Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all9 bible verses about
ግናኸ ኲሉ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፣ ኢሉ መለሰለይ።
Translation | Contextነፍሲ ሃካይ ሃረር ትብል አላ እሞ ገለ ኣይትረክብን፡ ነፍሲ ትጉሃት ግና ኣዝያ ትጸግብ።
Translation | Contextስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ። እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡ፡ ጐይታይ ይድንጕ እዩ፡ እንተ በለ፡ ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር፡ ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትን። ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ ብዘይፈላጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ። ኣብ ክልተ ኺጭንድሖ፡ ዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮ፡ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ፡ መገዱ ተመልከት እሞ ጠቢብ ኩን። ወይ ሓለቓ ወይ ኣዛዚ ወይ ገዛኢ የብሉን፡ ግናኸ ቀለቡ ብሓጋይ የዳሉ፡ ምግቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ። ኣታ ሃካይ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ በጥ እትብል፡ መኣዝከ ኢኻ ኻብ ድቃስካ እትትንስእ፡ ሓንሳእ ምድቃስ፡ ሓንሳእ ከኣ ምትካስ፡ ሓንሳእ ምእንቲ ኽትዐርፍውን ኣእዳውካ ምምስቓል፡ ድሕርዚ ኸኣ ድክነትካ ኸም ፈጣን መንገደኛ፡ ስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዐጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ።
Translation | Contextስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም፡ ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይትናቓነቑ፡ ኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ።
Translation | Contextንዅሎም በብመኣዲ እናሰርዑ ኣብ ለምለም ሳዕሪ ኬቐምጥዎምውን ኣዘዞም። ከከም መስርዖም በብሚእቲን በብሓምሳን ተቐመጡ። ነቲ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ሰማይ ገጹ ቝሊሕ ኢሉ ባረኸ። ነተን እንጌራ ቘሪሱ ኪቕርቡሎም ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም። እቲ ኽልተ ዓሳውን ንዅሎም መቐሎም።
Translation | Contextንምትጋህ ኣይትተሃከዩ፡ ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ።
Translation | Contextኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ሙሴ ነቲ ህዝቢ ኺፈርድ ተቐመጠ። እቲ ህዝቢ ድማ ካብ ብጊሓት ክሳዕ ምሸት ንሙሴ ኸቢብዎ ደው ኢሉ ነበረ። ሓሙ ሙሴ ኸኣ እቲ ኣብ ህዝቢ ዚገብሮ ዅሉ ምስ ረአየ፥ እዚ ኣብዚ ህዝቢ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ ኢኻ፡ ኵሉ ህዝቢ ኻብ ብጊሓት ክሳዕ ምሸት ከቢቡካ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ንስኻ በይንኻ ኾፍ እትብል፧ በሎ። ሙሴ ድማ ንሓሙኡ፡ እቲ ህዝቢ ንምላኽ ኪሓትት ናባይ ይመጽእ፡ ነገር ምስ ዚህልዎም ናባይ ይመጹ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብን ኣብ መንጎ ብጻዩን እፈርድ፡ ስርዓት ኣምላኽን ሕጋጋቱን ድማ እነግሮም፡ በሎ። ሓሙ ሙሴ ኸኣ በሎ፡ እዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር ኣይጽቡቕን እዩ። ንስኻን እዚ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ክትደኽሙ ኢኹም፡ እዚ ነገርዚ ኻብ ዓቕምኻ ዚኸብድ እዩ እሞ፡ በይንኻ ኽትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሕጂ ኸኣ ክመኽረካ፡ ቃለይ ስማዕ፡ እግዚኣብሂር ድማ ምሳኻ ይኹን። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኹን፡ እቲ ነገሮም ድማ ንስኻ ናብ ኣምላኽ ኣብጽሕ። ስርዓታትን ሕጋጋትን ምሃሮም፡ ዚኸዱላ መገድን ዚገብርዎ ግብርን ከኣ ንገሮም። ንስኻ ኻብ ኵሉ ህዝቢ ኸኣልቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ሰባት፡ እሙናት፡ ረብሓ ዓመጽ ዚጸልኡ ሰባት ሕረ። ንኣታቶም ከኣ ሕላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ኣብ ልዕሊኦም ሽመሎም። ወርትግ ድማ ንህዝቢ ይፍረዱ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ዓብዪ ነገር ዝዀነ ዅሉ ናባኻ የምጽኡ። ኵሉ ንእሽቶ ነገር ግና ባዕላቶም ይፍረድዎ። እቲ ጾር ምሳኻ እንተ ጾሩ ኸኣ፡ ንኣኻ ይፈዅሰካ። እዚ ነገርዚ እንተ ገበርካ፡ ኣምላኽ ድማ ከምኡ እንተ ኣዘዘካ፡ ክትጸንዕ ኢኻ። ኵሉ እዚ ህዝቢዚ ድማ ናብ ቦታኡ ብሰላም ይኣቱ። ሙሴ ድማ ቃል ሓሙኡ ሰሚዑ፡ ዝበሎ ዅሉ ገበረ። ሙሴ ኸኣ ካብ ኵሉ እስራኤል ከኣልቲ ሰባት ሐርዩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓላቑ ኪዀኑ፡ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ገበሮም። ንሳቶም ድማ ንህዝቢ ወርትግ ፈረዱ። ብርቱዕ ነገር ዝዀነ ኸኣ ናብ ሙሴ ኣምጽኡሉ፡ ዅሉ ንእሽቶ ነገር ግና ንሳቶም ፈረዱ። ሙሴ ድማ ንሓሙኡ ሰደዶ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ሃገሩ ኸደ።
Translation | Context