለየ፡ እዚኦም ኵላቶም፡ ብእምነት ተመስኪሩሎም ዘሎ፡ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን።
Translation | Contextማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ።
Translation | Contextብመገዶም ፍጹማት ዝዀኑ፣ ብሕጊ እግዚኣብሄር ዚመላለሱ ብጹኣን እዮም። ምስክራቱ ዚሕልዉ፣ ብምሉእ ልቢ ዚደልይዎ ብጹኣን እዮም። እከይ ኣይገብሩን፣ ብመገድታቱ ኸኣ ይመላለሱ። ኣጸቢቑ ምእንቲ ኺሕሎ፣ ትእዛዛትካ ኣዘዝካ። ኣየ፣ ስርዓታትካ ኽሕሉስ፣ መገደይ እንተ ዚቐንዕ። ንዅሉ ትእዛዛትካ እንተ ዝቋመት፣ ሽዑ ኣይምሐፈርኩን። ፍርዲ ጽድቅኻ ምስ ተምሀርኩ፣ ብቕንዕና ልቢ ኸመስግነካ እየ። ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ፣ ፈጺምካ ኣይትሕደገኒ። ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ። ብምሉእ ልበይ እደልየካ አሎኹ፣ ካብ ትእዛዛትካ ኸየግልስ ኣይትሕደገኒ። ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፣ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ብሩኽ ኢኻ፧ ስርዓታትካ ምሀረኒ። ንዅሉ ፍርድታት ኣፍካ ብኸናፍረይ ኣዘንቶኹ። ብመገዲ ምስክራትካ ኸም ብዅሉ ሃብቲ ገይረ ተሐጐስኩ። ንትእዛዛትካ ኤስተንትኖ፣ ንመገድኻውን እቋመቶ አሎኹ። ብስርዓታትካ ባህ እብል፣ ንቓልካ ኣይክርስዖን እየ። ብህይወት ክነብር፣ ቃልካውን ክሕሉስ፣ ንባርያኻ ሰናይ ግበረሉ። ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስ፣ ኣዒንተይ ክፈተለይ። ኣነ ኣብ ምድሪ ጋሻ እየ፣ ትእዛዛትካ ኣይትሕብኣለይ። ነፍሰይ፣ ኵሉ ጊዜ ፍርድኻ ብምንፋቕ ተቐጥቀጠት። ነቶም ትዕቢተኛታት፣ ነቶም ካብ ትእዛዛትካ ዜግልሱ ርጉማት ገናሕካ። ምስክራትካ ሐልየ እየ እሞ፣ ጸርፍን ንዕቀትን ኣርሕቐለይ። መሳፍንቲ ተቐሚጦም እኳ እንተ ሐመዩኒ፣ ባርያኻስ ብስርዓታትካ የስተንትን አሎ። ምስክራትካ ድማ ባህታይን መኸርተይን እዮም። ነፍሰይ ኣብ ሓመድ ተጣበቐት፣ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ። መገደይ ኣዘንቶኹ፣ ንስኻውን መለስካለይ፣ ስርዓታትካ ምሀረኒ። ንተኣምራትካ ኸስተንትኖስ፣ መገዲ ትእዛዛትካ ኣፍልጠኒ። ነፍሰይ ብሓዘን ትነብዕ አላ፣ ከም ቃልካ ኣደልድለኒ። መገዲ ሓሶት ኣርሕቐለይ፣ ሕግኻውን ብሳህልኻ ፍቐደለይ። መገዲ ሓቂ መረጽኩ፣ ፍርድታትካ ኣብ ቅድመይ ኣንበርኩ። ኣብ ምስክራትካ እጠብቕ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣይተሕፍረኒ። ልበይ ምስ ኣግፋሕካ፣ ብመገዲ ትእዛዛትካ ኽጐዪ እየ። ዎ እግዚኣብሄር፣ መገዲ ስርዓታትካ ምሀረኒ፣ ክሳዕ መወዳእታውን ክሕልዎ እየ። ምስትውዓል ሀበኒ እሞ፣ ንሕግኻ ኽሕልዎ፣ ብምሉእ ልበይውን ክገብሮ እየ። ብእኡ ባህ ኢሉኒ እዩ እሞ፣ ብመገዲ ትእዛዛትካ ኣመላልሰኒ። ንልበይ ናብ ምስክራትካ እምበር፣ ናብ ስስዔ ገንዘብ ኣይተዝብሎ። ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን፣ ብመገድኻ ህያው ግበረኒ። ነቲ ናብ ፍርሃትካ ዚመርሕ ቃልካ ኣብ ባርያኻ ኣጽንዓዮ። ፍርድታትካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ነቲ ዝፈርሆ ጸርፊ ኣርሕቐለይ። እንሆ፣ ትእዛዛትካ እናፍቕ አሎኹ፣ ብጽድቅኻ ህያው ግበረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ከምቲ ቓልካ ምሕረትካን ምድሓንካን ይምጽኣኒ። ኣብ ቃልካ ተወኪለ እየ እሞ፣ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ክህቦ እየ። ንፍርድታትካ እጽበ አሎኹ እሞ፣ ነቲ ቓል ሓቂ ኻብ ኣፈይ ፈጺምካ ኣይተግድፈኒ። ኣነውን ንሕግኻ አዘውቲረ፣ ኵሉ ጊዜ፣ ንዘለአለም ክሕልዎ እየ። ትእዛዛትካ ድማ ደልየ እየ እሞ፣ ብገፊሕ ቦታ ኽመላለስ እየ። ኣብ ቅድሚ ነገስታት ከኣ ምስክራትካ ኽዛረብ፣ ኣይክሐፍርን ድማ እየ። በቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካውን ባህ ክብል እየ። ኣእዳወይ ድማ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕል፣ ስርዓታትካ ኸኣ ከስተንትን እየ። ነቲ ንባርያኻ ዘተስፎኻዮ ቓል ዘክር። ቃልካ ህያው ገይሩኒ እዩ እሞ፣ እዚ ኣብ መከራይ መጸናንዕየይ እዩ። ትዕቢተኛታት ኣዝዮም ኣላገጹለይ፣ ኣነ ግና ካብ ሕግኻ ኣየግለስኩን። ጐይታየ፣ ናይ ጥንቲ ፍርድታትካ እናሐሰብኩ፣ እጸናናዕ አሎኹ። ብሰሪ እቶም ሕግኻ ዝሐደጉ ረሲኣን ብቚጥዓ ተቓጸልኩ። ኣብ ቤት ግሽነተይ ስርዓታትካ መዝሙራተይ እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ብለይቲ ስምካ ሐሰብኩ፣ ሕግኻውን ሐሎኹ። ትእዛዛትካ ሐልየ እየ እሞ፣ እዚ ዕድለይ ኰነ። ጐይታየ፣ ምሕላው ቃልካ ግደይ እዩ፣ በልኩ። ብምሉእ ልበይ ኣባኻ እምህለል አሎኹ፣ ከም ቃልካ ምሐረኒ። ንመገደይ ሐሰብኩ፣ ኣእጋረይውን ናብ ምስክራትካ መለስኩ። ትእዛዛትካ ንምሕላው ቀልጠፍኩ እምበር፣ ኣይደንጔኹን። ኣግማድ ረሲኣን ከበበኒ፣ ሕግኻ ግና ኣይረሳዕኩን። ስለቲ ጻድቕ ፍርድኻ ኸመስግነካ፣ ፍርቂ ለይቲ ኽትንስእ እየ። ኣነ ብጻይ እቶም ዚፈርሁኻ ዅሎምን ትእዛዛትካ ዚሕልዉን እየ። ጐይታየ፣ ምድሪ ብጸጋኻ መሊኣ አላ፣ ስርዓታትካ ምሀረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ቃልካ ንባርያኻ ሰናይ ገበርካሉ። ትእዛዛትካ ኣሚነ አሎኹ እሞ፣ ሰናይ ምስትውዓልን ፍልጠትን ምሀረኒ። ከይተዋረድኩ ተጋጌኹ፣ ሕጂ ግና ቓልካ እሕሉ አሎኹ። ንስኻ ሰናይ ኢኻ እሞ፣ ሰናይ ትገብር አሎኻ፣ ስርዓታትካ ምሀረኒ። ትዕቢተኛታት ሓሶት ይፍሕሱለይ አለዉ፣ ኣነ ግና ብምሉእ ልበይ ትእዛዛትካ እሕሉ አሎኹ። ልቦም ከም ስብሒ ረጐደ፣ ኣነ ግና ብሕግኻ ባህ እብል አሎኹ። ስርዓታትካ ምእንቲ ኽምሀር፣ ውርደተይ ሰናይ ኰነለይ። ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርንሲ ሕጊ ኣፍካ ይሔሸኒ። ኣእዳውካ ገበራንን ሰርሓንን፣ ትእዛዛትካ ኽምህርሲ፣ ኣለብመኒ። ንቓልካ ተጸብየ እየ እሞ፣ እቶም ዚፈርሁኻ ርእዮምኒ ኺሕጐሱ እዮም። ጐይታየ፣ ፍርድኻ ጽድቂ ምዃኑ፣ ብሓቅኻውን ከም ዘዋረድካኒ፣ እፈልጥ አሎኹ። ከምቲ ንባርያኻ ዝበልካዮ ቓል፣ ጸጋኻ መጸናንዒ ይኹነኒ። ሕግኻ ደስታይ እዩ እሞ፣ ብህይወት ክነብርሲ፣ ምሕረትካ ይውረደኒ። ዕቡያት ብሓሶት ጠውዮምኒ እዮም እሞ፣ ይሕፈሩ፣ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኤስተንትን አሎኹ። እቶም ዚፈርሁኻን ምስክራትካ ዚፈልጡን ናባይ ይመለሱ። ምእንቲ ኸይሐፍርሲ፣ ልበይ ብስርዓታትካ ፍጹም ይኹን። ነፍሰይ ንምድሓንካ ትናፍቖ አላ፣ ንቓልካ እጽበዮ አሎኹ። መአዝ ኢኻ እተጸናንዓኒ፧ እናበልኩ፣ ብናፍቖት ቃልካ ኣዒንተይ ሐመቓ። ከም ኣብ ትኪ ዘሎ ሓርቢ ዀንኩ፣ ስርዓታትካ ግና ኣይረሳዕኩን። መዓልትታት ባርያኻ ኽንደይ እየን፧ ንሰጐጕተይከ መአዝ ኢኻ እትፈርዶም፧ እቶም ከም ሕግኻ ዘይነብሩ ትዕቢተኛታት ጕድጓድ ኰዐቱለይ። ኵሉ ትእዛዛትካ ሓቂ እዩ፣ ብዘይ ምኽንያት ይሰጉኒ አለዉ፣ ርድኣኒ። ካብ ምድሪ ኼጥፍኡኒ ቕሩብ ተረፎም፣ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይሐደግኩን። ከም ጸጋኻ ህያው ግበረኒ፣ ኣነውን ምስክር ኣፍካ ኽሕሉ እየ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ቃልካ ንዘለአለም ኣብ ሰማይ ጸኒዑ አሎ። ሓቅኻ ኻብ ወለዶ ንወለዶ እዩ፣ ንምድሪ ኣጽኒዕካያ፣ ንሳውን ትነብር አላ። ብዘሎ ዅሉ ንኣኻ የገልግል እዩ እሞ፣ ክሳዕ ሎሚ ኸም ሕጋጋትካ ቘይሙ አሎ። ሕግኻ ደስታይ እንተ ዘይነብርሲ፣ ዛጊት ብመከራይ ምጠፋእኩ ነይረ። ብእኡ ህያው ጌርካኒ ኢኻ እሞ፣ ንትእዛዛትካ ከቶ ኣይክርስዖን እየ። ትእዛዛትካ ደልየ እየ እሞ፣ ናትካ እየ፣ ኣድሕነኒ። ረሲኣን፣ ምእንቲ ኼጥፍኡኒ፣ ይጸናተውኒ አለዉ፣ ኣነ ግና ንምስክራትካ ኤስተብህሎ አሎኹ። ኵሉ ፍጽምነት መወዳእታኡ ርኤኹ፣ ትእዛዛትካ ግና ኣዝዩ ርሒብ እዩ። ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ፣ ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ። ትእዛዛትካ ንሓዋሩ ምሳይ እዩ እሞ፣ ሓለፋ ጸላእተይ ኣለበመኒ። ምስክራትካ ምስትንታነይ እዩ እሞ፣ ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ለባም ኰንኩ። ትእዛዛትካ ሓልየ እየ እሞ፣ ሓለፋ እቶም ሽማግሌታት ኣእምሮ አሎኒ። ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉስ፣ ኣእጋረይ ካብ ክፉእ ዘበለ መገዲ ኸልከልኩ። ንስኻ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፣ ካብ ፍርድኻ ኣይርሕቕን እየ። ቃላትካ ንትንሓገይ እምብዛ ጥዑም እዩ፣ ንኣፈይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅራ። ሳላ ትእዛዛትካ ኣእምሮ ረኸብኩ፣ ስለዚ ዅሉ መገዲ ሓሶት ጸላእኩ። ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፣ ንመገደይ ብርሃን እዩ። ንፍርድታት ጽድቅኻ ኽሕሉ መሐልኩ፣ ኣጽናዕክዎ ኸኣ። ኣዝየ ተጨነቕኩ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ፍርድታትካ ምሀረኒ፣ እቲ ፈትየ ዘቕርበልካ መስዋእቲ ኣፈይ ባህ የብልካ። ነፍሰይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ኢደይ እያ፣ ኣነ ግና ሕግኻ ኣይርስዕን እየ። ረሲኣን መፈንጠርያ ኣጻውዱለይ፣ ኣነ ግና ካብ ትእዛዛትካ ኣየግለስኩን። ምስክራትካ ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፣ ንዘለአለም ርስተይ ገበርክዎ። ስርዓታትካ ንሓዋሩ ኽሳዕ መወዳእታ ኽገብር፣ ልበይ ኣድነንኩ። ክልተ ዝልቦም ጸላእኩ፣ ሕግኻ ግና ፈቶኹ። ንስኻ መዕቈብየይን ዋልታይን ኢኻ፣ ብቓልካ ተስፋ እገብር አሎኹ። ትእዛዛትካ ኣምላኸይ ክሕሉስ፣ ኣቱም ሕሱማት፣ ካባይ ርሐቑ። ብህይወት ክነብርሲ፣ ከም ቃልካ ደግፈኒ፣ ብተስፋይ ድማ ኣይተሕፍረኒ። ምእንቲ ኽድሕን ደግፈኒ፣ ንስርዓታትካውን ኵሉ ጊዜ ኽቛመቶ እየ። ተንኰሎም ሓሶት እዩ እሞ፣ ነቶም ካብ ስርዓታትካ ዜግልሱ ዅሎም ትረግጾም። ንስኻ ንዅሎም ረሲኣን ምድሪ ኸም ሓርኢ ሓጺን ትጕሕፎም፣ ስለዚ ንምስክራትካ ኣፍቀርኩ። ካብ ስምባድካ እተላዕለ ስጋይ ይርዕድ፣ ፍርድኻውን የሸብረኒ አሎ። ፍርድን ጽድቅን እገብር አሎኹ፣ ነቶም ጠቓዕተይ ኣሕሊፍካ ኣይትሀበኒ። ንባርያኻ ብሰናይ ተውሐሶ፣ ዕቡያት ኪጠቕዑኒ ኣይትፍቀደሎም። ኣዒንተይ ብናፍቖት ምድሓንካን ቃል ጽድቅኻን ሐመቓ። ከም ጸጋኻ ንባርያኻ ግበረሉ፣ ስርዓታትካ ኸኣ ምሀረኒ። ኣነ ባርያኻ እየ፣ ምስክራትካ ኽፈልጥሲ፣ ኣእምሮ ሀበኒ። ሕግኻ ኣፍሪሶም እዮም እሞ፣ እግዚኣብሄር ግብሩ ዚገብረሉ ጊዜ እዩ። ስለዚ ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኣብሊጸ እፈትዎ አሎኹ። ስለዚ ትእዛዛትካ ዘበለ ዅሉ ቕኑዕ ምዃኑ እቘጽሮ፣ መገዲ ሓሶት ዘበለ ኸኣ እጸልኦ አሎኹ። ምስክራትካ መስተንክር እዩ፣ ስለዚ ነፍሰይ ትሕልዎ። ምኽፋት ቃልካ የብርህ፣ ንገርህታት ኣእምሮ ይህብ። ትእዛዛትካ ናፊቐ እየ እሞ፣ ኣፈይ ሃህ ኣቢለ እህህ እብል አሎኹ። ከምቲ ነቶም ስምካ ዚፈትዉ እትገብረሎም፣ ተመለሰንን ምሐረንን። ንስጕምተይ ኣብ ቃልካ ኣጽንዓዮ፣ እከይ ድማ ከቶ ኣይምለኸኒ። ካብ መጥቃዕቲ ሰብ ተበጀወኒ፣ ኣነውን ትእዛዛትካ ኽሕሉ እየ። ገጽካ ንባርያኻ ኣብርሃሉ፣ ስርዓታትካ ኸኣ ምሀረኒ። ሕግኻ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፣ ኣዒንተይ ወሓዚ ማይ የፍስሳ ኣለዋ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ፣ ፍርድኻ ድማ ቅኑዕ እዩ። ብጽድቅን ብዕዙዝ ሓቅን ምስክራትካ ኣዘዝካ። ተጻረርተይ ቃልካ ረሲዖም እዮም እሞ፣ ቅንኣተይ ይበልዓኒ አሎ። ቃልካ ኣዝዩ ጽሩይ እዩ፣ ባርያኻውን የፍቅሮ አሎ። ኣነ፣ ንኡስን ንዑቕን እየ፣ ትእዛዛትካ ግና ኣይረሳዕኩን። ጽድቅኻ ናይ ዘለአለም ጽድቂ እዩ፣ ሕግኻውን ሓቂ እዩ። መከራን ሽጋርን ረኸበኒ፣ ትእዛዛትካ ግና ደስታይ እዩ። ምስክራትካ ንዘለአለም ጽድቂ እዩ፣ ኣእምሮ ሀበኒ እሞ፣ ብህይወት ክነብር እየ። ብምሉእ ልበይ እምህለል አሎኹ ዎ እግዚኣብሄር፣ ምለሰለይ፣ ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ። ናባኻ ተማህለልኩ፣ ኣድሕነኒ፣ ምስክራትካውን ክሕሉ እየ። ቅድሚ ወጋሕታ መጺኤ ኣእዌኹ፣ ንቓልካ እጽበ እኔኹ። ንቓልካ ኼስተንትንሲ፣ ኣዒንተይ ነቶም ናይ ለይቲ ሓለውቲ ቐደማኦም። ከም ሳህልኻ ድምጸይ ስማዕ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ። ንሕሰም ዚስዕቡ ይቐርቡ አለዉ፣ ካብ ሕግኻ ረሐቑ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ቀረባ ኢኻ፣ ኵሉ ትእዛዛትካ ኸኣ ሓቂ እዩ። ንዘለአለም ከም ዝመስረትካዮ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚረ ብምስክራትካ ፈለጥኩ። ሕግኻ ኣይረሳዕኩን እሞ፣ መከራይ ርኢኻ ኣናግፈኒ። ጠበቓይ ኩን እሞ ተበጀወኒ፣ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ። ረሲኣን ስርዓታትካ ኣይደልዩን እዮም እሞ፣ ምድሓንካ ኻብኦም ረሐቐ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ርሕራሔኻ ዓብዪ እዩ፣ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ። ሰጐጕተይን ተጻረርተይን ብዙሓት እዮም፣ ኣነ ኻብ ምስክራትካ ኣየግለስኩን። ቃልካ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፣ ንጠለምቲ ርእየ ፈንፈንክዎም። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንትእዛዛትካ ኸም ዘፍቅሮ ርኤ፣ ከም ሳህልኻ ህያው ግበረኒ። ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ፣ ኵሉ ፍርዲ ጽድቅኻ ድማ ንዘለአለም ይነብር። መሳፍንቲ ብዘይ ምኽንያት ሰጐጉኒ፣ ልበይ ግና ቃልካ እዩ ዚፈርህ። ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ፣ ብቓልካ ባህ ይብለኒ አሎ። ንሓሶት እጸልኦን እፍንፍኖን፣ ንሕግኻ ግና ኤፍቅሮ አሎኹ። ስለ ጽድቂ ፍርድኻ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ኤመስግነካ አሎኹ። እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም አለዎም፣ ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንምድሓንካ ተጸቤኽዎ፣ ትእዛዛትካ ድማ ገበርኩ። ነፍሰይ ንምስክራትካ ሐለወቶ፣ ኣዝየውን ኤፍቅሮ አሎኹ። ኵሉ መገደይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ እሞ፣ ትእዛዛትካን ምስክራትካን ሐሎኹ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣውያተይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፣ ከም ቃልካ ኣእምሮ ሀበኒ። ምህለላይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፣ ከም ቃልካ ኣናግፈኒ። ስርዓታትካ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከናፍረይ ምስጋናኻ ኼፈልፍላ እየን። ኵሉ ትእዛዛትካ ጽድቂ እዩ እሞ፣ ልሳነይ ንቓልካ ኽትነግር እያ። ትእዛዛትካ ሐርየ እየ እሞ፣ ኢድካ ረዳኢተይ ትኹን። ጐይታየ፣ ምድሓንካ እናፍቕ አሎኹ፣ ሕግኻውን ደስታይ እዩ። ንነፍሰይ ህያው ግበራ፣ ንሳ ኸኣ ከተመስግነካ እያ፣ ፍርድታትካውን ይርድኣኒ። ከም ጥፍእቲ በጊዕ ተባረርኩ፣ ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኩን እሞ፣ ንባርያኻ ድለዮ።
Translation | Contextጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።
Translation | Context