Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

pastoral responsibilities


1ይ ጴጥሮስ 5:2-3 | 7 Helpful votes

ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹንብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡ ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:1-16 | 4 Helpful votes

እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ። እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲጥንቁቕቀጻዕ ነፍሱኣገባብ ዚፈልጥተቐባል ጋሻንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦዘይሰክርዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡምዘይብኣስፈታው ገንዘብ ዘይኰነነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን። ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ኪህልዎ ይግባእዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕሊና ሒዞምረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘይድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ኪዀኑ ይግባእ። እዚኣቶምውን ቅድም ይመርመሩመንቅብ ዜብሎም እንተ ዀኑ፡ ሽዑ የገልግሉኣንስቲውን ከምኡ ረዘንቲዘይሐምያጥንቁቓትብዅሉውን እሙናት ኪዀና ይግባእ። እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቆም ዜስተናብሩ ይኹኑ። ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ አሎኹ፡ እንተ ደንጔኹ ግና፡ ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት፡ ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኽትፈልጥ እፈቱ አሎኹ። ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፥ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸብመንፈስ ጸደቐንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:2 | 4 Helpful votes

እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲጥንቁቕቀጻዕ ነፍሱኣገባብ ዚፈልጥተቐባል ጋሻንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:3 | 3 Helpful votes

ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 4:2 | 3 Helpful votes

ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕክትገንሕክትቀጽዕክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 34:1-10 | 3 Helpful votes

ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብቶም ጓሶት እስራኤል ተነበ፣ ነቶም ጓሶት ተነበየሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ ነቶም ንርእሶም ጥራይ ዚጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም። እቶም ጓሶትሲ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኰኑን ዚጓስዩ፡ ነቲ ስቡሕ ትበልዑጸምሪ ትኽደኑ፣ ነቲ ዝሰብሔ ትሐርዱ፣ ነቲ መጓሰ ግና ኣይትኣልዩንንዝሐመቓ ኣየበርታዕኩምንንዝሐመመት ኣይፈወስኩምንንተሰብረት ኣይዘነንኩምንንተባረረት ኣይመለስኩምንንዝጠፍኤት ኣይደሌኹምንብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኩምወንጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፣ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ከኣ ብልዒ ዀና፣ ፋሕውን በላ። ኣባጊዔይ ኣብ ኵሉ ኣኽራንን ኣብ ኵሉ ነነዋሕቲ ዅርባታትን ተባረራ፣ ኣብ ኵሉ ዝባን ምድሪ ፋሕ በላ፣ ግደን ዚገብርን ዚደልየንን ከኣ የልቦን። ስለዚ፣ ኣቱም ጓሶትቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽኣባጊዔይ ተዘሪፈን፣ ኣባጊዔይ ከኣ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ብልዒ ዀይነን፣ እቶም ጓሶት ኣይነበሩን፣ ጓሶትይ ግዲ ኣባጊዔይ ኣይገበሩን፣ እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር፣ ነባጊዔይሲ ኣይጓሰይወንን እዮም እሞ፣ ስለዚ፣ ኣቱም ጓሶትቃል እግዚኣብሄር ስምዑእግዚኣብሄር ኣምላኽሲ እንሆ፣ ኣብቶም ጓሶት እጥልቕ አሎኹ፣ ኣባጊዔይ ከኣ ካብ ኢዶም ክደልየን እየ። እቶም ጓሶት መሊሶም ንርእሶም ከይጓስዩስ፣ ጕስነት ኣባጊዔይ ከሕድጎም እየ። ድሕርዚ ቐለቦም ከይዀና ድማ፣ ካብ ኣፎም ክምንዝዔን እየ፣ ይብል አሎ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:17 | 3 Helpful votes

እቲ ጽሑፍ፡ ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ድማ፥ ንዓያዪ ውዕለቱ ይግብኦ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽማግሌታትምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 13:17 | 3 Helpful votes

ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምንንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 20:28 | 3 Helpful votes

ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩመንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:1-14 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ሽማግሌታት፡ ኣነ መሸማግልቶምብስቓይ ክርስቶስ ድማ መስካሪኣብቲ ደሓር ኪግለጽ ዘልዎ ኽብሪውን ተማቓሊ እየ እሞ፡ እምዕዶም አሎኹ፡ ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹንብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡ ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ። እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ፡ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም። ኣቱም መንእሰይከምኡ ነቶም ዚዐብዩኹም ተገዝእዎምኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶምንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡትሕትና ተዐጠቑ። ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹምዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑንቕሑ። እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘልዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩምብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ። እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኺፍጽመኩም፡ ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩምኪስርተኩምውን እዩ። ንዘለኣለም ኣለም ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜንብስልዋኖስ፡ ንኣይ ከም ዚመስለኒ እሙን ሓዉና ገይረ፡ እናመኸርኩኹምእዚ ደው ኢልኩምሉ ዘሎኹም ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ እናመስከርኩቅሩብ ጽሒፈልኩም አሎኹ። እታ መተሓርይትኹም ኣብ ባቢሎን ዘላ ማሕበርን ማርቆስ ወደይን ሰላም ይብሉኹም አለዉ። ብናይ ፍቕሪ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሀሉ። ብክርስቶስ የሱስ ዘሎኹም ኵላትኩም ሰላም ይሀልኹምኣሜን

Translation | Context
ኤፌሶን 4:12 | 2 Helpful votes

ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽናብ እኹል ሰብኣይናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ

Translation | Context
ቲቶስ 1:5-9 | 2 Helpful votes

ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይምበዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ፡ እቲ ኤጶስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባምቅኑዕቅዱስ፡ ይአኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኵሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግባእ። ንሱ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኺምዕድ፡ ነቶም ተቓናቐንቲውን ምግናሖም ምእንቲ ኺከአሎስ፡ በቲ እሙን ቃል ምህሮ ይጽናዕ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 6:1-15 | 2 Helpful votes

በቲ ቕነቲ ደቀ መዛሙርቲ ምስ በዝሑ፡ እቶም ኣይሁድ ጽርኢ በቲ ምምቃል ምግቢ ዕለትንመበለታቶም ስለ ዝጐሰይወን፡ ኣብቶም እብራውያን ኣጒረምረሙ። ሽዑ እቶም ዓሰርተዉ ክልተ ንዂሎም ደቀ መዛሙርቲ ኣኪቦም፡ ንሕና ቓል ኣምላኽ ሐዲግናስ ኣብ መኣዲ ኸነገልግል ዚግባእ ኣይኰነን። ስለዚ ኣቱም ኣሕዋት፡ ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ነዚ ጒዳይ እዚ ኸኣ ነመዝዞምንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት እዚ ቓል እዝን ከየብኰርና ንሐዝ፡ በልዎም። እዚ ዘረባ እዚ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ባህ ኣበሎ። ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብኣይእስጢፋኖስን ንፊልጶስን ንጵሮኮሮስን ንኒቃኖርን ንጢሞንን ንጰርሜናስን ነቲ ጵሮሴሊትኒቆላዎስ ብዓል ኣንጾክያን ሐረዩ። ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ከኣ ደው ኣበልዎም፡ እናጸለዩውን ኣእዳዎም ኣንበሩሎምቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሔቊጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሔ ኸደ። ብዙሓት ካብ ካህናትውን ንእምነት ተኣዘዙእስጢፋኖስ ድማ ጸጋን ሓይልን መሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ። ሊቤርጢኖን ካብ እትብሀል ቤት ጸሎትን ካብ ቄሬኔዎንን ካብ እስክንድርያን ካብ ቂልቅያን ካብ እስያን ግና ንእስጢፋኖስ ተንስእዎ ይከራኸርዎ ኸኣ ነበሩ። ነቲ ዚዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ኪማጐትዎ ኣይተኻእሎምን። ሽዑ ኸኣ፡ ንሕና ኣብ ሙሴን ኣብ ኣምላኽን ቃል ጸርፊ ኺዛረብ ከሎ ሰሚዕናዮዚብሉ ሰባት ሐበሉ። ንህዝብን ንዓበይትን ንጻሐፍትን ኣነዐቡመጺኦም ከኣ መንዚዖም ናብ ዋዕላ ወሰድዎ እሞ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ የሱስ፡ እቲ ብዓል ናዝሬት፡ ነዛ ስፍራ እዚኣ ኼፍርሳ፡ ነቲ ሙሴ ዝሀበና ስርዓት ከኣ ኪልውጦ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰሚዕናዮ አሎና እሞ፡ ነዛ ቅድስቲ ስፍራ እዚኣን ንሕግን ቃላት ጸርፊ ኻብ ምዝራብ ከቶ ኣይዐርፍን እዩ፡ ዚብል ምስክር ሓሶት ኣተንስኡሉ። እቶም ኣብቲ ዋዕላ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዂላቶም ድማ ጠመትዎ እሞ ገጹ ኸም ገጽ መልኣኽ ኰይኑ ተራእዮም።

Translation | Context
ቲቶስ 1:9 | 2 Helpful votes

ንሱ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኺምዕድ፡ ነቶም ተቓናቐንቲውን ምግናሖም ምእንቲ ኺከአሎስ፡ በቲ እሙን ቃል ምህሮ ይጽናዕ።

Translation | Context