Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

oaths


ማቴዎስ 5:33-37 | 10 Helpful votes

ድማ ነቶም ቀዳሞትማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሐል፡ ከም ተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ብሰማያት ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብምድሪ ዀነ፡ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዩ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሐሉ። ካብ ጸጒሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይስ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ ኣሞብርእስካ እኳ ኣይትምሐልነገርኩምሲእወእወኣይኰነንኣይኰነን ደኣ ይኹንካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:12 | 8 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኸይትወድቁስ፡ እቲ እዌኹም እወ፡ እቲ ኣይኰነን ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኰነን ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ዅሉ ብሰማይ፡ ወይስ ብምድሪ፡ ወይስ ብኻልእ ማሕላ ኣይትምሐሉ

Translation | Context
ዘሁልቍ 30:2 | 8 Helpful votes

ሙሴ ኸኣ ንሓላቑ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ እዚ እዩኢሉ ተዛረቦም

Translation | Context
ዘዳግም 23:21-23 | 4 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መብጽዓ ምስ ተማባጻዕካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዛዕባኡ ኻባኻ ጸብጻብ ኪደሊ እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ከይዀነካ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ። እንተ ዘይተማባጻዕካ ግና፡ ሓጢኣት የብልካን። እቲ ኻብ ከናፍርካ ዝወጸ፡ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብፍቓድካ እተማባጻዕካዮኣፍካ እተዛረቦ ሐልዎን ግበሮን

Translation | Context
እብራውያን 6:13 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ንኣብርሃም ተስፋ ኺህቦ ኸሎ፡ ዚምሕለሉ ኻብኡ ዚዓቢ ስለ ዘይተረኽበብሓቂ እናባረኽኩ ኽባርኸካእናብዛሕኩ ኸብዝሓካን እየ፡ ኢሉ ብርእሱ መሐለ

Translation | Context
እብራውያን 6:17 | 2 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ፡ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ኣዝዮ ኼርእዮም ምስ ደለየብማሕላ ኣብ መንጎ አተወ

Translation | Context
እብራውያን 3:18 | 2 Helpful votes

ንንመንከ እዩ ኣብ ዕረፍቱ ኸይኣትዉ ዝመሐለ፧ ነቶም ዘይተኣዘዙ ደይኰነን፧

Translation | Context
እብራውያን 7:28 | 2 Helpful votes

ሕግስ ድኻም ንዘለዎም ሰባት እዩ ሊቃውንቲ ኻህናት ኪዀኑ ዚሸሞም፡ እቲ ድሕሪ ሕጊ ዝመጸ ቓል ማሕላ ግና ንዘለኣለም ፍጹም ዝዀነ ወዲ እዩ ዚሸይም

Translation | Context
መዝሙር 15:4 | 2 Helpful votes

እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረአዮ፣ ንፈራህቲ እግዚኣብሄር ግና ዜኽብሮምዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፣ ነቲ ዝመሐለሉ ዘይልውጦ

Translation | Context
ማቴዎስ 23:18-22 | 2 Helpful votes

ብመሰውኢ ዚምሕል ደሓን እዩ፡ በቲ ኣብ ርእሲኡ ዘሎ ቝርባን ዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ ትብሉ። ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትንኣየናይ ይዐቢቍርባንዶ ወይስ እቲ ንቝርባን ዚቕድሶ መሰውኢ፧ እምብኣርስከ እቲ ብመሰውኢ ዚምሕል፡ ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዅሉን ይምሕል አሎ። እቲ ብቤተ መቕደስ ዚምሕል ከኣ፡ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዚነብርን ይምሕል አሎ። እቲ ብሰማይ ዚምሕልዝፋን ኣምላኽን በቲ ኣብኡ ዚቕመጥን እዩ ዚምሕል።

Translation | Context