Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ።
Translation | Contextኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።
Translation | Contextተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።
Translation | Contextሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ አሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።
Translation | Contextንዓለም ዚስዕራኸ፡ እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን እዩ፧
Translation | Contextኣቱም ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም አሎኹም።
Translation | Contextከምቲ ኣነውን ዝሰዐርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩ፡ ነቲ ዚስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ እየ።
Translation | Contextካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ። ንዓለም ዚስዕራኸ፡ እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን እዩ፧
Translation | Contextእቲ ዚስዕር ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኪኽደን እዩ፡ ኣነውን ንስሙ ኻብ መጽሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆን እየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ንስሙ ኽእመኖ እየ።
Translation | Contextሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ። ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸይስተዮ፡ ከም ዜፍርን ከም ዜብቊልን ከኣ ከይገበሮ፡ ዘርኢ ንዘርኢ፡ ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሀቦ፡ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ፡ እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ፡ ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ። ብሓጐስ ክትወጹ፡ ብሰላም ድማ ክትስነዩ ኢኹም እሞ፡ ኣኽራንን ኰረቢትን ቀቅድሜኹም እልል ኪብሉልኩም፡ ኲሎም ኣእዋም መሮርውን ኬጣቕዑልኩም እዮም። ኣብ ክንዲ እሾዂስ ጽሕዲ፡ ኣብ ክንዲ ኣምዔ ድማ ጸጾ ኺበቊል እዩ፡ እዚውን ንእግዚኣብሄር ስምን ዘይጠፍእ ዘለኣለማዊ ምልክትን ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።
Translation | Contextእቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።
Translation | Contextእንሆ፡ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ጸላእን ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም አሎኹ፡ ዚጐድኣኩም ከኣ የልቦን።
Translation | Contextእዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብቲ ስዉር ማና ኽህቦ እየ፡ ጻዕዳ እምኒ ድማ፡ ብዘይ እቲ እተቐበላስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ኣብታ እምኒ እቲኣ እተጻሕፈ ሓድሽ ስም ክህቦ እየ።
Translation | Contextሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎ፡ ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን።
Translation | Context