Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

old age


ምሳሌ 16:31 | 11 Helpful votes

ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ

Translation | Context
እዮብ 12:12 | 9 Helpful votes

ጥበብ ኣብ ሽማግሌታትምስትውዓልውን ኣብ ምንዋሕ ዕድመ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 46:4 | 9 Helpful votes

ክሳዕ እርግናኹም ኣነ እየ፡ ክሳዕ ትሽይቡ ድማ ክጾረኩም፡ ኣነ ገበርኩ ኣነውን ክድግፍ እየክጸውርን ኸድሕንን እየ

Translation | Context
መዝሙር 92:14 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኼውርዩስብእርግናኦም ድማ ይፈርዩይውረዩን ይልምዑን። እግዚኣብሄር ከውሔይ እዩ፣ አብኡውን ዓመጻ የልቦን።

Translation | Context
መዝሙር 71:18 | 6 Helpful votes

ነዚ ወለዶዚ ቕልጽምካ፣ ነቲ ዚመጽእውን ስልጣንካ ኽሳዕ ዘበስሮምሲ፣ ዎ ኣምላኽብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 4:16 | 5 Helpful votes

እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና።

Translation | Context
መዝሙር 71:9 | 3 Helpful votes

ጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩኣምላኽ ሐዲግዎመናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎይብሉ አለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:31 | 3 Helpful votes

እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን

Translation | Context
ቲቶስ 2:2 | 3 Helpful votes

እቶም ኣረገውቲ ሰብኡት ጥንቁቓት፡ ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነትብፍቕሪብትዕግስቲ ጥዑያት ኪዀኑ፡

Translation | Context
መዝሙር 90:10 | 2 Helpful votes

መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት፣ እንተ በዝሔ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ፣ ቀልጢፉ ይሐልፍነፊርናውን ንኸይድ ኢና እሞ፣ ክብረቱ ጻዕርን መከራን እዩ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:32 | 2 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብርንኣምላኽካውን ፍርሃዮኣነ እግዚኣብሄር እየ

Translation | Context
ምሳሌ 20:29 | 2 Helpful votes

ሓይሊ ንመንእሰይ ክብረቱ እዩ፡ ንኣረገውቲ ኸኣ ሽበቶም ስልማቶም እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 37:25 | 2 Helpful votes

ንእሽቶ ነበርኩ፣ ኣሪገ ኸኣ እኔኹ፣ ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉንዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን

Translation | Context
ቲቶስ 2:3 | 2 Helpful votes

እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና፡

Translation | Context
ምሳሌ 17:6 | 2 Helpful votes

ንኣረገውቲ እቶም ደቂ ደቆም ዘውዶም እዮም፡ ንቘልዑ ኸኣ ኣቦታቶም ክብረቶም እዮም።

Translation | Context
ዘፍጥረት 6:3 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሱ ስጋ ድማ እዩ፡ መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን፡ ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን፡ በለ

Translation | Context
እዮብ 5:26 | 2 Helpful votes

ኲልስስቲ እኽሊ ብጊዜኡ ኸም ዚኣቱ፡ ብጽቡቕ ሽምግልና ኽትቅበር ኢኻ

Translation | Context
እዮብ 11:17 | 2 Helpful votes

ህይወትካ ኻብ ቀትሪ በሊጻ ትበርህ፡ ጸልማት እኳ ኸም ወገግታ ብጊሓት ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
መክብብ 12:1-7 | 2 Helpful votes

ክፉእ መዓልታት ከይመጸ፡ ባህ ኣይበለንን እትበለሉ ዓመታት ከአ ኸይቀረበ ኸሎ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮጸሓይን ብርሃንን ወርሕን ከዋኽብትን ከይጸልመቱደበንታት ከአ ድሕሪ ዝናም ከይተመልሰ፡ በታ ሓለውቲ ቤት ዜንቀጥቅጡላብርቱዓት ሰብኡት ዚጒብጡላጠሓንቲ ስለ ዝወሓዳ ዜብኩኵራላጠማቶውን ኣብ መሳዅቲ ዚጽልምቱላ፡ ኣብ ኣደባባይ ዜእቱ ደጌታት ከአ ዚዕጸወላ መዓልቲ፡ ደሀይ መጥሓን ምስ ላሸወድምጺ ኣዕዋፍ ሰሚዑ ምስ ዚትንስእ፡ ኩለን ደረፍቲ ኣዋልድ ድማ ምስ ላሕተታ፡ ሽዑ ንበረኸቲ ይፈርሁ፡ ኣብ መገዲውን ይስምብዱለውዚ ትዕምብብኣንበጣ እኳ ይኸብድ፡ ቀመም ከአ ዊንታ ኣየለዐዕልንሰብ ናብ ናይ ዘለአለም ማሕደሩ ይኸይድ እሞ፡ መልቀስቲ ኣብ ኣደባባያት ይዞሩድሪ ብሩር ከየተበትከፍዮ ወርቂ ኸይተጨፍለቐዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ ከይተሰብረመዘወር ኣብ ዔላ ኸይተጨፍለቐመሬት ድማ፡ ከምቲ ዝነበሮ፡ ናብ ምድሪ ኸይተመልሰመንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ፈጣሪኻ ዘክሮ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:29 | 2 Helpful votes

ንድኹም ሓይሊ ይህብንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ

Translation | Context