Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all8 bible verses about
እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።
Translation | Contextሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ ይጥብር አሎ፡ እምብኣርከ ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ፡ ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ። ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር፡ ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ።
Translation | Contextንዅሉ ተዓዘብዎ፡ ነቲ ሰናይ ሐዝዎ።
Translation | Contextእዚ ይጠቕመኩም እዩ እሞ፡ በዚ ድማ ምኽሪ እህበኩም አሎኹ፡ ንስካትኩም ንፍቓድ ድማ እምበር፡ ንምግባር ጥራይ ኣይኰንኩምን ካብ ዓሚ ሒዝኩም ቅድም ዝጀመርኩም። ሕጂ ኸኣ ከምቲ ንፍቓድ ተዳሊኹም ዝነበርኩምዎ፡ ከምኡ ጌርኩም ከም ዓቕምኹም ንምፍጻምውን ብግብሪ ፈጽሙ።
Translation | Contextኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።
Translation | Contextቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፣ ንመገደይ ብርሃን እዩ።
Translation | Contextስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ።
Translation | Context