Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

planting seeds for the harvest


ገላትያ 6:9 | 10 Helpful votes

እንተ ዘይተጸልኣናስብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ

Translation | Context
መዝሙር 126:6 | 6 Helpful votes

ዘርኢ ተሰኪሙ ብብኽያት ይወፍርእንዳእቱ ተሰኪሙ ብእልልታ ይምለስ

Translation | Context
ያእቆብ 5:7 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ፡ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዐገሱእንሆሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብውን ይዕገስ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 3:6-9 | 5 Helpful votes

ኣነ ተኸልኩ ኣጵሎስ ኣስተየኣምላኽ ግና ኣብቈለ። እምብኣርሲ እቲ ዜብቊል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዓብሱ የብሎምን። እቲ ዚተክልን እቲ ዜስትን ሓደ እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ። ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ፡ ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:1-27 | 4 Helpful votes

ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግናኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪየጽርዮንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃልድሮ ንጹሃት ኢኹምኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩምጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩምከምኡ ኢኹም። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድኣባይ እንተ ጸናዕኩምቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩምብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹምኣቦይ በዚ ይኸብርደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም። ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ፡ ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም አሎኹ፡ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሓሎኹኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም። ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕሓጐስኩምውን ኪፍጸምሲእዚ ነገርኩኹምከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹምነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩትእዛዘይ እዚ እዩሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦንንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩምኣዕሩኸይ ኢኹምእቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹምባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ። ኣነ ሐሬኹኹም እምበርንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹምንሓድሕድኩም ክትፋቐሩእዚ እእዝዘኩም አሎኹ። ዓለም እንተ ጸልኣትኩምንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምንስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ። ነቲባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎንኣይ ሰጕጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮምቃለይ ሓልዮም እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ቃልኩምውን ኪሕልዉ እዮምግናኸ ነቲ ዝለአኸኒ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም። ኣነ መጺኤ እንተ ዘይነግሮምሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፡ ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምክንያት የብሎምን። እቲ ንኣይ ዚጸልኣኒ ነቦይውን ይጸልኦ እዩ። ካልእ ዘይገብሮ ግብሪ እንተ ዘይገብረሎምሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና ርእዮምሲ ንኣይን ነቦይን ጸልኡና። እዚ ግና እቲ ኣብ ሕጎምብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒጽሑፍ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ዝዀነእቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግናንሱ ኺምስክረለይ እዩ። ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርያ ምሳይ ኔርኩም ኢኹም እሞትምስክሩለይ ኢኹም።

Translation | Context
ኤርምያስ 17:8 | 3 Helpful votes

ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ እተተኽለትሱራ ኣብ ርባ ኣቢሉ ዜሳፍሕ ኦም እዩ፡ ዋዒ እንተ መጸኣይትፈርህንቈጽላ ኸኣ ለሚዑ ይነብር። ብዓመት ደርቂ ኣይተንክርን፡ ካብ ምፍራይውን ኣይትቋርጽን

Translation | Context
ማቴዎስ 13:30 | 3 Helpful votes

ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም። ብጊዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶቅድም ነቲ ኽርዳድእረይዎኪነድድ ድማ በብንዳእቲ እሰርዎ፡ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣክብዎክብሎም እየ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:7-11 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ፡ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዐገሱእንሆሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብውን ይዕገስ እዩ። ንስኻትኩም ከኣ፡ ምጽኣት ጐይታ ቐረባ እዩ እሞ፡ ተዐገሱልብኹምውን ኣጽንዑኣሕዋተየከይትፍረዱ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኤህ ኣይትበሉ። እንሆ፡ እቲ ፈራዲ ኣብ ኣፍ ቤት ደው ኢሉ አሎ። ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ነቶም ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቡ ነብያትኣርኣያ ሓሳረ መከራን ትዕግስትን ግበርዎም። እንሆ፡ ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ አሎኹም።

Translation | Context
እብራውያን 13:1-25 | 2 Helpful votes

ፍቕሪ ሕውነት ትጽናዕገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም አለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩምውን ኣብቲ ስጋ ኸም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎምነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን። ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡስለዚ ተቢዕናእግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል። ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕቲኹም ዘክርዎምመወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዓቡየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ። ልብኹም፡ በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቐሞም ብልዒ ዘይኰነስብጸጋ እንተ ጸንዔጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ኣይትስሐቱ። እቲ ብሊቀ ኻህናት ስለ ሓጢኣት ኣብ መቕደስ ዚኣቱ ዝነበረ ደም እንስሳታት፡ እቲ ስጋታተን ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይሐርር ነበረ እሞ፡ ንሕናስ እቶም ነቲ ድንኳን ዜገልግሉ ካብኡ ኺበልዑ መሰል ዜብሎም መሰውኢ አሎና። ስለዚ የሱስ ከኣ፡ ብደም ንህዝቢ ምእንቲ ኪቕድስ ኢሉ፡ ኣብ ወጻኢ ኣፍ ከተማ መከራ ጸገበ። ነታ እትመጽእ ንደሊ አሎና እምበር፡ ኣብዚ እትነብር ከተማ የብልናን እሞ፡ ሕጂ ጸርፉ ተሰከምና ናብ ወጻኢ ሰፈር ናብኡ ንውጻእ። እምብኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋናማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር፡ ነቕርብ። ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምንንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ። ብዅሉ ደግነት ክንነብር እናደሌናሰናይ ሕሊና ኸም ዘሎና፡ ተረዲእናዮ አሎና እሞ፡ ጸልዩልና። ኣነ ቐልጢፈ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽውሃበኩም፡ እዚ ኽትገብሩ ኣብዚሔ እምዕደኩም አሎኹ። ኣምላኽ ሰላም ግና ነቲ ብናይ ዘለኣለም ደም ኪዳን ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምዉታት ዘተንስኦብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሉ ኣባኻትኩም እናገበረ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍቓድ ኽትገብሩ የብቅዕኩም። ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን። ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እዚ ቓል ምኽሪ እዚ ኣሕጺረ ጽሒፈልኩም እየ እሞ፡ ክትቅበልዎ እልምነኩም አሎኹ። ጢሞቴዎስ ሓዉና ኸም እተፈትሔፍለጡ፡ ንሱ ቐልጢፉ እንተ መጸ፡ ምስኡ ኽርእየኩም እየ። ንዅላቶም መራሕትኹምን ንዅላቶም ቅዱሳንን ሰላም በልዎም። እቶም ካብ ኢጣልያ ዝዀኑ ሰላም ይብሉኹም አለዉ። ጸጋ ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን

Translation | Context
ያእቆብ 2:24 | 2 Helpful votes

ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነትርእዩ አሎኹም።

Translation | Context