Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።
Translation | Contextምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት።
Translation | Contextግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን።
Translation | Contextኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ዂላቶም ከም ዚጐዩ፡ ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጒየዩ። እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብዂሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ፡ እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኪቕበሉ እዮም፡ ንሕና ግና ነቲ ዘይሐልፍ። ስለዚ ኣነ እጐዪ አሎኹ፡ ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩን፡ እምክት አሎኹ፡ ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና ኣይኰንኩን። ንኻልኦት እናሰበኽኩ፡ ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ።
Translation | Contextኣቱም ኣሕዋትና፡ ንስኻትኩም ግና ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ንኸንቱ ኣሚንኩም እንተ ዘይኰንኩም፡ ከምቲ ኣነ ዝሰበኽክዎ ጌርኩም ሒዝኩምዎ እንተ ኣሊኹምሲ፡ እቲ ዝሰበኽኹልኩምን እተቐበልኩምዎን ኣብኡ ጸኒዕኩም ዘሎኹምን ብእኡውን እትድሕኑሉን ወንጌል ኤፍልጠኩም አሎኹ። እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዂሉ ነጊረኩም እየ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ተቐብረ ኸኣ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ፡ ንኬፋ፡ ደሓርውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእየ፡ ድሕሪኡ፡ ዚበዝሑ ኻባታቶም ክሳዕ ሎሚ ዘለዉ፡ ገሊኣቶም ግና ደቂሶም ዘለዉ፡ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእየ። ድሕሪኡ ንያእቆብ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንዂላቶም ሃዋርያት ተራእየ። ድሕሪ ዂላቶም ድማ ንኣይ፡ ቍላዕ ንዝመስል፡ ተራእየኒ። ኣነስ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጒክዋ፡ ምንኣስ ኲላቶም ሃዋርያት እየ እሞ ሃዋርያ ኽስመ ብቚዕ ኣይኰንኩን። እቲ ዘሎኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ዘሎኹ። ካብ ኲላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዓርኩ እምበር፡ እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጻጋ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን። እምብኣርሲ ኣነ እንተ ዀንኩ፡ ንሳቶም እንተ ዀኑ፡ ከምዚ ጌርና ንሰብኽ አሎና፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኣመንኩም። ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ ኻብ ዚስበኽ ደኣ፡ ከመይ ኢሎም እዮም ሓያሎ ኻባኻትኩም፡ ትንሳኤ ምዉታት የልቦን፡ ዚብሉ ዘለዉ፧ ትንሳኤ ምዉታት ዜልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ ድማ ኣይተንስኤን። ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ፡ እምነትኩምውን ከንቱ እያ። ኣምላኽ ንክርስቶስ ኣተንሲእዎ ኢልና መስኪርና ኢና እሞ፡ ንክርስቶስ ዘየተንስኦ እንተ ዀይኑስ፡ ምዉታትውን እንተ ዘይትንስኡ፡ ንሕና ሓሰውቲ ምስክር ኣምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና። ምዉታት እንተ ዘይትንስኡስ፡ ክርስቶስውን ኣይተንስኤን እሞ፡ ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም አሎኹም። እምብኣርሲ እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ድማ ጥፉኣት እዮም። ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኲሉ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና። ሕጂ ግና ክርስቶስ፡ በዂሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንስኤ። ስለዚ ኸምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፡ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤ ምውታት ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም። ግናኸ ነፍሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፡ ክርስቶስ ከም ቦኽሪ፡ ደሓር እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ። ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዚገብሮም፡ ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኵሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ፡ ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን። እቲ ኣብ መወዳእታ ዝስዐር ጸላኢውን ሞት እዩ። ኣምላኽ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ዅሉ ኣግዝኦ እሞ፡ ኵሉ ተገዝኤ፡ ኪብል ከሎ፡ ብዘይ እቲ ዅሉ ንእኡ ዘግዝኦ ኸም ዝዀነ፡ ግሁድ እዩ። ኵሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽውን ኵሉ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ዅሉ ዘግዝኦ ኺግዛእ እዩ። እንተ ዘይኰነስ፡ እቶም ኣብ ክንዲ ምውታት ዚጥመቑ ደኣ እንታይ ይገብሩ ኣለው፡ ብሱሩ ምውታት ዘይትንስኡ እንተ ኾይኖምሲ፡ ንምንታይ ደኣ ዚጥመቑሎም፡ ስለምንታይ ድኣ ንሕናኸ ዅሉ ጊዜ ኣብ ፍርሃት እንኣቱ፡ ኣሕዋተየ፡ ኣነ በቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣባኻትኩም ዘሎኒ ትምክሕቲ ኣብ ጸጽባሕ እመውት አሎኹ። ኣነ ኸም ግእዚ ሰብ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት እንተ ገጠምኩ፡ እንታይ ጥቕሚ አሎኒ፧ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀኑስ፡ ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን። ኣይትታለሉ፡ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ። ገሊኣቶም ፍልጠት ኣምላኽ የብሎምን እሞ፡ ንቕንዕና ተባራበሩ ሓጢኣትውን ኣይትግበሩ። እዚ ምእንቲ ኽትሐፍሩ ኢለ እየ ዝብሎ ዘሎኹ። ገለ ግና፡ ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዚትንስኡ፧ ብኸመይ ዝበለ ስጋኸ እዮም ዚመጹ፧ ዚብል ይህሉ። ኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብን እዩ። እቲ እትዘርኦ ድማ ናይ ስርናይ ወይስ ናይ ካልእ ዓይነት ፍረ ጥራይ እዩ እምበር፡ እቲ ስጋ ዚኸውን ኣይኰነን እትዘርኦ ዘሎኻ። ኣምላኽ ግና ከም ዝደለየ ገይሩ እዩ ስጋ ዚህቦ። ንነፍሲ ወከፍ ዘርኢውን ሰስጋኡ ይህቦ። ስጋ ሰብ በይኑ፡ ስጋ እንስሳ በይኑ፡ ስጋ ኣዕዋፍ በይኑ፡ ስጋ ዓሳውን በይኑ ደኣ እዩ እምበር፡ ኲሉ ስጋስ ሓደ ዓይነት ስጋ ኣይኰነን። ሰማያዊ ስጋ ድማ አሎ፡ ምድራዊ ስጋ ኸኣ አሎ፡ ግናኸ ክብሪ እቶም ሰማያውያን በይኑ፡ ክብሪ እቶም ምድራውያንውን በይኑ እዩ። ብኽብርስ ኰዀብ እኳ ኻብ ኰዀብ ይበልጽ እዩ እሞ፡ ክብሪ ጸሓይ በይኑ፡ ክብሪ ወርሒ በይኑ፡ ክብሪ ኸዋኽብቲውን በይኑ እዩ። ትንሳኤ ምዉታትውን ከምኡ እዩ፡ ብዚሐልፍ ይዝራእ፡ ብዘይሐልፍ ከኣ ይትንስእ። ብውርደት ይዝራእ፡ ብኽብሪ ይትንስእ። ብድኻም ይዝራእ፡ ብሓይሊ ይትንስእ። ነፍሳዊ ስጋ ይዝራእ፡ መንፈሳዊ ስጋ ይትንስእ። ነፍሳኣዊ ስጋ ኻብ ዚህሉ፡ መንፈሳዊ ስጋውን አሎ። ከምኡ ድማ፡ እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ህያው ነፍሲ ዀነ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ፡ እቲ ዳሕራይ ኣዳም ህያው ዚገብር መንፈስ ኰነ። ግናኸ ቅድም እቲ ነፍሳዊ እዩ እምበር፡ እቲ መንፈሳዊ ኣይኰነን፡ ደሓር እቲ መንፈሳዊ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ ምድሪ ዀይኑ መሬታዊ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ እዩ። ከምቲ መሬታዊ ኸምኡ ኸኣ እቶም መሬታውያን እዮም፡ ከምቲ ሰማያዊ ድማ ከምኡውን እቶም ሰማያውያን እዮም። ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበሰና፡ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ድማ ክንለብስ ኢና። ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይከኣሎ፡ እቲ ሓላፊ ድማ ነቲ ዘይሐልፍ ከም ዘይወርሶ፡ እብለኩም አሎኹ። እንሆ፡ ምስጢር እነግረኩም አሎኹ፡ ኲላትና ኽንልወጥ እምበር፡ ኲላትና ኣይክንድቅስን ኢና፡ ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ፡ በቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮም፡ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ። እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ እቲ ጽሑፍ፡ ሞት ብዓወት ተዋሕጠ፡ ዝበሎ ቓል ኪፍጸም እዩ። ዎ ሞት፡ ኣበይ አሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ አሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም፡ ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይትናቓነቑ፡ ኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ።
Translation | Contextምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለውን ምእንቲ እቶም ገጸይ ብስጋ ዘይረኣዩን ከኣ፡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ጻዕሪ ኸም ዘሎኒ፡ ክትፈልጡ እደሊ አሎኹ። ብፍቕርን ብዅሉ ሃብቲ ናይ ምሉእ ኣእምሮን፡ ንፍልጠት እቲ ምስጢር ኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ፡ ብሓደ ሰሚሮም ልቦም ምእንቲ ኺጸናናዕ፡ ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሰዊሩ አሎ። ሓደ እኳ ብቓል ቅብጥር ከየስሕተኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ። ብስጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎኹ፡ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፡ ስርዓትኩምን ጽንዓት እምነትኩም ብክርስቶስን እናርኤኹውን እሕጐስ አሎኹ። ደጊም ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ። ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሃኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም፡ ከምቲ እተመሃርኩምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ። ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ። ኣብኡ ብዘሎ ምልኣት መለኮት ብስጋ ሐዲርዎ እዩ እሞ፡ ንሱ ርእሲ ዅሉ ሕልቅነትን ስልጣንን እዩ፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ተመሊእኩም አሎኹም። ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ስጋ ሰብነት ቀንጢጥኩም ብኢድ ብዘይኰነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም። ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም። ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩምውን ምስኡ ህያዋን ገበረኩም። ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ። ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም። ደጊም ብብልዕን መስተን፡ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም። እዚ ነቲ ዚመጽእ ጽላሎት እዩ፡ እቲ ስጋ ግና ክርስቶስ እዩ። ሓደ እኳ፡ ትሕትና ብዚመስልን ብስግደት ንመላእኽትን ገይሩ፡ ንሱ ኣብ ዘይረኣዮ ነገር እናተሐወሰ በእምሮ ስጋኡ ብኸምኡ ዚንፋሕ፡ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም። ኣብቲ ብዘሎ እቲ ስጋ ብጅማትን መፈላልዮን ተዳጋጊፉን ብሓደ ተጋጢሙን ብምዕባይ ኣምላኽ ዚዓብየሉ ኣብቲ ርእሲ ኸይጸንዔ፡ ሓደ እኳ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም። እምብኣርከ ኻብ ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብዛ ዓለም ከም ዘሎኹምሲ፡ ከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም፥ ኣይትሐዝ፡ ኣይትጥዓም፡ ኣይትተንኪ፡ ኢሎም ሕጋጋት ዚሕግጉልኩም፡ - እዚ ዅሉ ተተገይሩስ ንሕልፈቱ እዩ፡ - እዚ ብትሑት ሓሳብን ብምሕሳም ስጋን ዚግበር ናይ ፍቓድ ርእስኻ ኣምልኾ፡ ሕብሪ ጥበብሲ አለዎ፡ ግናኸ ንምጽጋብ ስጋ እዩ እምበር፡ ንገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ።
Translation | Contextፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ ፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም።
Translation | Contextሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዖ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።
Translation | Context