Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

other religions


1ይ ዮሃንስ 4:5-8 | 12 Helpful votes

ንሳቶምሲ ኻብ ዓለም እዮም፡ ስለዚ ኻብ ዓለም ይዛረቡ አለዉ፡ ዓለምውን ትሰምዖም አላ። ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓናእቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ስሕተትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ። ኣቱም ፍቁራተይፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐርዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 9 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 8:5-6 | 7 Helpful votes

ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ ኣማልኽቲ ዚብሃሉ እንተለዉስከምቲ ብዙሓት ኣማልኽትን ብዙሓት ጐይተትን ዘለዉንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይኣቦ፡ አሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውንየሱስ ክርስቶስ፡ አሎና።

Translation | Context
ገላትያ 1:6-10 | 5 Helpful votes

ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ አሎ። እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን። ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹንከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፥ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል አሎኹ። ሕጂኸ ንስብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ፡ ወይስ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ፡ ገና ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝብልሲ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ።

Translation | Context
ዮሃንስ 13:34-35 | 5 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹምከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16-18 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራኣምላኽ ንወዱዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግናብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነድሮ ተፈሪድዎ አሎ።

Translation | Context
ዘዳግም 12:29-31 | 4 Helpful votes

ነዞም ክትወርሶም እትኸዶም ዘሎኻ ህዝብታት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜካ ምስ ኣጥፍኦም፡ ንስኻ ኸኣ ንኣታቶም ወሪስካ ኣብ ምድሮም ምስ ተቐመጥካ፡ ካብ ቅድሜካ ምስ ጠፍኡ፡ ደድሕሪኦም ብምስዓብካ ኸይትሕንኰልብዛዕባ ኣማልኽቶም ከኣ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከመይ ገይሮም ኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ፧ ኣነ ድማ ከምኡ ኽገብር፡ ኢልካ ኸይትሐትት ተጠንቀቕንኣማልኽቶም እቲ እግዚኣብሄር ዚጸልኦ ዘበለ ዅሉ ፍንፉን ነገር ይገብሩሎም ነበሩ፡ ንኣማልኽቶምሲ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ብሓዊ የንድዱሎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ

Translation | Context
ዘዳግም 13:6-10 | 3 Helpful votes

ሓውካወዲ እኖኻ፡ ወይ ወድኻ ወይ ጓልካ ወይ ኣብ ሕቚፍኻ ዘላ ሰበይትኻ ወይ ከም ነፍስኻ ዝዀነ ፈታዊኻንኺድ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ነምልኽኢሉ ብሕቡእ እንተ ሐበለካ፡ ንስኻ ዀነ ኣቦታትካ ዘይትፈልጥዎም፡ ካብ ኣማልኽቲ እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ምድሪ፡ ኣብ ጥቓኻ ዀነ ወይ ኣብ ርሑቕካ፡ ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ህዝብታትሕራይ ኣይትበሎ፡ ኣይትስምዓዮ፡ ዓይንኻውን ኣይትራሕርሓሉ፡ ኣይትንሐፎ ኸኣ፡ ኣይትሕብኣዮውንርግጽ ቅተሎ ደኣ፡ ንምቕታሉ ኢድካ ትቐድምደሓር ኢድ ኲሉ ህዝቢ። ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼግልሰካ ደልዩ እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከልካ ኸምዚ ዝበለ ኽፉእ ከይድገምሲኲሎም እስራኤል ሰሚዖም ኪፈርሁኪመውት ብዳርባ እምኒ ቕተሎ።

Translation | Context
2ይ ተሰሎንቄ 2:9-12 | 2 Helpful votes

እቶም ዚጠፍኡስ ንምድሓኖም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ፡ ንኣታቶም ናይ እዚ ኣመጻጽኣ ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ፡ ብዅሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ስይጣን እዩ ዚኸውን። ስለዚ ኸኣ እቶም ብዓመጻ ባህ ዚብሎም እምበር፡ ንሓቂ ዘይኣምኑ ዅሎም ምእንቲ ኺፍረዱኣምላኽ፡ ነቲ ሓሶት ክሳዕ ዚአምኑብርቱዕ ስሕተት ይሰደሎም

Translation | Context
ዮሃንስ 15:16 | 2 Helpful votes

ኣነ ሐሬኹኹም እምበርንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም

Translation | Context
ዮሃንስ 6:44 | 2 Helpful votes

እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦንኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።

Translation | Context
ሚክያስ 4:1-13 | 2 Helpful votes

በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ እቲ ደብሪ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸኖ፡ ኣብ ልዕሊ ዅድኵዶታት ከኣ ልዕል ኪብል እዩ። ህዝብታት ድማ ናብኡ ኺውሕዙ እዮም። ሕጊ ካብ ጽዮንቃል እግዚኣብሄር ከኣ ካብ የሩሳሌም ኪወጽእ እዩ እሞ፣ ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ፣ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ፣ ንሱ ኸኣ ጐደናታቱ ኺምህረና እዩ፣ ንሕናውን ብመገድታቱ ኽንመላለስ ኢና፣ ከኣ ኪብሉ እዮም። ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ኪፈርዱንብርቱዓት ህዝብታት ድማ ክሳዕ ርሑቕ ኪዳንዮም እዩ። ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታትኵናውቶም ድማ ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም፣ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪምህሩን እዮም። ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም ሰለሱን ኪቕመጥ እዩ፡ ዜፍርሆም ከኣ የልቦን። ኵሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም፣ ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ክንመላለስ ኢና። በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ሓንካስ ክእክባ፡ ነታ እተስጐትን ነታ ኣነ ዘጨነቕክዋን ክሕብረን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ነታ ሓንካስ ንተረፍ፣ ነታ ናብ ርሑቕ እተሰጐት ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኽገብረን እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ሎሊኦም ኣብ ከረን ጽዮን ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ። ኣታ ግምቢ መጓሰ፣ ኣታ ዅርባ ጓል ጽዮን፣ ናባኻ ኽትመጽእ፣ እወ፣ እታ ጥንታዊት ግዝኣት፣ እታ መንግስቲ ጓል የሩሳሌም ክትመጻካ እያ። እምብኣርሲ ስለምንታይ ደኣ ዓው ኢልኪ እትጭድሪ፧ ከም እትሐርስ ሰብይቲ ቕልውላው ዚሕዘክስ፡ ንጉስዶ ኣብ ማእከልኪ የሎን፡ መኻሪኺዶ ጠፊኡ እዩ፧ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ሕጂ ካብታ ኸተማ ኽትወጺ፡ ኣብ መሮር ከኣ ክትስፍሪ፡ ክሳዕ ባቢሎን ድማ ክትመጺ ኢኺ። ኣብኡ ኽትድሕኒ ኢኺ፡ ኣብኡ እግዚእብሄር ካብ ኢድ ጸላእትኺ ኺብጀወኪ እዩ እሞ፡ ከም እትሐርስ ሰበይቲ ኣቕለልውን ተጨነቕን። ሕጂ ኸኣ፣ ትርከስኣዒንትና ድማ ናብ ጽዮን ይጥምታ፣ ዚብሎ ብዙሓት ህዝብታት ተኣከቡኺ። ንሳቶም ግና ሓሳብ እግዚኣብሄር ኣይፈለጡን ምኽሩውን ኣየስተውዐሉን፣ ንሱስ ከም እንዳእቲ ናብ ዓውዲ ይእክቦም አሎ። ኣቲ ጓል ጽዮን ቀርንኺ ሓጺንሸኾናኺ ድማ ነሓሲ ክገብሮ እየ እሞ፣ ተንስኢኣኺዲብዙሓት ህዝብታት ከኣ ክትሰባብሪ ኢኺ፣ ኣነውን ዘመቲኦም ንእግዚኣብሄርሃብቶም ድማ ንጐይታ ዅላ ምድሪ ክቕድሶ እየ።

Translation | Context
ዘዳግም 10:17 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲጐይታ ጐይተት፡ እቲ ዓብዪ፡ እቲ ሓያል፡ እቲ ዜፍርህ ኣምላኽ፡ ገጽ ርእዩ ዘየዳሉመማለዲ ኸኣ ዘይቅበል እዩ።

Translation | Context
ገላትያ 1:8-9 | 2 Helpful votes

ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹንከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፥ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል አሎኹ።

Translation | Context