Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

overcoming gluttony


1ይ ቈረንቶስ 9:24-27 | 14 Helpful votes

ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ዂላቶም ከም ዚጐዩ፡ ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጒየዩ። እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብዂሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ፡ እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኪቕበሉ እዮም፡ ንሕና ግና ነቲ ዘይሐልፍ። ስለዚ ኣነ እጐዪ አሎኹ፡ ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩንእምክት አሎኹ፡ ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና ኣይኰንኩንንኻልኦት እናሰበኽኩ፡ ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ።

Translation | Context
ፊልጲ 3:19 | 13 Helpful votes

መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩኣምላኾም ከብዶም እዩ፡ ክብረቶምውን ኣብ ነውሮም እዩ፡ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 10 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
ምሳሌ 23:21 | 9 Helpful votes

ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከል ሰተዪ ወይኒ፡ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 7 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹምዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑንቕሑ

Translation | Context
ሮሜ 14:17 | 6 Helpful votes

መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ

Translation | Context
ሮሜ 8:5-8 | 6 Helpful votes

ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዚሐስቡመንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዚሐስቡ። እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ። እቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይኰነሎምን እዩ።

Translation | Context
እዮብ 23:10-12 | 6 Helpful votes

ንሱ ግና በየነይቲ መገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፡ ይፈትነኒ፡ ከም ወርቂ ዀይነ ኸኣ ክወጽእ እየ። ኣእጋረይ ኣሰሩ ሕዘንተጠንቂቐውን ካብ መገዱ ኣየግለስኩን። ካብ ትእዛዝ ከናፍሩ ኣይዘንበልኩን፡ ካብ መዝገበይ ኣብሊጸ ንቓል ኣፉ ሐሎኽዎ።

Translation | Context
ሮሜ 6:12-13 | 4 Helpful votes

እምብኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ፡ ኣብዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ

Translation | Context
ማቴዎስ 5:6 | 4 Helpful votes

ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡንኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ምሳሌ 23:2 | 4 Helpful votes

ስሱዕ እንተ ዀንካስ፡ ንጐሮሮኻ ኻራ ኣቕርበሉ

Translation | Context
ዮሃንስ 6:53 | 3 Helpful votes

የሱስ በሎምስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩምደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ ህይወት ከም ዜብልኩምብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:19-20 | 3 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ

Translation | Context
ዮሃንስ 6:48-51 | 3 Helpful votes

እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ እሞ ሞቱ። ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውትካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩእቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ

Translation | Context
መዝሙር 131:2 | 3 Helpful votes

ንነፍሰይ ኣህዳእክዋስቕ ኣበልክዋ፣ ከም ጡብ ዝሐደገ ሕጻን ኣብ ሕቚፊ ኣዲኡነፍሰይ ከምቲ ጡብ ዝሐደገ ሕጻን ኣባይ ከምኡ እያ።

Translation | Context
መክብብ 10:17 | 2 Helpful votes

ኣቲ ሃገርንጉስኪ ወዲ ኽቡራት ዝዀነ፡ መሳፍንትኺ ድማ ንምስካር ዘይኰነስ፡ ሓይሊ ኺረኽቡ ብግቡእ ጊዜ ዚበልዑብጽእቲ ኢኺ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:19 | 2 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ

Translation | Context