Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

pastoral care


ግብሪ ሃዋርያት 20:28 | 19 Helpful votes

ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩመንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 1:4 | 12 Helpful votes

በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከኣለናስብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 12:4-21 | 9 Helpful votes

ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና። ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስትንቢት እንተ ዀይኑብልክዕ እምነትና ይኹን። ኣገልግሎ እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ። መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱዚህብ ተገሪሁ ይሃብ፡ መራሒ እንተ ዀይኑብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዚድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ። ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩምብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። ንምትጋህ ኣይትተሃከዩብመንፈስ ተቓጸሉንእግዚኣብሄር ኣገልግሉብተስፋ ተሐጐሱብጸበባ ተዓገሱጸሎት ኣዘውትሩብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ። ንዚሰጉኹም መርቑመርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይሕሰቡ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄርጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበርባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮእዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር

Translation | Context
ዮሃንስ 21:15-17 | 8 Helpful votes

ምስ ተመስሑ ኸኣ፡ የሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ካብ እዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካንስኻ ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። ንሱ፥ ዕያውተይ ኣብልዕ፡ በሎ። ከም ብሓድሽ ከኣ ካልኣይ ጊዜስምኦን ወዲ ዮናተፍቅረኒዶ ኢኻበሎ። ንሱ፥ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካንስኻ ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። ንሱ፥ ኣባጊዔይ ሐሉ፡ በሎ። ሳልሳይ ድማ፥ ስምኦን ወዲ ዮናተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎጴጥሮስሳልሳይ ጊዜ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ ስለ ዝበሎጕህዩጐይታይንስኻ ዅሉ ትፈልጥ አሎኻ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎየሱስ ከኣ፥ ኣባጊዔይ ኣብልዕ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:2 | 5 Helpful votes

ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹንብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡

Translation | Context
ያእቆብ 5:14-20 | 4 Helpful votes

ኣብ ምኣእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄርዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ። እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ። ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረዝናም ከይዘንም ከኣ ጸሎት ጸለየ እሞ፡ ሰለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ምድሪ ኣይዘነመንከም ብሓድሽ ድማ ጸሎት ጸለየሰማይ ከኣ ዝናም ሀበምድሪውን ፍሪኣ ኣብቈለት። ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ዘምበለሓደ ኸኣ እንተ መለሶ፡ እቲ ንሓጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዚመልሶንነፍሱ ኻብ ሞት ከም ዜድሕንብዝሒ ሓጢኣትውን ከም ዝኸድንይፍለጥ

Translation | Context
ቲቶስ 1:9 | 3 Helpful votes

ንሱ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኺምዕድ፡ ነቶም ተቓናቐንቲውን ምግናሖም ምእንቲ ኺከአሎስ፡ በቲ እሙን ቃል ምህሮ ይጽናዕ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 2:11-12 | 3 Helpful votes

ከምቲ እትፈልጥዎ፡ ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዚጽውዓኩም ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱን፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንዉሉዱ ኸመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፋጥነኩምን ንምስክረልኩምን ነበርና።

Translation | Context
ህዝቅኤል 34:2-10 | 3 Helpful votes

ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብቶም ጓሶት እስራኤል ተነበ፣ ነቶም ጓሶት ተነበየሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ ነቶም ንርእሶም ጥራይ ዚጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም። እቶም ጓሶትሲ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኰኑን ዚጓስዩ፡ ነቲ ስቡሕ ትበልዑጸምሪ ትኽደኑ፣ ነቲ ዝሰብሔ ትሐርዱ፣ ነቲ መጓሰ ግና ኣይትኣልዩንንዝሐመቓ ኣየበርታዕኩምንንዝሐመመት ኣይፈወስኩምንንተሰብረት ኣይዘነንኩምንንተባረረት ኣይመለስኩምንንዝጠፍኤት ኣይደሌኹምንብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኩምወንጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፣ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ከኣ ብልዒ ዀና፣ ፋሕውን በላ። ኣባጊዔይ ኣብ ኵሉ ኣኽራንን ኣብ ኵሉ ነነዋሕቲ ዅርባታትን ተባረራ፣ ኣብ ኵሉ ዝባን ምድሪ ፋሕ በላ፣ ግደን ዚገብርን ዚደልየንን ከኣ የልቦን። ስለዚ፣ ኣቱም ጓሶትቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽኣባጊዔይ ተዘሪፈን፣ ኣባጊዔይ ከኣ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ብልዒ ዀይነን፣ እቶም ጓሶት ኣይነበሩን፣ ጓሶትይ ግዲ ኣባጊዔይ ኣይገበሩን፣ እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር፣ ነባጊዔይሲ ኣይጓሰይወንን እዮም እሞ፣ ስለዚ፣ ኣቱም ጓሶትቃል እግዚኣብሄር ስምዑእግዚኣብሄር ኣምላኽሲ እንሆ፣ ኣብቶም ጓሶት እጥልቕ አሎኹ፣ ኣባጊዔይ ከኣ ካብ ኢዶም ክደልየን እየ። እቶም ጓሶት መሊሶም ንርእሶም ከይጓስዩስ፣ ጕስነት ኣባጊዔይ ከሕድጎም እየ። ድሕርዚ ቐለቦም ከይዀና ድማ፣ ካብ ኣፎም ክምንዝዔን እየ፣ ይብል አሎ።

Translation | Context