Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

physical fitness


1ይ ቈረንቶስ 6:19-20 | 18 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 8 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 9:24-27 | 8 Helpful votes

ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ዂላቶም ከም ዚጐዩ፡ ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጒየዩ። እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብዂሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ፡ እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኪቕበሉ እዮም፡ ንሕና ግና ነቲ ዘይሐልፍ። ስለዚ ኣነ እጐዪ አሎኹ፡ ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩንእምክት አሎኹ፡ ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና ኣይኰንኩንንኻልኦት እናሰበኽኩ፡ ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 3:17 | 7 Helpful votes

ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻኩም ኢኹም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:8 | 7 Helpful votes

እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅምኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 3:16 | 5 Helpful votes

ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 9:27 | 4 Helpful votes

ንኻልኦት እናሰበኽኩ፡ ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 1:5-6 | 4 Helpful votes

ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት፡ ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፡ ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:31 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ እንተ በላዕኩምወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩምኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:19 | 3 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ

Translation | Context
ሮሜ 12:1 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 9:26 | 2 Helpful votes

ስለዚ ኣነ እጐዪ አሎኹ፡ ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩንእምክት አሎኹ፡ ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና ኣይኰንኩን

Translation | Context
ሮሜ 14:20 | 2 Helpful votes

ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶኲሉ ንጹህ እዩ፡ ነቲ ብውልውል ዚበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 31:17 | 2 Helpful votes

ሕቝኣ ብሓይሊ ይዕጠቕቀላጽማ ኸኣ ተበርትዕ

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:31 | 2 Helpful votes

እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን

Translation | Context
እብራውያን 12:11-12 | 2 Helpful votes

ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ። ምእንትዚ ነተን ዘርጋሕጋሕ ዚብላ ኣእዳውን ወለል ዝበለን ኣብራኽን ኣቕንዕወን

Translation | Context
ገላትያ 5:22-23 | 2 Helpful votes

እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪሓጐስዕርቂዓቕሊለውሃትሕያውነትእምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን

Translation | Context
ዳንኤል 1:10-16 | 2 Helpful votes

እቲ ሓለቓ ስሉባት ከኣ ንዳንኤል፣ ኣነ ነቲ መብልዕኩምን መስቴኹምን ዘዳረገኩም ጐይታይ ንጉስ እፈርሆ አሎኹ። ንገጽኩምሲ ኻብ ናይቶም መሳቱኹም መንእሰያት ዐቢሩ እንተ ረኸቦ፣ ሽዑ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕጽዕዋ እፈርህ አሎኹ፣ በሎ። ሽዑ ዳንኤል ነቲ፣ እቲ ሓለቓ ስሉባት ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝሸሞ መጋቢ፣ ጥረ እንበልዖ ማይ ከኣ እንሰትዮ ሂብካዓሰርተ መዓልቲ እሞ ንባሮትካ ተዐዘበና። ደሓር ገጽናን ገጽ እቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑን ኣብ ቅድሜኻ ይርኤ፣ ሽዑ ንባሮትካ ኸምቲ ዝርኤኻዮ ግበረና፣ በሎ። ንሱ ድማ ነዚ ነገርዚ ሕራይ ኢሉ፣ ዓሰርተ መዓልቲ ተዐዘቦም። እተን ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ተወድኣ ኸኣ፣ ካብ ኵሎም እቶም መብልዕ ንጉስ ዝበልዑ መንእሰያት ዝበለጸ፣ በሪሁን ሀጢሮምን ተራእዩ። ሽዑ እቲ መጋቢ ነቲ ድርጎኦም ብልዕን ዚሰትይዎ ወይንን ኣትሪፉጥረ ሀቦም

Translation | Context