Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

22 bible verses about

obstacles


ሮሜ 8:28 | 10 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎምንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:8-10 | 8 Helpful votes

እዚ ኻባይ ኪርሕቕብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካበለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድርብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳርብምስጓጕብጸበባ እሕጐስ እየ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:2-4 | 8 Helpful votes

ኣሕዋተየበበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩምንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።

Translation | Context
ሮሜ 16:17 | 7 Helpful votes

ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎምእምዕደኩም አሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎንብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ

Translation | Context
ሮሜ 5:3-5 | 5 Helpful votes

ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነንትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ።

Translation | Context
ማቴዎስ 17:20 | 5 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጎደለትብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስዚሰኣነኩም ውን የልቦን

Translation | Context
ኢሳይያስ 57:14 | 5 Helpful votes

ኣዐርዩ፡ ኣዐርዩ፡ መገዲ ጽረጉ፡ ካብ መገዲ ህዝበይ መዓንቀፊ ኣርሕቑኪበሀል እዩ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 4 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
ማቴዎስ 16:18-19 | 3 Helpful votes

ኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን። መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ኣንባቆም 2:3 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾኢሉ መለሰለይ

Translation | Context
መዝሙር 119:1-176 | 3 Helpful votes

ብመገዶም ፍጹማት ዝዀኑ፣ ብሕጊ እግዚኣብሄር ዚመላለሱ ብጹኣን እዮም። ምስክራቱ ዚሕልዉ፣ ብምሉእ ልቢ ዚደልይዎ ብጹኣን እዮም። እከይ ኣይገብሩንብመገድታቱ ኸኣ ይመላለሱኣጸቢቑ ምእንቲ ኺሕሎትእዛዛትካ ኣዘዝካኣየስርዓታትካ ኽሕሉስመገደይ እንተ ዚቐንዕ። ንዅሉ ትእዛዛትካ እንተ ዝቋመት፣ ሽዑ ኣይምሐፈርኩንፍርዲ ጽድቅኻ ምስ ተምሀርኩ፣ ብቕንዕና ልቢ ኸመስግነካ እየ። ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ፣ ፈጺምካ ኣይትሕደገኒጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ። ብምሉእ ልበይ እደልየካ አሎኹ፣ ካብ ትእዛዛትካ ኸየግልስ ኣይትሕደገኒ። ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ብሩኽ ኢኻ፧ ስርዓታትካ ምሀረኒ። ንዅሉ ፍርድታት ኣፍካ ብኸናፍረይ ኣዘንቶኹ። ብመገዲ ምስክራትካ ኸም ብዅሉ ሃብቲ ገይረ ተሐጐስኩንትእዛዛትካ ኤስተንትኖንመገድኻውን እቋመቶ አሎኹ። ብስርዓታትካ ባህ እብል፣ ንቓልካ ኣይክርስዖን እየ። ብህይወት ክነብርቃልካውን ክሕሉስንባርያኻ ሰናይ ግበረሉ። ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስኣዒንተይ ክፈተለይ። ኣነ ኣብ ምድሪ ጋሻ እየ፣ ትእዛዛትካ ኣይትሕብኣለይነፍሰይኵሉ ጊዜ ፍርድኻ ብምንፋቕ ተቐጥቀጠት። ነቶም ትዕቢተኛታት፣ ነቶም ካብ ትእዛዛትካ ዜግልሱ ርጉማት ገናሕካምስክራትካ ሐልየ እየ እሞ፣ ጸርፍን ንዕቀትን ኣርሕቐለይመሳፍንቲ ተቐሚጦም እኳ እንተ ሐመዩኒባርያኻስ ብስርዓታትካ የስተንትን አሎ። ምስክራትካ ድማ ባህታይን መኸርተይን እዮም። ነፍሰይ ኣብ ሓመድ ተጣበቐት፣ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ። መገደይ ኣዘንቶኹ፣ ንስኻውን መለስካለይስርዓታትካ ምሀረኒንተኣምራትካ ኸስተንትኖስ፣ መገዲ ትእዛዛትካ ኣፍልጠኒነፍሰይ ብሓዘን ትነብዕ አላ፣ ከም ቃልካ ኣደልድለኒመገዲ ሓሶት ኣርሕቐለይሕግኻውን ብሳህልኻ ፍቐደለይ። መገዲ ሓቂ መረጽኩፍርድታትካ ኣብ ቅድመይ ኣንበርኩ። ኣብ ምስክራትካ እጠብቕ፣ ዎ እግዚኣብሄርኣይተሕፍረኒልበይ ምስ ኣግፋሕካብመገዲ ትእዛዛትካ ኽጐዪ እየ። ዎ እግዚኣብሄርመገዲ ስርዓታትካ ምሀረኒ፣ ክሳዕ መወዳእታውን ክሕልዎ እየ። ምስትውዓል ሀበኒ እሞ፣ ንሕግኻ ኽሕልዎ፣ ብምሉእ ልበይውን ክገብሮ እየ። ብእኡ ባህ ኢሉኒ እዩ እሞ፣ ብመገዲ ትእዛዛትካ ኣመላልሰኒንልበይ ናብ ምስክራትካ እምበር፣ ናብ ስስዔ ገንዘብ ኣይተዝብሎነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰንብመገድኻ ህያው ግበረኒ። ነቲ ናብ ፍርሃትካ ዚመርሕ ቃልካ ኣብ ባርያኻ ኣጽንዓዮፍርድታትካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ነቲ ዝፈርሆ ጸርፊ ኣርሕቐለይእንሆትእዛዛትካ እናፍቕ አሎኹ፣ ብጽድቅኻ ህያው ግበረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ከምቲ ቓልካ ምሕረትካን ምድሓንካን ይምጽኣኒ። ኣብ ቃልካ ተወኪለ እየ እሞ፣ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ክህቦ እየ። ንፍርድታትካ እጽበ አሎኹ እሞ፣ ነቲ ቓል ሓቂ ኻብ ኣፈይ ፈጺምካ ኣይተግድፈኒ። ኣነውን ንሕግኻ አዘውቲረ፣ ኵሉ ጊዜንዘለአለም ክሕልዎ እየ። ትእዛዛትካ ድማ ደልየ እየ እሞ፣ ብገፊሕ ቦታ ኽመላለስ እየ። ኣብ ቅድሚ ነገስታት ከኣ ምስክራትካ ኽዛረብኣይክሐፍርን ድማ እየ። በቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካውን ባህ ክብል እየ። ኣእዳወይ ድማ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕልስርዓታትካ ኸኣ ከስተንትን እየ። ነቲ ንባርያኻ ዘተስፎኻዮ ቓል ዘክርቃልካ ህያው ገይሩኒ እዩ እሞ፣ እዚ ኣብ መከራይ መጸናንዕየይ እዩ። ትዕቢተኛታት ኣዝዮም ኣላገጹለይ፣ ኣነ ግና ካብ ሕግኻ ኣየግለስኩንጐይታየ፣ ናይ ጥንቲ ፍርድታትካ እናሐሰብኩእጸናናዕ አሎኹ። ብሰሪ እቶም ሕግኻ ዝሐደጉ ረሲኣን ብቚጥዓ ተቓጸልኩ። ኣብ ቤት ግሽነተይ ስርዓታትካ መዝሙራተይ እዩ። ዎ እግዚኣብሄርብለይቲ ስምካ ሐሰብኩሕግኻውን ሐሎኹትእዛዛትካ ሐልየ እየ እሞ፣ እዚ ዕድለይ ኰነ። ጐይታየምሕላው ቃልካ ግደይ እዩ፣ በልኩ። ብምሉእ ልበይ ኣባኻ እምህለል አሎኹ፣ ከም ቃልካ ምሐረኒንመገደይ ሐሰብኩኣእጋረይውን ናብ ምስክራትካ መለስኩትእዛዛትካ ንምሕላው ቀልጠፍኩ እምበር፣ ኣይደንጔኹንኣግማድ ረሲኣን ከበበኒሕግኻ ግና ኣይረሳዕኩን። ስለቲ ጻድቕ ፍርድኻ ኸመስግነካፍርቂ ለይቲ ኽትንስእ እየ። ኣነ ብጻይ እቶም ዚፈርሁኻ ዅሎምን ትእዛዛትካ ዚሕልዉን እየ። ጐይታየምድሪ ብጸጋኻ መሊኣ አላ፣ ስርዓታትካ ምሀረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ቃልካ ንባርያኻ ሰናይ ገበርካሉትእዛዛትካ ኣሚነ አሎኹ እሞ፣ ሰናይ ምስትውዓልን ፍልጠትን ምሀረኒከይተዋረድኩ ተጋጌኹ፣ ሕጂ ግና ቓልካ እሕሉ አሎኹ። ንስኻ ሰናይ ኢኻ እሞ፣ ሰናይ ትገብር አሎኻ፣ ስርዓታትካ ምሀረኒትዕቢተኛታት ሓሶት ይፍሕሱለይ አለዉ፣ ኣነ ግና ብምሉእ ልበይ ትእዛዛትካ እሕሉ አሎኹ። ልቦም ከም ስብሒ ረጐደ፣ ኣነ ግና ብሕግኻ ባህ እብል አሎኹ። ስርዓታትካ ምእንቲ ኽምሀርውርደተይ ሰናይ ኰነለይ። ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርንሲ ሕጊ ኣፍካ ይሔሸኒኣእዳውካ ገበራንን ሰርሓንንትእዛዛትካ ኽምህርሲኣለብመኒንቓልካ ተጸብየ እየ እሞ፣ እቶም ዚፈርሁኻ ርእዮምኒ ኺሕጐሱ እዮም። ጐይታየፍርድኻ ጽድቂ ምዃኑ፣ ብሓቅኻውን ከም ዘዋረድካኒእፈልጥ አሎኹ። ከምቲ ንባርያኻ ዝበልካዮ ቓልጸጋኻ መጸናንዒ ይኹነኒ። ሕግኻ ደስታይ እዩ እሞ፣ ብህይወት ክነብርሲምሕረትካ ይውረደኒዕቡያት ብሓሶት ጠውዮምኒ እዮም እሞ፣ ይሕፈሩ፣ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኤስተንትን አሎኹ። እቶም ዚፈርሁኻን ምስክራትካ ዚፈልጡን ናባይ ይመለሱ። ምእንቲ ኸይሐፍርሲልበይ ብስርዓታትካ ፍጹም ይኹን። ነፍሰይ ንምድሓንካ ትናፍቖ አላ፣ ንቓልካ እጽበዮ አሎኹ። መአዝ ኢኻ እተጸናንዓኒእናበልኩ፣ ብናፍቖት ቃልካ ኣዒንተይ ሐመቓ። ከም ኣብ ትኪ ዘሎ ሓርቢ ዀንኩ፣ ስርዓታትካ ግና ኣይረሳዕኩንመዓልትታት ባርያኻ ኽንደይ እየን፧ ንሰጐጕተይከ መአዝ ኢኻ እትፈርዶም፧ እቶም ከም ሕግኻ ዘይነብሩ ትዕቢተኛታት ጕድጓድ ኰዐቱለይ። ኵሉ ትእዛዛትካ ሓቂ እዩ፣ ብዘይ ምኽንያት ይሰጉኒ አለዉ፣ ርድኣኒ። ካብ ምድሪ ኼጥፍኡኒ ቕሩብ ተረፎም፣ ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይሐደግኩን። ከም ጸጋኻ ህያው ግበረኒ፣ ኣነውን ምስክር ኣፍካ ኽሕሉ እየ። ዎ እግዚኣብሄርቃልካ ንዘለአለም ኣብ ሰማይ ጸኒዑ አሎ። ሓቅኻ ኻብ ወለዶ ንወለዶ እዩ፣ ንምድሪ ኣጽኒዕካያ፣ ንሳውን ትነብር አላ። ብዘሎ ዅሉ ንኣኻ የገልግል እዩ እሞ፣ ክሳዕ ሎሚ ኸም ሕጋጋትካ ቘይሙ አሎ። ሕግኻ ደስታይ እንተ ዘይነብርሲ፣ ዛጊት ብመከራይ ምጠፋእኩ ነይረ። ብእኡ ህያው ጌርካኒ ኢኻ እሞ፣ ንትእዛዛትካ ከቶ ኣይክርስዖን እየ። ትእዛዛትካ ደልየ እየ እሞ፣ ናትካ እየ፣ ኣድሕነኒረሲኣን፣ ምእንቲ ኼጥፍኡኒይጸናተውኒ አለዉ፣ ኣነ ግና ንምስክራትካ ኤስተብህሎ አሎኹ። ኵሉ ፍጽምነት መወዳእታኡ ርኤኹትእዛዛትካ ግና ኣዝዩ ርሒብ እዩ። ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ፣ ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ። ትእዛዛትካ ንሓዋሩ ምሳይ እዩ እሞ፣ ሓለፋ ጸላእተይ ኣለበመኒምስክራትካ ምስትንታነይ እዩ እሞ፣ ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ለባም ኰንኩ። ትእዛዛትካ ሓልየ እየ እሞ፣ ሓለፋ እቶም ሽማግሌታት ኣእምሮ አሎኒ። ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉስኣእጋረይ ካብ ክፉእ ዘበለ መገዲ ኸልከልኩ። ንስኻ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፣ ካብ ፍርድኻ ኣይርሕቕን እየ። ቃላትካ ንትንሓገይ እምብዛ ጥዑም እዩ፣ ንኣፈይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅራ። ሳላ ትእዛዛትካ ኣእምሮ ረኸብኩ፣ ስለዚ ዅሉ መገዲ ሓሶት ጸላእኩቃልካ ንእግረይ መብራህቲንመገደይ ብርሃን እዩ። ንፍርድታት ጽድቅኻ ኽሕሉ መሐልኩኣጽናዕክዎ ኸኣ። ኣዝየ ተጨነቕኩ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ። ዎ እግዚኣብሄርፍርድታትካ ምሀረኒ፣ እቲ ፈትየ ዘቕርበልካ መስዋእቲ ኣፈይ ባህ የብልካ። ነፍሰይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ኢደይ እያ፣ ኣነ ግና ሕግኻ ኣይርስዕን እየ። ረሲኣን መፈንጠርያ ኣጻውዱለይ፣ ኣነ ግና ካብ ትእዛዛትካ ኣየግለስኩንምስክራትካ ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፣ ንዘለአለም ርስተይ ገበርክዎ። ስርዓታትካ ንሓዋሩ ኽሳዕ መወዳእታ ኽገብርልበይ ኣድነንኩክልተ ዝልቦም ጸላእኩሕግኻ ግና ፈቶኹ። ንስኻ መዕቈብየይን ዋልታይን ኢኻ፣ ብቓልካ ተስፋ እገብር አሎኹ። ትእዛዛትካ ኣምላኸይ ክሕሉስ፣ ኣቱም ሕሱማት፣ ካባይ ርሐቑ። ብህይወት ክነብርሲ፣ ከም ቃልካ ደግፈኒብተስፋይ ድማ ኣይተሕፍረኒ። ምእንቲ ኽድሕን ደግፈኒንስርዓታትካውን ኵሉ ጊዜ ኽቛመቶ እየ። ተንኰሎም ሓሶት እዩ እሞ፣ ነቶም ካብ ስርዓታትካ ዜግልሱ ዅሎም ትረግጾም። ንስኻ ንዅሎም ረሲኣን ምድሪ ኸም ሓርኢ ሓጺን ትጕሕፎም፣ ስለዚ ንምስክራትካ ኣፍቀርኩ። ካብ ስምባድካ እተላዕለ ስጋይ ይርዕድፍርድኻውን የሸብረኒ አሎ። ፍርድን ጽድቅን እገብር አሎኹ፣ ነቶም ጠቓዕተይ ኣሕሊፍካ ኣይትሀበኒንባርያኻ ብሰናይ ተውሐሶዕቡያት ኪጠቕዑኒ ኣይትፍቀደሎም። ኣዒንተይ ብናፍቖት ምድሓንካን ቃል ጽድቅኻን ሐመቓ። ከም ጸጋኻ ንባርያኻ ግበረሉስርዓታትካ ኸኣ ምሀረኒ። ኣነ ባርያኻ እየ፣ ምስክራትካ ኽፈልጥሲኣእምሮ ሀበኒ። ሕግኻ ኣፍሪሶም እዮም እሞ፣ እግዚኣብሄር ግብሩ ዚገብረሉ ጊዜ እዩ። ስለዚ ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኣብሊጸ እፈትዎ አሎኹ። ስለዚ ትእዛዛትካ ዘበለ ዅሉ ቕኑዕ ምዃኑ እቘጽሮ፣ መገዲ ሓሶት ዘበለ ኸኣ እጸልኦ አሎኹ። ምስክራትካ መስተንክር እዩ፣ ስለዚ ነፍሰይ ትሕልዎምኽፋት ቃልካ የብርህንገርህታት ኣእምሮ ይህብ። ትእዛዛትካ ናፊቐ እየ እሞ፣ ኣፈይ ሃህ ኣቢለ እህህ እብል አሎኹ። ከምቲ ነቶም ስምካ ዚፈትዉ እትገብረሎም፣ ተመለሰንን ምሐረንንንስጕምተይ ኣብ ቃልካ ኣጽንዓዮእከይ ድማ ከቶ ኣይምለኸኒ። ካብ መጥቃዕቲ ሰብ ተበጀወኒ፣ ኣነውን ትእዛዛትካ ኽሕሉ እየ። ገጽካ ንባርያኻ ኣብርሃሉስርዓታትካ ኸኣ ምሀረኒሕግኻ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፣ ኣዒንተይ ወሓዚ ማይ የፍስሳ ኣለዋ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ፣ ፍርድኻ ድማ ቅኑዕ እዩ። ብጽድቅን ብዕዙዝ ሓቅን ምስክራትካ ኣዘዝካተጻረርተይ ቃልካ ረሲዖም እዮም እሞ፣ ቅንኣተይ ይበልዓኒ አሎ። ቃልካ ኣዝዩ ጽሩይ እዩ፣ ባርያኻውን የፍቅሮ አሎ። ኣነ፣ ንኡስን ንዑቕን እየ፣ ትእዛዛትካ ግና ኣይረሳዕኩንጽድቅኻ ናይ ዘለአለም ጽድቂ እዩ፣ ሕግኻውን ሓቂ እዩ። መከራን ሽጋርን ረኸበኒትእዛዛትካ ግና ደስታይ እዩ። ምስክራትካ ንዘለአለም ጽድቂ እዩ፣ ኣእምሮ ሀበኒ እሞ፣ ብህይወት ክነብር እየ። ብምሉእ ልበይ እምህለል አሎኹ ዎ እግዚኣብሄርምለሰለይስርዓታትካ ኽሕሉ እየ። ናባኻ ተማህለልኩኣድሕነኒምስክራትካውን ክሕሉ እየ። ቅድሚ ወጋሕታ መጺኤ ኣእዌኹንቓልካ እጽበ እኔኹ። ንቓልካ ኼስተንትንሲኣዒንተይ ነቶም ናይ ለይቲ ሓለውቲ ቐደማኦም። ከም ሳህልኻ ድምጸይ ስማዕ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ። ንሕሰም ዚስዕቡ ይቐርቡ አለዉ፣ ካብ ሕግኻ ረሐቑ። ዎ እግዚኣብሄርቀረባ ኢኻ፣ ኵሉ ትእዛዛትካ ኸኣ ሓቂ እዩ። ንዘለአለም ከም ዝመስረትካዮ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚረ ብምስክራትካ ፈለጥኩሕግኻ ኣይረሳዕኩን እሞ፣ መከራይ ርኢኻ ኣናግፈኒ። ጠበቓይ ኩን እሞ ተበጀወኒ፣ ከም ቃልካ ህያው ግበረኒ። ረሲኣን ስርዓታትካ ኣይደልዩን እዮም እሞ፣ ምድሓንካ ኻብኦም ረሐቐ። ዎ እግዚኣብሄርርሕራሔኻ ዓብዪ እዩ፣ ከም ፍርድኻ ህያው ግበረኒ። ሰጐጕተይን ተጻረርተይን ብዙሓት እዮም፣ ኣነ ኻብ ምስክራትካ ኣየግለስኩንቃልካ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፣ ንጠለምቲ ርእየ ፈንፈንክዎም። ዎ እግዚኣብሄርንትእዛዛትካ ኸም ዘፍቅሮ ርኤ፣ ከም ሳህልኻ ህያው ግበረኒ። ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ፣ ኵሉ ፍርዲ ጽድቅኻ ድማ ንዘለአለም ይነብር። መሳፍንቲ ብዘይ ምኽንያት ሰጐጉኒልበይ ግና ቃልካ እዩ ዚፈርህ። ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ፣ ብቓልካ ባህ ይብለኒ አሎ። ንሓሶት እጸልኦን እፍንፍኖንንሕግኻ ግና ኤፍቅሮ አሎኹ። ስለ ጽድቂ ፍርድኻ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ኤመስግነካ አሎኹ። እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም አለዎም፣ ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን። ዎ እግዚኣብሄርንምድሓንካ ተጸቤኽዎትእዛዛትካ ድማ ገበርኩነፍሰይ ንምስክራትካ ሐለወቶኣዝየውን ኤፍቅሮ አሎኹ። ኵሉ መገደይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ እሞ፣ ትእዛዛትካን ምስክራትካን ሐሎኹ። ዎ እግዚኣብሄርኣውያተይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፣ ከም ቃልካ ኣእምሮ ሀበኒ። ምህለላይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፣ ከም ቃልካ ኣናግፈኒስርዓታትካ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከናፍረይ ምስጋናኻ ኼፈልፍላ እየን። ኵሉ ትእዛዛትካ ጽድቂ እዩ እሞ፣ ልሳነይ ንቓልካ ኽትነግር እያ። ትእዛዛትካ ሐርየ እየ እሞ፣ ኢድካ ረዳኢተይ ትኹን። ጐይታየምድሓንካ እናፍቕ አሎኹ፣ ሕግኻውን ደስታይ እዩ። ንነፍሰይ ህያው ግበራ፣ ንሳ ኸኣ ከተመስግነካ እያ፣ ፍርድታትካውን ይርድኣኒ። ከም ጥፍእቲ በጊዕ ተባረርኩትእዛዛትካ ኣይረሳዕኩን እሞ፣ ንባርያኻ ድለዮ

Translation | Context
ሮሜ 14:13 | 2 Helpful votes

ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ

Translation | Context
ዮሃንስ 16:31-33 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ ሕጂዶ ኣሚንኩምእንሆኵላትኩም ነንበይንኹም ነናብ ስፍራኹም እትዝረውላንበይነይውን እትሐድጉላ ጊዜ ትመጽእ አላ፡ ድሮ እኳ መጺኣግናኸ ኣቦይ ምሳይ እዩ እሞ፡ በይነይሲ ኣይኰንኩንኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹምኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹምግናኸ ኣጆኹምኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
ዘፍጥረት 50:20 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩም ንኽፉኤይ ሐሰብኩም፡ እግዚኣብሄር ግና፡ ከምቲ ሎሚ ዀይኑ ዘሎ ኺገብር ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኼድሕንንጽቡቕ ሐሰበ

Translation | Context
ማቴዎስ 10:28 | 2 Helpful votes

ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከአሎም ኣይትፍርህዎም።

Translation | Context
ፊልጲ 4:6 | 2 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 6:3 | 2 Helpful votes

ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍንሓደ እኳ ብገለ መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 10:5 | 2 Helpful votes

ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።

Translation | Context
ዘጸአት 14:14 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኪዋጋልኩም እዩ እሞ፡ ህድኡ፡ በሎም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 9:12 | 2 Helpful votes

ካልኦት ካብዚ መሰል እዚ ኣባኻትኩም ተማቐልቲ ኻብ ዚዀኑስንሕናዶ ግዳ ዚዓዝዝ ኣየሎናን፧ ንሕና ግና ንወንጌል ክርስቶስ መዕገቲ ምእንቲ ኸይንገብርሲንዂሉ ንዕገስ እምበር፡ ነዚ መሰል እዚ ኣይወሰድናዮን

Translation | Context
ማቴዎስ 7:1-29 | 2 Helpful votes

ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩምብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒትብሎእንሆጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ። ኣታ ግብዝቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ።  ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢእቲ ቅዱስ ነኽላባት ኣይትሀቡ። ዕንቍኹምውን ኣብ ቅድሚ መፋልስ ኣይትደርብዩ፡ በእጋሮም ከይረግጽዋ እሞ፡ ተመሊሶም ከይትርትሩኹምዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩምድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ። ካባኻትኩም፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ እምኒ ዚህቦወይስ ዓሳ እንተ ለመኖተመን ዚህቦ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ እምበኣርከ ንስኻትኩም እኳ፡ ክፉኣት ክነስኹምንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጹቡቅ ዘይህቦም። እምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም። እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲመገዳውን ገፋሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብመገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዩም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ። ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹምብፍሪኣም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዂዶ ወይኒ ይቕንጠብ፡ ካብ ተዀርባስ በለስከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቑረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። እምበርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይጐይታይዚብለኒ ዅሉመንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓትጐይታይጐይታይብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናንኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናንብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናንኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስልዝናም ዘነመውሒዝ ወሐዘንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዅሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስልዝናም ዘነመውሒዝ ወሐዘነፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋወደቐትኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ። ኰነ ድማ፡ የሱስ ነዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ፡ ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ

Translation | Context
ዮሃንስ 16:33 | 2 Helpful votes

ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹምኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹምግናኸ ኣጆኹምኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context