Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

1 bible verses about

pisgah


ዘዳግም 34:1-12 | 4 Helpful votes

ሙሴ ድማ ካብ ጐልጐል ሞኣብ ናብ ከረን ኔቦ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንጽር ያሪኮ ዘሎ ጲስጋ ደየበእግዚኣብሄር ከኣ ንብዘላ ሃገር ጊልኣድ ክሳዕ ዳን ኣርኣዮ። ብዘላ ንፍታሌምን ሃገር ኤፍሬምን ምናሴን፣ ብዘላ ምድሪ ይሁዳ ኸኣ ክሳዕ ባሕሪ ምዕራብ፣ እቲ ደቡብ ድማ፣ እቲ ጐልጐል ለሰ ያሪኮ፣ ከተማ ተምሪ፣ ክሳዕ ጾኣር ኣርኣዮ። እግዚኣብሄር ድማ፣ እታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብንንዘርእኻ ኽህባ እየ ኢለ ዝመሐልኩሎም ምድሪ፣ እዚኣ እያ፣ ብዓይንኻ ኣርኤኹኻ፣ ናብኣ ግና ኣይትሳገርንበሎ። ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፣ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኣብኣ ሞተኣብ ምድሪ ሞኣብ፣ ኣብ መንጽር ቤት-ጴኦር ኣብ ዘሎ ለሰ ቐበሮክሳዕ ሎም መዓልቲ ከኣ ንመቓብሩ ዚፈልጦ ሰብ የልቦንሙሴ ኺመውት ከሎ፣ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት ነበረ፣ ኣዒንቱ ኣይሐመቓን ሓይሉውን ኣይደኸመን ነበረ። ደቂ እስራኤል ድማ ንሙሴ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ። እተን ንሙሴ ዝበኸዩለን መዓልታት ሓዘኖም ብእኡ ተወድኣንእያሱ ወዲ ነዌ ድማ፣ ሙሴ ኢዱ ስለ ዘንበረሉመንፈስ ጥበብ መልኦ። ደቂ እስራኤል ከኣ፣ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገይሮም ተአዘዎ። በቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ፈርኦንኣብ ገላዉኡን ኣብ ብዘላ ምድሩን ተእምርትን ተኣምራትን ኪገብርእግዚኣብሄር ዝለኣኾ። በቲ ዅሉ ናይ ሓያል ኢድን በቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እስራኤል ዝገበሮ ዅሉ ዓብዪ መፍርህ ነገርን ከምቲ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ዝፈለጦ ኸም ሙሴ ዝበለ ነብዪ፣ ድሕሪኡ ኣብ እስራኤል ኣይተንስኤን

Translation | Context