Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all9 bible verses about
ጻድቕ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርሕርሓሉ፡ ልቢ ረሲኣን ግና ጨካን እዩ።
Translation | Contextሓሙሽተ ዑፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ።
Translation | Contextምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ እቲ ንዅሉ ስጋ ዚምግብ፣
Translation | Contextጽድቅኻ ኸም ኣኽራን ኣምላኽ እዩ፣ ፍርድታትካ ገፊሕ መዓሙቝ እዩ። ጐይታየ፣ ንሰብን እንስሳን ትባልሆም ኢኻ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይ እዩ፣ ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኵሉ ግብርታትካ ኼማስወካ፣ ቅዱሳንካውን ኪባርኹኻ እዮም።
Translation | Contextተዂላ ምስ ዕየት ኪሰፍር፡ ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ፡ ምራኽን ኲርኲር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ፡ ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንናታን ናብ ዳዊት ለአኾ። ንሱ ኸኣ ናብኡ አትዩ በሎ፡ ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኽልተ ሰብኣይ ነበሩ፡ እቲ ሓደ ሃብታም፡ እቲ ሓደ ድማ ድኻ። እቲ ሃብታም ኣዝየን ብዙሓት ኣባጊዕን ኣሓን ነበራኦ። እቲ ድኻ ግና፡ ብጀካ ዝዐደጋ ሓንቲ ንእሽቶ ሽበን፡ ገለ እኳ ኣይነበራኦን። ንሱ ኣዕበያ፡ ምስኡን ምስ ደቁን ከኣ ብሓደ ዐበየት፡ ካብ ቊራሱ ትበልዕ፡ ካብ ዋንጫኡውን ትሰቲ፡ ኣብ ሕቚፉ ድማ ትድቅስ፡ ንእኡ ኸም ጓሉ ነበረት። እቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ በዓል መገዲ ምስ መጾ ኸኣ፡ ነቲ ዝመጾ በኦኣል መገዲ ኻብተን ኣባጊዑን ካብተን ኣሓኡን ወሲዱ ኸየዳልወሉስ፡ በቐቐን፡ ነታ ሽበን እቲ ድኻ ወሲዱ ግና ነቲ ዝአተዎ ሰብአይ ኣዳለወሉ። ሽዑ ዂራ ዳዊት ኣብቲ ሰብአይ ኣዝዩ ነደደ፡ ንናታን ከኣ፡ እቲ እዚ ዝገበረ ሰብአይ ወዲ ሞት ከም ዝዀነ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ እዚ ነገር እዚ ስለ ዝገበረን፡ ድንጋጽዉን ስለ ዘይገበሮን፡ ኣብ ክንዲ እታ ሽበን ኣርባዕተ ገይሩ ይኽሐስ፡ በሎ።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ፥ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእ፡ በለ። ከምኡውን ኰነ። ኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኵሉ ለመምታ ምድሪ ኸኣ በብዓይነቱ ገበረ። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ።
Translation | Context