Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ። እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም።
Translation | Contextእቶም ብሩኻቱ ንሃገር ኪወርስዋ፣ እቶም ንሱ ዚረግሞም ግና ኪጸንቱ እዮም እሞ፣ ረሲእ ይልቃሕ ኣይመልስንውን፣ ጻድቕ ግና ርሕሩሕ እዩ እሞ ይህብ።
Translation | Contextኢድካ ኽትገብረሉ ዚከኣላ እንተ ዀይኑስ፡ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ። ዚወሃብ ከሎካስ፡ ንብጻይካ፤ ኪድ እሞ ተመለስ፡ ጽባሕ ክህበካ እየ ኣይትበሎ።
Translation | Contextተመባጺዕካ ኻብ ዘይትፍጽሞስ፡ ዘይምምብጻዕ ይሐይሽ።
Translation | Contextንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፡ ተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ።
Translation | Contextእቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም።
Translation | Contextስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ።
Translation | Contextእምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ።
Translation | Contextሙሴ ኸኣ ንሓላቑ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ እዚ እዩ፡ ኢሉ ተዛረቦም፡
Translation | Contextዚወሃብ ከሎካስ፡ ንብጻይካ፤ ኪድ እሞ ተመለስ፡ ጽባሕ ክህበካ እየ ኣይትበሎ።
Translation | Contextኣብ መወዳእታ ሸሾብዓተ ዓመት ሕድገት ግበር። እቲ ናይ ሕድገት ነገር ከኣ እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ መለቅሒ እቲ ንብጻዩ ዘለቅሔ ይሕደገሉ፡ ናይ እግዚኣብሄር ሕድገት ተአውጁ እዩ እሞ፡ ካብ ብጻዩን ሓዉን ኣይድለዮ። ካብ ጓና ደኣ ድለዮ፡ ኣብ ሓውካ ዘሎካ ግና ሕደገሉ። ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኪባርኸካ እዩ እሞ፡ ድኻ ኣይርከበካን እዩ። ሓንትስ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ ክትሕልዎን ክትገብሮን፡ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ ደኣ ስምዓዮ እምበር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ከምቲ ዘተስፈወካ ኺባርኸካ እዩ እሞ፡ ንስኻ ድማ ንብዙሓት ህዝብታት ኸተለቅሕ ኢኻ፡ ንስኻ ግና ኣይትልቃሕን። ንብዙሓት ህዝብታት ድማ ክትገዝእ ኢኻ፡ ንሳቶም ግና ኣይገዝኡኻን። ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ እንተ ደኸየ፡ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይትጽንዓሉ ኢድካውን ኣይትጨብጠሉ። ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈትሉ፡ እቲ ዜድልዮ ኸኣ ኣእኪልካ ኣለቅሓዮ። ኣብ ልብኻ ሓሳብ በሊያል ከይህልወካ ተጠንቀቕ፡ እታ ሳብዐይቲ ዓመት፡ ዓመት ሕድገት፡ ቀሪባ እያ ኢልካ፡ ዓይንኻ ድማ ኣብቲ ድኻ ሓውካ ይኸፍእ እሞ ገለ ኣይትህቦን። ንሱ ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ። ፈቲኻ ሀቦ፡ ንእኡ ብምሃብካውን ልብኻ ኣይጕሄ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ተግባርካን ኢድካ ኣብ ዝዘርጋሕካሉ ዅሉን ኪባርኸካ እዩ። ድኻታት ኣብ ማእከል ሃገር ኣይስኣኑን እዮም እሞ፡ ስለዚ ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓውካን ሽጉርካን ድኻኻን ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈተሉ፡ ኢለ እእዝዘካ አሎኹ። እብራዊ ሓውካ፡ ወይ እብራዊት፡ ኣባኻ እንተ ተሸጠ፡ ሹድሽተ ዓመት ይገዛእካ፡ በታ ሳብዐይቲ ዓመት ካባኻ ሓራ ኣውጺእካሕደጎ። ካባኻ ሓራ ኣውጺእካ ኽትሐድጎ ኸሎኻ ድማ፡ ጥራዩ ኣይትስደዶ። ካብ መጓሴኻን ካብ ዓውድኻን ካብ መጽመቚ ወይንኻን ለጊስካ ሀቦ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝባረኸካ መጠን ሀቦ። ንስኻ ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ እሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸም ዘድሐነካ ዘክር፡ ስለዚ ኣነ ሎሚ እዚ ነገር እዚ እእዝዘካ አሎኹ። ንሱ ግና፡ ምሳኻ ስለ ዝጠዐሞ፡ ንኣኻን ንቤትካን ፈትዩ ድማ፡ ካባኻ ኣይወጽእን፡ እንተ በለካ፡ ኪኸውን እዩ፡ መስፈ ውሰድ እሞ እዝኑ ኣብ ማዕጾ ጌርካ ኣንኵሎ ንሓዋሩ ባርያኻ ይኹን። ነታ ባርያኻውን ከምኡ ግበራ። ካባኻ ሓራ ምስ እተውጽኦ ኣይኽበድካ፡ ክንዲ ዓስቢ ዓሳብ ዕጽፊ ገይሩ ሹድሽተ ዓመት ኣገልጊሉካ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ብትገብሮ ዅሉ ኺባርኸካ እዩ። ካብ ኣሓኻን ካብ በጊዕካን ኵሉ በዅሪ እተወልደ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀድሶ። ብበዅሪ ብዕራይካ ኣይትዕየ፡ በዅሪ በጊዕካ ድማ ኣይትቚረጽ። ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝሐረዮ ቦታ ዓመት ንዓመት ንስኻን ስድራ ቤትካን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዄንካ ብልዓዮ። ገለ ጐደሎ እንተለዎ ግና፡ ሓንካስ ወይ ዕውር ወይ ዝዀነ ኽፉእ እንታ ዘለዎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትሰውኣዮ። ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ብልዓዮ። ከም ናይ ሰስሓን እራብን፡ ንጹህን ዘይንጹህን፡ ከም ሓደ ይብልዕዎ። ሓንትስ ደሙ ኣይትብላዕ፡ ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ።
Translation | Contextኣይትስረቑን ኣይትጠብሩን፡ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይትሐስዉ።
Translation | Contextእንታይ ይመስለካ፡ ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ እስኪ ንገረና። የሱስ ክፍኣቶም ፈሊጡ፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ስለ ምንታይ ትፍትኑኒ አሎኹም፧ እቲ ወርቂ ግብሪ ኣርእዩኒ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ዲናር ኣምጽኡሉ። ንሱ ድማ፡ እዚ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም፡ ናይ ቄሳር፡ በልዎ። ሽዑ ንሱ፡ እምበኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ፡ በሎም።
Translation | Contextጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ፡ ሞገስ ከኣ ካብ ብሩርን ወርቅን ይበልጽ።
Translation | Contextንብጻይካ ኣይትጽቀጦን ኣይትዘርፎን፡ ወይ ውዕለት ወዓላይ ክሳዕ ብጊሓት ምሳኻ ኣይሕደር።
Translation | Contextቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።
Translation | Contextካብቶም ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ንዕዳ ዚወሐሱ ኣይትኹን። ምፍዳይ እንተ ሰአንካስ፡ ስለምንታይ እዩ መንጸፍካ ኻብ ትሕቴኻ ዚውሰድ፡
Translation | Context