Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

other gods


ዘጸአት 23:13 | 10 Helpful votes

እቲ ዝበልኩኹም ኵሉ ሐልውስም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስመዩካብ ኣፍካ ኣይሰማዕ

Translation | Context
ዘዳግም 6:14 | 10 Helpful votes

እቲ ኣብ ማእከልካ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣባኻ ኸይነድድ ካብ ገጽ ምድሪውን ከየብርሰካስ፡ እቶም ኣብ ዙርያኻ ዚነብሩ ህዝብታት ንዜምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዐቡ

Translation | Context
ኢሳይያስ 44:6 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄርንጉስ እስራኤልን ተበጃዊኡን፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብልቀዳማይን ዳሕራይን ኣነ እየ፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 7 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ዘዳግም 32:17 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ ንዘይኰኑ ኣጋንንቲንዘይፈልጥዎም ኣማልኽቲ፣ ኣቦታትኩም ንዘይፈርህዎም፣ ሕጂ ቕሩብ ንዝመጹ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሰውኡ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 8:1-8 | 4 Helpful votes

ብዛዕባቲ ንጣኦታት እተሰውኤ ግና ኲላትና ፍልጠት ከም ዘሎና፡ ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ይነፍሕፍቕሪ ግና ይሃንጽሓደ እኳ ገለ ኸም ዚፈልጥ ዚመስሎ እንተሎ፡ ነቲ ዚፈልጦ ገና ኸምቲ ዝግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦን እዩ። ንኣምላኽ ዜፍቅሮ እንተሎ ግና፡ ንሱ ብእኡ ፍሉጥ እዩ። ደጊም ብዛዕባ እቲ ንጣኦታት እተሰውኤ ምብላዕጣኦት ኣብ ዓለም ግዛዕ ከም ዘይኰነን ብዘይ እቲ ሓደ በይኑ ኸኣ ካልእ ኣምላኽ ከም ዜልቦንንፈልጥ ኢና። ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ ኣማልኽቲ ዚብሃሉ እንተለዉስከምቲ ብዙሓት ኣማልኽትን ብዙሓት ጐይተትን ዘለዉንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይኣቦ፡ አሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውንየሱስ ክርስቶስ፡ አሎና። እዚ ፍልጠት እዚ ግና ኣብ ኲሉ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ሓያሎ ነቲ ጣኦት ክሳዕ ሎሚ ልማድ ገይሮምዎ፡ ንጣኦት ከም እተሰውኤ ገይሮም እዮም ዚበልዑ ዘለዉ እሞ፡ ሕሊናኦም ድኹም ኰይኑስ ይረክስብልዒ ግና ኣብ ኣምላኽ ኣየብጽሓናን እዩ፡ እንተ በላዕናኣይንውስኽ፡ እንተ ዘይበላዕናውን ኣይንንክን ኢና።

Translation | Context
እያሱ 24:2 | 3 Helpful votes

እያሱ ድማ ንብዘሎ ህዝቢ በሎእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ ካብ ጥንቲ ኣቦታትኩምታራ ኣቦ ኣብርሃምን ኣቦ ናሆርን፡ ኣብ ክንየው ርባ ይቕመጡ ነበሩ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ የገልግሉ ነበሩ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:1-5 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ዅሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበርኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ

Translation | Context
ዮሃንስ 3:19 | 2 Helpful votes

እቲ ፍርዲ እዚ እዩብርሃን ናብ ዓለም መጸሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ

Translation | Context
ዘዳግም 13:1-18 | 2 Helpful votes

ኣብ ማእከል ነብዪ ወይ ሓላም ሕልምታት እንተ ተንስኡ እሞ ምልክት ወይስ ተኣምራት እንተ ሀበካ፡ እቲ ምልክት ወይ ተኣምራት ከኣ ከምቲ ዝበለካ እንተ ዀነደድሕሪ ዘይትፈልጦም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ነገልግሎም፡ እንተ በለካንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዂሉ ልብኹምን ብዂሉ ነፍስኹምን እንተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኺፈልጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፍትነኩም እዩ እሞ ነቲ ነብዪ እቲ ወይ ነቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ቓሉ ኣይትስማዕደድሕሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስዐቡ፡ ብእኡ ድማ ፍርሁትእዛዛቱውን ሐልዉቃሉ ድማ ስምዑ፡ ንእኡ ኸኣ ኣገልግሉ ምስኡውን ልገቡ። ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትከዳ ዝአዘዘካ መገዲ ኼግልሰካ፡ ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣኩም፡ ካብ ቤት ባርነት ድማ ዘድሐነኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኬዕልወኩም ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ እቲ ነብዪ እቲ ወይ እቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ይሙት። በዚ ኸምዚ ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆሓውካወዲ እኖኻ፡ ወይ ወድኻ ወይ ጓልካ ወይ ኣብ ሕቚፍኻ ዘላ ሰበይትኻ ወይ ከም ነፍስኻ ዝዀነ ፈታዊኻንኺድ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ነምልኽኢሉ ብሕቡእ እንተ ሐበለካ፡ ንስኻ ዀነ ኣቦታትካ ዘይትፈልጥዎም፡ ካብ ኣማልኽቲ እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ምድሪ፡ ኣብ ጥቓኻ ዀነ ወይ ኣብ ርሑቕካ፡ ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ህዝብታትሕራይ ኣይትበሎ፡ ኣይትስምዓዮ፡ ዓይንኻውን ኣይትራሕርሓሉ፡ ኣይትንሐፎ ኸኣ፡ ኣይትሕብኣዮውንርግጽ ቅተሎ ደኣ፡ ንምቕታሉ ኢድካ ትቐድምደሓር ኢድ ኲሉ ህዝቢ። ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼግልሰካ ደልዩ እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከልካ ኸምዚ ዝበለ ኽፉእ ከይድገምሲኲሎም እስራኤል ሰሚዖም ኪፈርሁኪመውት ብዳርባ እምኒ ቕተሎ። ብዛዕባ ሓንቲ ኻብተን ክትነብረለን እግዚኣብሄር ዚሀበካ ኸተማታት፡ ሕሱማት ሰባት ደቂ ቢልያል ካብ ማእከልካ ወጺኦምንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸነምልኽ ንኺድ፡ ኢሎም፡ ንደቂ ዓዶም ኣስሐቱ፡ ኪብሉ እንተ ሰማዕካ፡ ሽዑ ድለ፡ መርምር ኣጸቢቕካ ኸኣ ጠይቕ፡ እንሆ ድማ፡ እዚ ፍንፉን ነገር እዚ ኣብ ማእከልካ ኸም እተገብረ፡ ሓቅን ርግጽን እንተ ዀይኑ፡ ኣብታ ኸተማ ንዚነብሩ ብስሕለት ሴፍ ኣበርቲዕካ ውቓዕ፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘሎ ዂሉን ፈጺምካ ኣጥፍእ፡ ንኸብታውን ብስሕለት ሴፍ ኣጥፍእ። ካብኣ እተዘምተ ዘበለ ዂሉ ኣብ ማእከል ኣደባባያ ኣክቦ፡ ነታ ኸተማን ንዂሉ ኻብኣ እተዘምተን ብመላኡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብሓዊ ኣንድድ። ንዘለኣለም ዑና ትኹን፡ መሊሳ ኸኣ ኣይትሰራሕእግዚኣብሄር ካብ ንደት ኲራኡ ምእንቲ ኺምለስን ምሕረት ኪገብረልካን ኪድንግጸልካን፡ ከምቲ ነቦታትካ ዝመሐለሎም ከኣ ኬብዝሓካስ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱ ክትሕሉ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቕኑዕ ዝዀነ ድማ ክትገብር፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ ካብቲ ሕሩም ነገር ገለ እኳ ኣብ ኢድካ ኣይልገብ

Translation | Context
ዘጸአት 15:11 | 2 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን እዩብምስጋና እተፈራህካገባር ተኣምራትብቕድስናኸ ኸማኻ ዝኸበረ መን እዩ፧

Translation | Context
ኤርምያስ 7:9 | 2 Helpful votes

ኣየ፡ ንስኻትኩም ትሰርቁትቐትሉትዝምውብሓሶት ትምሕሉንበዓል ትዐጥኑንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲውን ትስዕቡ

Translation | Context
እያሱ 23:7-16 | 2 Helpful votes

ናብዞም ዝተረፉ እሞ ምሳኻትኩም ዘለዉ ህዝብታት እዚኣቶም ከይትኣትዉስም ኣማልኽቶምውን ከይትዝክሩከይትምሕሉሎምን ከይተገልግልዎምን ከይትሰግዱሎምውን፡ ከምዚ ኽሳዕ ሎሚ ዝገበርኩምዎ ደኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልገቡእግዚኣብሄር ድማ ንዓበይትን ንሓያላትን ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ሰጒጒዎም እዩ እሞ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኣይበለን። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ እተዛረበኩም፡ ንሱ እዩ ዚዋግኣልኩም እሞ፡ ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ንሽሕ ኪሰጎም እዩ። ስለዚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትፈትውዎንነፍስኹም ኣዚኹም ተሐለዉ። ንድሕሪት እንተ ተመለስኩም እሞ፡ ናብዞም ተረፍ፡ ናብዞም ምሳኻትኩም ዝተረፉ ህዝብታት እዚኣቶም እንተ ለገብኩም፡ ምሳታቶም ድማ እንተ ተዋሰብኩም፡ ናባታቶም እንተ ኣቶኹም፡ ንሳቶም ድማ ናባኻትኩም እንተ ኣተዉ፡ ካብዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሀበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ እትጸንቱ፡ ንኣኻትኩም መሓንኰልን መጻወድያን ንጐድንኹም መግረፊ ነዒንትኹም ከኣ እሾኽ ኪዀኑኹም እዮም እምበር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ደጊም ካብ ቅድሜኹም ከም ዘየውጽኦም፡ ብርግጽ ፍለጡ። እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ሎሚ መገዲ ዅላ ዓለም እኸይድ አሎኹ እሞ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገርሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር፡ ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ ኣይወደቐን። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ኵሉ ጽቡቕ ነገር ዝመጸኩም፡ ከምኡ ድማ ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሀበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ ዜጽንተኩም፡ እግዚኣብሄር ኵሉ ኽፉእ ነገር ኬምጽኣልኩም እዩ። ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኩም ኪዳን ምስ እትተሓላለፉንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሉን ክትሰግዱሎምን እንተ ኸድኩም፡ ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ኪነድድ እዩ፡ ካብታ ዝሀበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ድማ ሽዓ ኢልኩም ክትበርሱ ኢኹም።

Translation | Context
ዘዳግም 28:14 | 2 Helpful votes

ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡ ካብዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም እንተ ዘየግለስካንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሎም ደድሕሪኦም እንተ ዘይሰዐብካ ድማ፡ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብረካንብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 5:2-7 | 2 Helpful votes

ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንታቦት ኣምላኽ ወሲዶም ናብ ቤት ዳጎን ኣእተውዎ፡ ኣብ ጥቓ ዳጎን ኣቐመጥዎኣሽዶዳውያን ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ እንሆ፡ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ። ንዳጎን ወሲዶም ከኣ ናብ ስፍራኡ መለስዎንጽብሒቱ ወጋሕታ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ ድማ፡ እንሆ፡ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ፡ ርእሲ ዳጎንን ክልቲኤን ግናዕ ኢዱን ከኣ ተቘሪጸን ኣብ ልዳት ወዲቐን ነበራ። ዳጎን እቲ ማእከሉ ጥራይ ተሪፍዎ ነበረ። ስለዚ ነታ ኣብ ኣሽዶድ ዘላ ልዳት ዳጎን ካህናት ዳጎን ኰኑ ወይ ናብ ቤት ዳጎን ዚአትዉ ዅሎም ክሳዕ ሎሚ ኣይረግጽዋን እዮም። ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ንኣሽዶዳውያን ከበደቶምንኣሽዶድን ንዶባታን ብሕበጥ ወቒዑ ኣጥፍኦም። እቶም ሰብ ኣሽዶድ ከኣ ከምኡ ኸም ዝዀነ ምስ ረአዩኢዱ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ዳጎን ኣምላኽናን ጸኒዓ እያ እሞ፡ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ምሳና ኣይንበርበሉ

Translation | Context
ዘዳግም 10:17 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲጐይታ ጐይተት፡ እቲ ዓብዪ፡ እቲ ሓያል፡ እቲ ዜፍርህ ኣምላኽ፡ ገጽ ርእዩ ዘየዳሉመማለዲ ኸኣ ዘይቅበል እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:22 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ እንሆኣዳም ከም ሓደ ኻባና፡ ጽቡቕን ክፉእን ዚፈልጥ ኰይኑ አሎ። ሕጂ ኸኣ ኢዱ ኸይዝርግሕ፡ ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ድማ ኸይበልዕንዘለኣለም ከኣ ህያው ኰይኑ ኸይነብርኢሉ

Translation | Context