Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

paying back what you owe


ሮሜ 13:7-10 | 12 Helpful votes

እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ። እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ ኣይትዘሙኣይትቕተልኣይትስረቕብሓሶት ኣይትመስክርኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:34-36 | 11 Helpful votes

ኪፈድዩኹም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሑ እዮም። ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም። ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ፡ ርሕሩሓት ኩኑ

Translation | Context
መዝሙር 37:21 | 9 Helpful votes

እቶም ብሩኻቱ ንሃገር ኪወርስዋ፣ እቶም ንሱ ዚረግሞም ግና ኪጸንቱ እዮም እሞ፣ ረሲእ ይልቃሕ ኣይመልስንውን፣ ጻድቕ ግና ርሕሩሕ እዩ እሞ ይህብ

Translation | Context
ምሳሌ 19:17 | 6 Helpful votes

እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሪ ኺፈድዮ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 27:1 | 5 Helpful votes

መዓልቲ እትወልዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ብጽባሕ ኣይትመካሕ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:8 | 4 Helpful votes

ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስንሱ ይእከለና

Translation | Context
ሉቃስ 16:1-31 | 3 Helpful votes

ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎምኣዛዝ ቤት ዝነበሮ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ንእኡ፥ ገንዘብካ ይብትነልካ አሎ፡ ኢሎም ኣጣቘስዎጸዊዑ ኸኣ፥ እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘሎኹ እንታይ እዩ፧ ደጊም ኣዛዝ ቤት ክትኰነኒ ኣይኰነልካን እዩ እሞ፡ ጸብጻብ ምምጋብካ ሃበኒበሎ። እቲ ኣዛዚ ኸኣ ብልቡጐይታይ ካብዛ ሽመተይ ኪስዕረኒ እዩ፡ ከይባሩ ኣይክእልንከይልምን ድማ እሐፍር፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ጐይታይ ካብ ሽመተይ ምስ ሰዓረኒ፡ ኣብ ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉንስዝገብሮ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ። ነቶም ሰብ ዕዳ ጐይታኡ ንነፍሲ ወከፎም ጸዊዑነቲ ቐዳማይ፥ ንጐይታይ እትፈድዮ ዕዳ ኽንደይ አሎኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ ሚእቲ ባት ዘይቲበሎ። ሽዑ ንሱ፥ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበልቀልጢፍካ ተቐመጥ እሞ ሓምሳ ኢልካ ጽሐፍ፡ በሎ። ድሕሪኡ ድማ ንሓደ ኻልእ፥ ንስካኸ ዕዳኻ ኽንደይ እዩ፧ በሎ። እቲውን፥ ሚእቲ ቆሮስ ስርናይ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል እሞ ሰማንያ ኢልካ ጽሐፍ፡ በሎ። ካብ ደቂ ብርሃንሲ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ወለዶኦም ይባላሐቱ እዮም እሞ፡ ነቲ ዓመጸኛ ኣዛዚ፡ ብልቦና ስለ ዝገበረጐይታኡ ነኣዶኣነ ኸኣ፥ ምስ ተወድኣኩም ኣብ ናይ ዘለኣለም ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉኹምሲብገንዘብ ዓመጻ ንርእስኹም ኣዕሩኽ ግበሩእብለኩም አሎኹ። ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ። እምብኣርከ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ካብ ዘይትዀኑ፡ ንጥሪት ሓቂ ሕድሪ ዚህበኩም መን እዩ፧ ብናይ እማትኩም እሙናት ካብ ዘይትዀኑስናትኩም ዚህበኩም ደኣ መን እዩ፧ ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦንወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹምእቶም ገንዘብ ዚፈትዉ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከኣ እዚ ዅሉ እናሰምዑ የላግጹሉ ነበሩ። በሎም ድማ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚርኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ንስካትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹምንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ። ሕግን ነብያትን ክሳዕ ዮሃንስ ነበሩ። ካብ ሽዑ ንነጀው መንግስቲ ኣምላኽ ትብሰር አላ፡ ኵሎም ድማ ይዳፍኡላ አለዉ። ካብ ሕጊ ሓንቲ ነቑጣ ኻብ እትወድቕሲሰማይን ምድርን ኪሐልፍ ይቐልልንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ ካብ ሰብኣያ ንተፈትሔት ዜእቱውን ይዝሙ። ቀይሕ ክዳንን ክቡር ቦፍታን ዚኽደን፡ ኵሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውንብቝስሊ ተወሪሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተመላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎእቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረአየጸዊዑ ኸኣዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ አሎኹ እሞ ምሓረኒኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይንኣልኣዛር ስደደለይበሎኣብርሃም ግና፥ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበዘክርሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ከይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ አሎ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት አለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቃይ እዚኣ ከይመጹኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ አሎኹ፡ በሎኣብርሃም ድማ፥ ሙሴን ነብያትን አለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑበሎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰነንኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸዶምሲኪንስሑ እዮም፡ በሎ። ንሱ ድማ፥ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ

Translation | Context
ምሳሌ 22:7 | 3 Helpful votes

ንድኻ ሃብታም ይገዝኦተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 6:1-5 | 3 Helpful votes

ወደየንብጻይካ እንተ ተውሐስካ፡ ስለ ጓና ኸኣ ኢድ እንተ ጠቓዕካብቓላት ኣፍካ ተትሐዝካ፡ ብቓላት ኣፍካ ተፈንጠርካወደየኣብ ኢድ ብጻይካ ኻብ ወደቕካስ፡ ምእንቲ ኽትግርነ፡ ከምዚ ግበርኪድ እሞ ተደፊእካ ንብጻይካ ነዝንዞ፡ ንዓይንኻ ድቃስንቕርኒብካ ትኽስታ ኣይትሀብ፡ ከምቲ ሜዳቝ ካብ ኢድ ሃዳኒ ዑፍውን ካብ ኢድ ኣፈንጣሪ ዜምልጣ፡ ንርእስኻ ኣድሕን

Translation | Context
ፊልጲ 4:19 | 3 Helpful votes

ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።

Translation | Context