Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ግናኸ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም።
Translation | Contextዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ።
Translation | Contextኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንብ እዩ እሞ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ።
Translation | Contextኣቱም ፍቁራተይ፡ በቲ ንምፍታን ዚረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ፡ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም፡ ኣይትገረሙ። ብምግላጽ ግርማኡ ድማ ክትሕጐሱን ባህ ክትብሉን ኢኹም እሞ፡ ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እትዀኑስ፡ ተሐጐሱ ደኣ። ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም፡ እቲ ናይ ክብርን ናይ ኣምላኽን መንፈስ ኣባኻትኩም ይሐድር እዩ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም።
Translation | Contextፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደለዮስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩምሲ፡ ሰናይ እናገበርኩም ሓሳረ መከራ ኽትጸግቡ ይሔሸኩም እዩ እሞ፡ እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዚኸውን ሰናይ ኣኻይዳኹም ዚጸርፉ በቲ ዚሐምዩኹም ምእንቲ ኺሐፍሩ፡ ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹም።
Translation | Contextስለ ጽድቂ እኳ ድማ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ካብ ፍርሃቶም ኣይትፍርሁ ኣይትሰምብዱውን።
Translation | Contextፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደለዮስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩምሲ፡ ሰናይ እናገበርኩም ሓሳረ መከራ ኽትጸግቡ ይሔሸኩም እዩ እሞ፡ እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዚኸውን ሰናይ ኣኻይዳኹም ዚጸርፉ በቲ ዚሐምዩኹም ምእንቲ ኺሐፍሩ፡ ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹም።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ኣይትገረሙ።
Translation | Contextምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
Translation | Contextሰብ ስለ ወዲ ሰብ ኢሎም እንተ ጸልኡኹም፡ እንተ ፈለዩኹም፡ እንተ ጸረፉኩም፡ ስምኩምውን ከም ክፉእ እንተ ኣውጹእልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም።
Translation | Contextብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ ንስጐጕ፡ ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና። ህይወት የሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድውን ኵሉ ሳዕ ሞት የሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር አሎና። ማለት፥ እታ ህይወት የሱስ ኣብቲ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድሲ፡ ንሕና ብህይወት ዘሎና ምእንቲ የሱስ ኢልና ዅሉ ሳዕ ናብ ሞት የሕልፉና አለዉ። እምብኣርሲ ሞት ኣባና ይዓዪ፡ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ትዓዪ አላ።
Translation | Contextነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።
Translation | Contextምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዚኣክል ምጽራር እተዓገሰ ዘክርዎ።
Translation | Context