Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ብርግጽ ሰናይ ዚገብር እሞ ዘይሐጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ የልቦን።
Translation | Contextእምብኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ፍጹማት ኩኑ።
Translation | Contextኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ኽረኽቦ፡ ንቕድሚት እደፍእ አሎኹ እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ኸም ዝረኸብክዎ ወይስ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከም ዝዀንኩ ኣይኰነን። ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ። እምብኣርሲ ፍጹማት ዘበልና ዅልና እዚ ንሕሰብ ብገለ ነገር ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ንእኡውን ኣምላኽ ኪገልጸልኩም እዩ።
Translation | Contextብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።
Translation | Contextኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ፡ ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጕም ዚከአሎ፡ ብቑዕ ሰብኣይ እዩ።
Translation | Contextእቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘሎና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ።
Translation | Contextሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና፡ ኣምላኽ ኣባና ይነብር፡ ፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም።
Translation | Contextንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ።
Translation | Contextፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን።
Translation | Contextእቲ ኻብ ኣምላኽ እትወልደ ዘበለ ርእሱ ይሕሉ፡ እቲ እኩይውን ኣይትንክዮን እዩ እምበር፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደስ፡ ሓጢኣት ከም ዘይገብር፡ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም እሞ፡ ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፡ እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ እናተጸበየ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ።
Translation | Context