Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
Translation | Contextእቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ።
Translation | Contextብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ። እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ። ምድሓን ካብቲ ዝአመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ አሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። ለይቲ ሐሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።
Translation | Contextንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ፡ ንመራሕቶም ኪእዘዙ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ፡ ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም።
Translation | Contextሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን።
Translation | Contextከምዚ ሰናይ እናገበርኩም፡ ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስ፡ ወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ፡ ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ። ከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኩኑ። ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፡ ሕውነት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።
Translation | Contextእንሆ፡ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ጸላእን ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም አሎኹ፡ ዚጐድኣኩም ከኣ የልቦን።
Translation | Contextረሲኣን ዚሰጎም ዜብሎም ይሀድሙ፡ ጻድቃን ግና ከም ሽደን ኣንበሳ ይተብዑ። ብሰሪ ኣበሳ ሃገርሲ ሓለቓታታ ይበዝሑ፡ ብሳላ ኣስተውዓልን ጥበበኛን ሰብ ግና ህልዋታ ይነውሕ። ንመስኪን ዜንጨንቕ ድኻስ፡ ከምቲ ደምሲሱ እንጌራ ዚኸልእ ዝናም እዩ። መፍረስቲ ሕጊ ንረሲኣን ይንእስዎም፡ ሓለውቲ ሕጊ ግና ይዋግእዎም። እኩያት ሰባትሲ ቅንዕና ኣየስተውዕሉን፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ኵሊ የስተውዕሉ። ካብቲ ብጠዋይ መገዲ ዚኸይድ ሃብታምሲ፡ ብንጽህና ዚመላለስ ድኻ ይሐይሽ። ንሕጊ ዚሕልዎስ ኣስተውዓሊ ውሉድ እዩ፡ ምስ ሓሻሻት ዚመሐዞ ግና ነቦኡ የሕፍሮ። እቲ ብዘይ ግባእ ረብሓን ሐረጣን ገንዘቡ ዜብዝሕ፡ ነቲ ንመሳኺን ዚርሕርሓሎም ይእክበሉ። እቲ ሕጊ ከይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚመልስ፡ ጸሎቱ እኳ ፍንፉን እዩ። እቲ ንቕኑዓት ኣጋግዩ ናብ እኩይ መገዲ ዜእትዎም፡ ባዕሉ ኣብ ጕድጓድ ይወድቕ፡ እቶም ፍጹማት ግና ሰናይ ኪወርሱ እዮም። ሃብታም ሰብ ጥበበኛ ዝዀነ ይመስሎ፡ ግናኸ ኣእምሮ ዘለዎ ድኻ ይዕዘቦ። ጻድቃን እንተ ተዐወቱ፡ ዓብዪ ኽብሪ ይኸውን፡ ረሲኣን ልዕል እንተ በሉ ግና፡ ሰብ ይሕባእ። ገበኑ ዚኽውሎ ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ። ኵሉ ግዜ ዚፈርህ ሰብ ብጹእ እዩ፡ ልቡ ዜትርር ግና ኣብ መከራ ይወድቕ። ኣብ ድኻ ህዝቢ ዚገዝእ ረሲእ ከም ዚጓዝም ኣንበሳን ከም ጥሙይ ድብን እዩ። ኣእምሮ ዜብሉ መስፍን ብዙሕ ይገፍዕ፡ ንፍገት ዚጸልእ ግና መዓልትታቱ የንውሕ። ደም ነፍሲ ዝኸበዶ ሰብ ክሳዕ መቓብር ይሀድም፡ ሓደ እኳ ኣይዕገቶ። ብዘይ መንቅብ ዚመላለስ ይድሕን፡ ብጠዋይ መገዲ ዚኸይድ ግና ብኡብኡ ይወድቕ። ግራቱ ዚከናኸን እንጌራ ይጸግብ፡ ደድሕሪ ምናምን ዚስዕብ ግና ሽጋር ይጸግብ። እሙን ሰብ ኣዝዩ ይባረኽ፡ እቲ ኽህብትም ኢሉ ዚህወኽ ግና ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን። ኣድልዎ ሰናይ ኣይኰነን፡ ሰብ ምእንቲ ቝራስ ኣንጌራ ይብድል። ክፉእ ዝዓይኑ ሰብ ኪህብትም ይቕልጥፍ፡ ሽጋር ከም ዚወርዶ ኸኣ ኣይፈልጥን። ካብቲ ብልዙብ ልሳን ዜቀባጥርሲ፡ እቲ ንሰብ ዚግስጾ ደሓር ዝበለጸ ሞገስ ይረክብ። እቲ ኻብ ኣቦኡን ኣዲኡን ዚሰርቕ እሞ፡ ሓጢኣት ኣይኰነን፡ ዚብል፡ ንሱ መሓዛ መጣፍኢ እዩ። ረብሓ ዚሀርፍ ሰብ ባእሲ የልዕል። ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ይጸግብ። ብልቡ ዚእመን ዓሻ እዩ፡ ብጥበብ ዚመላለስ ግና የምልጥ። ንድኻ ዚህብ ገለ ኣይጐድሎን፡ ነቲ ኣዒንቱ ዚዕምቶ ግና ብዙሕ መርገም ይወርዶ። ረሲኣን ልዕል እንተ በሉ፡ ሰብ ይሕባእ፡ እንተ ጠፍኡ ግና፡ ጻድቃን ይዕምሩ።
Translation | Contextንመን ክልእኽ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧ ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ሰማዕኩ። ኣነውን፡ እኔኹ ልኣኸኒ፡ በልኩ።
Translation | Contextንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎም፡ ንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ አውጽኡሎም። ንድኻን መስኪንን ኣናግፍዎም፣ ካብ አእዳው ረሲኣን ኣድሕንዎም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር እምባይ፣ ነእዳወይ ውግእ፣ ነጻብዔይ ድማ ሰልፊ ዝመሀረ፣ ይባረኽ።
Translation | Context