Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

plans for the future


ኤርምያስ 29:11 | 20 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ያእቆብ 4:13-16 | 9 Helpful votes

እስኪ ሕጂኸ ንስኻትኩም፡ ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበርክንነግድን ክንረብሕን ኢና፡ እትብሉ፡ ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ጊዜ ተርእያስ፡ ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም። ጐይታ እንተ ፈቐዶ፡ ንሕናውን እንተ አሊና፡ እዚ ወይስ እቲ ክንገብር ኢና፡ ኣብ ክንዲ ምባልሲሕጂ ግና ብምጅሃርኩም ትምክሑ አሎኹም። ከምዚ ዝበለ ዅሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 16:3 | 7 Helpful votes

ተግባርካ ንእግዚኣብሄር ወፍዮ፡ ሽዑ ሓሳባትካ ኪቀውም እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 55:8-9 | 6 Helpful votes

ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩምሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:32 | 5 Helpful votes

ኣታ ሒደት መጓሰ፡ እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ

Translation | Context
ምሳሌ 19:21 | 5 Helpful votes

ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሃቐና አሎ፡ ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና እዩ ጸኒዑ ዚነብር።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:1-17 | 4 Helpful votes

ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብተጀሃርቲዕቡያትተጻረፍቲንወለዶም ዘይእዘዙዘየማስዉርኹሳትፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎምተቐየምቲሓመይቲቀለልቲጨካናትሰናይ ዘይፈትዉኣሕሊፎም ዚህቡህዉኻትተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘልዎምነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣንኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕከምቲ እያኔስን እያምብሬስን ንሙሴ እተቓወምዎእቶም ኣእምሮኦም ዝጠፍኤብእምነት ዘይተፈተኑ ሰባት ድማ ከምኡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ አለዉ። ግናኸ ከምቲ ናይ እቲኣቶም ዝዀነ ኸኣ፡ እቲ ዕሽነቶም ንዅሉ ኺግለጽ እዩ እሞ፡ ካብኡ ሐሊፎም ኣየስልጡን እዮም። ንስኻ ግና ንትምህርተይንንብረተይንፍቓደይንእምነተይንዓቕለይንፍቕረይንትዕግስተይ፡ ኣጸቢቕካ ሰዓብካኣብ ኣንጾክያን ኢቆንዩምን ልስጥራን ብዝበጽሓኒ ስደተይመከራይ፡ ከምዚ ዝበለ ስደት ጾርኩ፡ ጐይታ ግና ካብ ኵሉ ኣድሐነኒ። ግናኸ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም። እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም። ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካበቲ እተምሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲመንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲንተግሳጽንምቕናዕንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5 | 3 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመንኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:9 | 2 Helpful votes

ኣምላኽብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምድሓን ክንረክብ እምበር፡ ንቝጥዓስ ኣይመደበናን

Translation | Context
ፊልጲ 1:6 | 2 Helpful votes

እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ ኸኣ፡ ንሱ ኽሳዕ እታ መዓልቲ የሱስ ክርስቶስ ከም ዚፍጽሞእዚ ተረዲኤዮ አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:12 | 2 Helpful votes

ነቶም ኣመንቲ ብቓልበኻይዳብፍቕሪብእምነትብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ

Translation | Context