Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

parent child relationship


ምሳሌ 22:6 | 11 Helpful votes

ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:4 | 10 Helpful votes

ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም

Translation | Context
ኤፌሶን 6:1-24 | 10 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎምኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብርጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ። ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም። ኣቱም ግዙኣትነቶም ብስጋ ጐይቶትኩምሲ ብፍርሃት ብምንቅጥቃጥን፡ ብገርህነት ልብኹም ከም ንክርስቶስ ጌርኩም፡ ተኣዘዝዎምከም ግዙኣት ክርስቶስ ኴንኩም ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ልቢ እትገብርዎ ደኣ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ብገጽርኤ ኣይኰነንንሰብ ዘይኰነስ ከም ንጐይታ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡባርያ ዀነ ጭዋ ዀነነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዝገበረ ኻብ ጐይታ ኸም ዚቕበሎፍለጡ። ኣቱም ጐይተትውንከምኡ ግበሩሎም፡ እቲ ጐይታኦምን ጐይታኹምን ኣብ ሰማይ ምህላዉ እሞ ኣብኡ ኣድልዎ ገጽ ከም ዜልቦ ፈሊጥኩምምፍርራህ ሕደጉብዝተረፈስኣሕዋተይብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላዉ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውንማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ። ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡ ምእንታይውን፡ ኣፈይ ምስ ከፈትኩስ፡ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ክነግር ቃል ኪውሃበኒ፡ ብዛዕባይ ብመቝሕ እተኣሰርኩ ልኡኽ እየ እሞከም ዚግብኣኒ ዀይነ ንምዝራብ ብእኡ ኽተብዕ፡ ጸልዩለይ። ግናኸ ንስኻትኩም ህልዋተይ ከመይ ከም ዘሎኹ ምእንቲ ኽትፈልጡትኪቆስ፡ እቲ ፍቁር ሓወይን ብጐይታውን እሙን ኣገልጋልንኵሉ ኺነግረኩም እዩ። ወሬና ምእንቲ ኽትፈልጡን ልብኹም ኪጸናናዕን እየ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ነሕዋት ይኹን። ምስቶም ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይሐልፍ ዜፍቅርዎ ዅሎም ጸጋ ይኹን

Translation | Context
ፊልጲ 2:14 | 8 Helpful votes

ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩምከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ

Translation | Context
ዘጸአት 20:12 | 8 Helpful votes

ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር

Translation | Context
ቈሎሴ 3:21 | 7 Helpful votes

ኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም

Translation | Context
ምሳሌ 13:24 | 5 Helpful votes

ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ

Translation | Context
ምሳሌ 29:15 | 4 Helpful votes

ሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ፡ ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍር

Translation | Context
እብራውያን 12:7-11 | 4 Helpful votes

ቅጽዓት እንተ ተዓገስኩምኣምላኽ ከም ውሉድ ገይሩ ይርእየኩም እዩ። ኣቦኡ ዘይቀጽዖኸ እንታዋይ ውሉድ እዩብዘይ እታ ዅሎም ዝሐበሩላ ቕጽዓት እንተ ዀንኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉድ ኣይኰንኩምን። ኣብ ርእሲ እዚውን ዚቐጽዑና ኣቦታት ስጋና ኻብ ዚነብሩና እሞ ካብ እንሐፍሮምብህይወት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ነቲ ኣቦ መናፍስቲ ኣዚና ኽንእዘዞዶ ኣይግብኣናን እዩ፧ እቲኣቶምሲ ንቕሩብ መዓልቲ ኸም እተራእዮም ገይሮም ቀጽዑናንሱ ግና፡ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ኽንማቐል ኢሉ፡ ንጥቕምና እዩ ዚቐጽዓና። ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ።

Translation | Context
ምሳሌ 23:13-14 | 4 Helpful votes

ንቘልዓ ብሸቦጥ እንተ ግረፍካዮኣይመውትን እዩ እሞ፡ ብዘይ መቕጻዕቲ ኣይትግደፎብሸቦጥ ትገርፎ እሞ፡ ንነፍሱ ኻብ ሲኦል ተድሕና

Translation | Context
ምሳሌ 1:8-9 | 3 Helpful votes

ወደየ፡ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ

Translation | Context
ምሳሌ 22:15 | 3 Helpful votes

ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ፡ ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖ

Translation | Context
ዘዳግም 21:18-21 | 3 Helpful votes

ንሓደ ሰብ ህልኸኛን ዓመጸኛንቃል ኣቦኡን ቃል ኣዲኡን ዘይሰምዕ ወዲ እንተለዎ፡ እንተ ቐጽዕዎ ድማ ዘይእዘዞምኣቦኡን ኣዲኡን ሒዞም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማኡን ናብ ደገ ቦታኡን የውጽእዎ፡ ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማኡእዚ ወድና እዚ ህልኸኛን ዓመጸኛን እዩ፡ ንቓልና ኣይሰምዕንህሩፍን ሰካርን እዩ፡ ከኣ ይበልዎምኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ይሙት ከኣ። ክፉእ ዘበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ፡ ብዘሎ እስራኤል ከኣ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:19 | 3 Helpful votes

ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:1-14 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ሽማግሌታት፡ ኣነ መሸማግልቶምብስቓይ ክርስቶስ ድማ መስካሪኣብቲ ደሓር ኪግለጽ ዘልዎ ኽብሪውን ተማቓሊ እየ እሞ፡ እምዕዶም አሎኹ፡ ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹንብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡ ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ። እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ፡ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም። ኣቱም መንእሰይከምኡ ነቶም ዚዐብዩኹም ተገዝእዎምኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶምንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡትሕትና ተዐጠቑ። ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹምዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑንቕሑ። እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘልዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩምብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ። እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኺፍጽመኩም፡ ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩምኪስርተኩምውን እዩ። ንዘለኣለም ኣለም ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜንብስልዋኖስ፡ ንኣይ ከም ዚመስለኒ እሙን ሓዉና ገይረ፡ እናመኸርኩኹምእዚ ደው ኢልኩምሉ ዘሎኹም ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ እናመስከርኩቅሩብ ጽሒፈልኩም አሎኹ። እታ መተሓርይትኹም ኣብ ባቢሎን ዘላ ማሕበርን ማርቆስ ወደይን ሰላም ይብሉኹም አለዉ። ብናይ ፍቕሪ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሀሉ። ብክርስቶስ የሱስ ዘሎኹም ኵላትኩም ሰላም ይሀልኹምኣሜን

Translation | Context
ሚልክያስ 4:6 | 2 Helpful votes

ኣነ መጺኤ ንምድሪ ብጽንዓት መርገም ከይወቕዓስ፡ ንሱ ልቢ ኣቦታት ናብ ደቂ፡ ልቢ ደቂ ድማ ናብ ኣቦታቶም ኪመልስ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 4:21 | 2 Helpful votes

ብበትሪዶ ወይስ ብፍቕርን ብመንፈስ ለውሃትን ክመጻኩም፧ እንታይ ትደልዩ

Translation | Context
ምሳሌ 23:25 | 2 Helpful votes

ኣቦኻን ኣዴኻን ባህ ይበሎም፡ እታ ዝወለደትካ ኸኣ ትተሐጐስ

Translation | Context