Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

25 bible verses about

polygamy


ዘጸአት 21:10 | 8 Helpful votes

ካልእ ሰበይቲ እንተ ኣምጽኣሉ ድማ፡ ቀለባን ክዳናን ከም ሰብይቱ ዚግባእን ኣየጕድለላ

Translation | Context
ማቴዎስ 25:1-46 | 7 Helpful votes

ሽዑ መንግስተ ሰማያትቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል። ካባታተን ከኣ እተን ሓሙሽተ ዓያሱ፡ እተን ሓሙሽተ ግና ለባማት እየን። እተን ዓያሱቀቀንዴለን ወሲደንዘይቲ ኣይተማልኣን። እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዴለን ዘይቲ ኣብ ጢናኤን ተማልኣመርዓዊ ምስ ደንጐየ ግና፡ ኵለን ትኽስ በላ ደቀሳውንፍርቒ ለይቲ ግና ጭራሕ ምራሕ ኰነእንሆመርዓዊ ኽትቅበላ ውጻ። ሽዑ እተን ደናግል ኵለን ተንሲኤንቀቀንዴለን ኣዳለዋ። እተን ዓያሱ ነተን ለባማትቀንዲልና ኺጠፍእ ኢሉ እሞ፡ ካብ ዘይትኽን ሀባናበላኤን። እተን ለባማት ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ንኣናን ንኣኻትክንን እንተ ዘይኣኸለኸ። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኺዳ እሞ ንርእስኽን ዐድጋኢለን መለሳለንኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ። እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋማዕጾ ድማ ተዐጸወደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መጺኤንጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና ዀታ፡ በላ። ንሱ ግና መሊሱብሓቂ እብለክን አሎኹ፡ ኣይፈልጠክንን እየ፡ በለን። እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑመገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላዉኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ። ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞምንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂቡዎም ገሸ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኣ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ መክሊት ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ። እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ። እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዅዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጸባጸበ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒእንሆካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩእናበለ ቐረበ። እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶበሎ። እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡጐይታኡክልተ መክሊት ሀብካኒእንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩበለጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይእሙን ባርያብሒደት ተአሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ። እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡጐይታይዘይዘራእካዮ እትዐጽድዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡ ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎእንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያዘይዘራእክዎ ኸም ዝዐጽድዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ አሎኻ። እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ክትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ህብዎንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይውሀቦ ይወሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። ነዚ ዘይተቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻትንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒጸሚኤኣስቴኹምኒገይሸተቐበልኩምኒዐሪቀከደንኩምኒሐሚመበጻሕኩምኒተኣሲረመጻእኩምኒ። ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ ኣሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ትአሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣየብላዕኩምንንጸሚኤኣየስቴኹምንንገይሸኣይተቐበልኩምንንዐሪቐኣይከደንኩምንንሐሚመተኣሲረኣይበጻሕኩምንን። ሽዑ ንሳቶምጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዐሪቕካ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካዘየገልገልናካኢሎም ይመልስሉ። ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።

Translation | Context
ዘዳግም 21:15-17 | 6 Helpful votes

ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ እንተ ኣለዋኦ፡ እታ ሓንቲ ፍትውቲ እታ ሓንቲ ኸኣ ጽልእቲ፡ እታ ፍትውትን እታ ጽልእትን ደቂ እንተ ወለዳሉእቲ በዅሪ ኸኣ ወዲ እታ ጽልእቲ እንተ ዀነ፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ በታ ገንዘቡ ንደቁ ዜውርሰላ መዓልቲ፡ ወዲ እታ ጽልእቲ፡ ንሱ በዅሪ ኸሎ፡ ካብኡ ኣምሪሑ ንወዲ እታ ፍትውቲ በዅሪ ኺገብር ኣይኽእልን። ንወዲ እታ ጽልእቲ ካብ ዂሉ ዘለዎ ዕጽፊ ብምሃቡ በዅሪ ምዃኑ የፍልጦ፡ ንሱ መጀመርታ ሓይሉ እዩ እሞ፡ ብዅርነት ንእኡ ይግብኦ

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 24:1-3 | 6 Helpful votes

ዮኣስ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሾብዓተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኣርብዓ ዓመት ገዝኤስም ኣዲኡ ድማ ጺብያ፡ ንሳ ኻብ ብኤር-ሸባዕ እያ። ዮኣስ ከኣ ብዂሉ ዘመን እቲ ኻህን ዮያዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዘበለ ገበረዮያዳ ድማ ክልተ ኣንስቲ ኣምጽኣሉ እሞ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ወለደ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 4:1 | 6 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ሾብዓተ ኣንስቲእንጌራና ንበልዕክዳንናውን ንኽደን፡ ሓንትስ ብስምካ ኽንጽዋዕ ሕደገና፡ ጸርፍና ኸኣ ኣርሕቕእናበላ ንሓደ ሰብኣይ ኪሕዛኦ እየን።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 12:8 | 5 Helpful votes

ቤት ጐይታኻ ድማ ሀብኩኻኣነስቲ ጐይታኻውን ኣብ ሕቚፍኻ ኣንበርኩልካ፡ ቤት እስራኤልን ይሁዳን ድማ ሀብኩኻ። እዚ እንተ ውሒዱ ኸኣ፡ ከምኡ ኻልእ ምወሰኽኩልካ ነይረ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 13:21 | 3 Helpful votes

ኣቢያ ግና እናበርትዔ ኸደ። ዓሰርተው ኣርባዕተ ኣንስቲ ኣእትዩ ድማዕስራን ክልተን ኣወዳትን ዓሰርተው ሹድሽተ ኣዋልድን ወለደ

Translation | Context
መሳፍንቲ 8:30 | 3 Helpful votes

ጊዴዎን ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ነበራኦ እሞ፡ ካብ ሕቜኡ ዝወጹ ሰብዓ ኣወዳት ነበርዎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 4:19 | 3 Helpful votes

ላሜክ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወስም እታ ሓንቲ ዓዳስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ጺላ ነበረ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 3:1-9 | 3 Helpful votes

እቶም ኣብ ሔብሮን እተወልዱሉ ደቂ ዳዊት እዚኣቶም እዮም፡ እቲ ኻብ ኣሒኖዓም ይዝርኤላዊት እተወልደ በዂሩ ኣምኖንካልኣይ ዳኒኤል ካብ ኣቢጋይል ቀርሜሎሳዊትሳልሳይ ኣቤሴሎም ወዲ ማዓካጓል ታልማይ ንጉስ ገሹርራብዓይ ኣዶንያስ ወዲ ሓጊትሓምሳይ ሸፋጥያ ኻብ ኣቢጣልሳድሳይ ዪትረዓም ካብ ዔግላ ሰበይቱሹድሽቲኦም ኣብ ሔብሮን ተወልዱሉ። ኣብኣ ኸኣ ሾብዓተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ነገሰ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ። ኣብ የሩሳሌም ከኣ እዚኣቶም ተወልዱሉሺምዓን ሾባብን ናታንን ሰሎሞንንኣርባዕቲኦም ካብ ባት-ሸዓጓል ዓሚኤል። ድማ ዮብሓርን ኤሊሻማዕን ኤሊፈለጥንኖጋዕን ነፈግን ያፊዓንኤሊሻማዕን ኤልያዳዕን ኤሊፈለጥንትሽዓተ። እዚኣቶም ኲሎም፡ ብዘይ እቶም ደቂ ኣንስቲ ወሰንደቂ ዳዊት እዮም። ታማር ከኣ ሓብቶም እያ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 11:21 | 3 Helpful votes

ሮብዓም ከኣ ዓሰርተው ሾሞንተ ኣንስትን ስሳ ኣንስቲ ወሰንን ኣእትዩ ነበረ፡ ዕስራን ሾሞንተን ኣወዳትን ስሳ ኣዋልድን ድማ ወሊዱ ነበረ፡ ንማዓካ ጓል ኣበሴሎም ግና ሓለፋ ዂለን ኣንስቱን ናይ ወሰን ኣንስቱን ይፈትዋ ነበረ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 24:3 | 3 Helpful votes

ዮያዳ ድማ ክልተ ኣንስቲ ኣምጽኣሉ እሞ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ወለደ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 30:9 | 3 Helpful votes

ልያ ኸኣ ካብ ምላድ ከም ዘቛረጸት ምስ ረአየትዚልጳ ግዝእታ ወሲዳንያእቆብ ሰበይቱ ኽትከውን ሀበቶ

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 4:5 | 3 Helpful votes

ኣሽሑር ኣቦ ተቆዓ ድማ ክልተ ኣንስቲ ሔልኣን ናዓራን ዚብሀላ ነበራኦ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 30:4 | 3 Helpful votes

ንቢልሃ ግዝእታ ኸኣ ሰበይቱ ኽትከውን ሀበቶያእቆብ ድማ ኣእተዋ

Translation | Context
ህዝቅኤል 23:1-4 | 3 Helpful votes

ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብክልተ ኣንስቲሓንቲ ዘዲኤን ኣዋልድ፣ ነበራ። እዚኣተን ኣብ ግብጺ ኣመንዘራ። ገና በዋልደን ከለዋ ኣመንዘራ፡ ኣጥባተን ተጸቕጠ፡ እቲ ድንግል ሕጽነን ኣብኡ ተደርቀቐ። ኣስማተን ከኣ፣ እታ ዓባይ ኦሆላ፣ እታ ሓብታ ድማ ኦሆሊባ ይበሀላ ነበራ። ናተይ ኰና፣ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለዳስማተን ከኣ ኦሆላ ሰማርያ እያ፣ ኦሆሊባ ድማ የሩሳሌም እያ።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 5:13 | 3 Helpful votes

ዳዊት ድማ ድሕርቲ ኻብ ኬብሮን ምምጻኡ መሊሱ ኣንስቲ ወሰንን ኣንስትን ካብ የሩሳሌም ወሰደንዳዊት ከኣ ካልኦት ኣወዳትን ኣዋልድን ተወልዱሉ

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:1-2 | 3 Helpful votes

ኣብ ራማታይም-ጾፊም፡ ካብ ከረን ኤፍሬምኤልቃና ዝስሙ ኤፍራታዊ ሰብኣይወዲ የሩሓምወዲ ኤሊሁ፡ ወዲ ቶሑ፡ ወዲ ጹፍ፡ ነበረ። ንሱ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ፡ ስም እታ ሓንቲ ሃናስም እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጵኒና ነበረ። ጵኒና ድማ ውሉድ ነበርዋ፡ ሃና ግና ውሉድ ኣይነበርዋን።

Translation | Context
ዘሁልቍ 12:1 | 3 Helpful votes

ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረ እሞ፡ ሚርያምን ኣሮንን ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:1-5 | 2 Helpful votes

ብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግባኣ ይግበረላከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ሰበይቲሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ። ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ

Translation | Context
1ይ ነገስት 11:1-4 | 2 Helpful votes

ንጉስ ሰሎሞን ብዘይ ጓል ፈርኦን ድማ ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲሞኣባውያንዓሞናውያንኤዶማውያንሲዶናውያንሔታውያን ፈተወ፡ ካብቶም እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ብዛዕባኦም፡ ንሳቶም ንልብኹም ብርግጽ ናብ ኣማልኽቶም ኬዘንብልዎ እዮም እሞ፡ ናባታቶም ኣይትኺዱ፡ ንሳቶም ከኣ ናባኻትኩም ኣይምጽኡዝበሎም ህዝብታት፡ ሰሎሞን ብፍቕሪ ምሳታተን ጠበቐሾብዓተ ሚእቲ ንግስታት ኣንስትን ሰለስተ ሚእቲ ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ። እተን ኣንስቱ ኸኣ ልቡ ኣዘንበላኦ። ኰነ ድማ፡ ብጊዜ እርግና ሰሎሞን እተን ኣንስቱ ንልቡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣዘንበላኦ። ስለዚ ልቡ፡ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊትፍጹም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይኰነን።

Translation | Context
ዘዳግም 25:5-10 | 2 Helpful votes

ኣሕዋት ብሓንሳእ እንተ ተቐመጡ እሞ፡ ሓዲኦም ውሉድ ዜብሉ እንተ ሞተሰበይቲ እቲ ዝሞተ ናብ ወጻኢ ጓና ኣይትተአቶ። እቲ ሓሙታ ናብኣ አትዩ ንርእሱ ይውረሳ እሞ ናይ ሓሙት ግቡእ ይፈጽመላ። ይኸውን ድማ፡ ስም እቲ ምዉት ሓዉ ካብ እስራኤል ምእንቲ ኸይድምሰስእቲ ዝወለደቶ በዅሪ ብስሙ ይጸዋዕእቲ ሰብኣይ ንሰበይቲ ሓዉ ኺወርሳ እንተ ዘይፈተወእታ ሰበይቲ ሓዉ ናብ ደገናብቶም ዓበይቲ ትደይብ፡ እዚ ሓሙተይ ስም ሓዉ ኣብ እስራኤል ከየቕውም ኣብዩ፡ እቲ ኸም ሓሙት ዚግብኦ ኺፍጽመለይ ኣይደለየን፡ ድማ ትበሎም። ሽዑ እቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ናባታቶም ጸዎዖም ይዛረብዎ። ንሱ ከኣ፡ ክወርሳ ኣይፈቱን እዩ፡ ኢሉ እንተ ጸንዔ። እታ ሰበይቲ ሓዉ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ ናብኡ ቐሪባሳእኑ ካብ እግሩ ተውጽእ፡ ናብ ገጹውን ጡፍ ትበለሉቤት ሓዉ ንዘይሰሕ ሰብ ከምዚ ይግበሮ፡ ኢላ ድማ ትምለስስሙ ኸኣ ኣብ እስራኤልቤት ፍቱሕ ሳእኑይበሀል

Translation | Context
መሃልየ መሃልይ 6:8 | 2 Helpful votes

ንግስታት ስሳዕቁባት ሰማንያ፡ ኣዋልድ ከኣ ቊጽሪ ዜብለን እየን።

Translation | Context
ዘዳግም 17:14-20 | 2 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ኣቲኻ ምስ ወረስካያን ምስ ተቐመጥካያን፡ ከምቶም ኣብ ዙርያይ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት፡ ንጉስ ኣብ ልዕለይ ከንግስ እየ፡ እንተ በልካ፡ ሽዑ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሐርዮ ኣብ ልዕሌኻ ኣንግሶሓደ ኻብ ማእከል ኣሕዋትካ ንጉስ ኣብ ልዕሌካ ኣንግስ። ሓውካ ዘይኰነ ጓና ሰብ ኣብ ልዕሌካ ኣይተንግስ። ሓንትስ፡ ኣፍራስ ደኣ ኣየብዝሕ፡ ኣፍራስ ምእንቲ ኼብዝሕ ኢሉ ኸኣ፡ ነቲ ህዝቢ ናብ ግብጺ ኣይምለሶእግዚኣብሄር፡ ድሕሪ ደጊም ነዛ መገዲ እዚኣ ኣይትመለስዋ፡ ኢሉኩም እዩ። ልቡ ኸይሰድዕ ድማ ኣንስቲ ኣየብዝሕወርቅን ብሩርን ከኣ እምብዛ ኣየብዝሕ። ይኸውን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ዝፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ። ካብቲ ኣብ ቅድሚ ሌዋውያን ካህናት ዘሎ ሕጊ ንእኡ ዚኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ ይጽሐፍፍርሃት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኺመሀርልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ምእንቲ ኸይልዐልካብቲ ትእዛዝ ከኣ ንየማን ኰነ ንጸጋም ከይዘብል፡ ንሱን ደቁን ኣብ ማእከል እስራኤል መዓልትታት መንግስቱ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ቓላትን እዚ ትእዛዛት እዝን ተጠንቂቑ ኺገብሮስ፡ ምስኡ ይኹን፡ ኵሉ መዓልቲ ህይወቱ ኸኣ የንብቦ።

Translation | Context
ቲቶስ 1:5-8 | 2 Helpful votes

ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይምበዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ፡ እቲ ኤጶስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባምቅኑዕቅዱስ፡ ይአኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኵሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግባእ።

Translation | Context