Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ።
Translation | Contextብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ።
Translation | Contextብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም።
Translation | Contextስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም።
Translation | Contextጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።
Translation | Contextንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ፡ ንመራሕቶም ኪእዘዙ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ፡
Translation | Contextኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም። ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ። ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ። እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ። ምድሓን ካብቲ ዝአመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ አሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። ለይቲ ሐሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።
Translation | Contextከምዚ ሰናይ እናገበርኩም፡ ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስ፡ ወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ፡ ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ።
Translation | Contextእቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ዘለዉ ዅሎም ባሮት ከኣ፡ ስም ኣምላኽን እቲ ምህሮን ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ነቶም ጐይተቶም ክብረት ዘበለ ኸም ዚግብኦም ይቝጸርዎም። እቶም ኣመንቲ ጐይተት ዘለዎም ድማ፡ ኣሕዋቶም ብምዃኖም ኣይንዓቕዎም፡ እቶም በቲ ጽቡቕ ዕዮኦም ዚጥቀሙ ዘለዉ ኣመንትን ፍቁራትን ብምኳኖም እባ ደኣ ኣብዚሖም ይገዝእዎም። እዚ ነገርዚ ምሃርን ምዓድን። ሓደ እኳ ኻልእ ምህሮ እንተ መሃረ፡ በቲ ጥዑይ ቃል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ በቲ ኣምልኾ ዘለዎ ምህሮን እንተ ዘይተታሕዘ፡ ንሱ ብኽትዕን ብዜብእስ ዘረባን ሐሚሙ እዩ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ዘይፈልጥ ንፉሕ እዩ። ካብዚ እዩ ቕንኢ፡ ባእሲ ጸርፊ፡ ሕሱም ጥርጥር፡ ናይቶም ሓሳቦም ዝጠፍኤን ሓቂ ዝሰኣኑን ሰባት ብርቱዕ ጽልኢ ዝመጽእ፡ ካብ ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ርሐቕ። እዚኣቶም ኣምልኾስ መገባብሮ ረብሓ ኸም ዝዀነ እዩ ዚመስሎም። ግናኸ ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። ማለት፥ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ፡ ንሱ ይእከለና። እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ። ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም እሞ ደድሕሪ ጽድቂ፡ ኣምልኾ፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ህድኣት ሰዓብ። ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፡ ነታ እተጸዋዕካላ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክርውን ጽቡቕ ምእማን እተኣመንካላ ህይወት ዘለኣለም ሐዛ። ክሳዕ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ነቲ ትእዛዝ ብዘይ ርስሓትን መንቅብን ክትሕልዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ህያው ዚገብር ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ጽቡቕ ምእምን እተኣመነ ክርስቶስ የሱስን እእዝዘካ አሎኹ። ብግዝያቱ ዚገልጾ፡ እቲ ብጹእ በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘልዎ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ንሱ በይኑ ዘይመውት፡ ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ኺርእዮውን ዘይኽእል፡ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር፡ ንእኡ ኽብርን ናይ ዘለኣለም ስልጣንን ይኹን። ኣሜን። ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም። ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ አዝዞም። ኣታ ጢሞቴዎስ፡ ካብቲ፡ ገሊኦም ተኣሚኖምዎ ኻብ እምነት ዘምቢሎም ዘለዉ፡ ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሐቕ። ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሐልዎ። ጸጋ ምሳኻ ይኹን። ኣሜን።
Translation | Context