Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

positive attitude


ፊልጲ 2:1-30 | 10 Helpful votes

እምብኣርሲ ገለ ምጽንናዕ ብክርስቶስወይስ ገለ ደበሳ ናይ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ ሕብረት መንፈስ፡ ወይስ ገለ ምሕረትን ድንጋጽን እንተሎ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩምብሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ። ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት። እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮንመልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ እምበር፡ ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነከምቲ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩምብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩምከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ። ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን እንተ ተሰዋእኩ፡ ባህ ይብለኒ፡ ምስ ኵላትኩምውን እሕጐስ አሎኹ። ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ባህ በሉ ምሳይውን ተሐጐሱ። ብናይ ህልዋትኩም ከምታ ነፍሰይ ሐሲቡ ብንጹህ ልቢ ዚሐሊ ሓደ እኳ የብለይን እሞ፡ ኣነ ብዛዕባኻትኩም ፈሊጠ ምእንቲ ባህ ኪብለኒቀልጢፈ ንጢሞቴዎስ ክልእከልኩምብጐይታና የሱስ ተስፋ እገብር አሎኹ። ኵላቶም ነናይ ርእሶም እዮም ዚደልዩነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን። ግናኸ ውሉድ ነቦኡ ኸም ዜገልግል፡ ንሱውን ምሳይ ንወንጌል ብምግልጋሉ ፍቱን ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም። እምብኣርሲ ኣባይ ከመይ ከም ዚኸውን ምስ ርኤኹቀልጢፈ ንእኡ ኸሰደልኩም ተስፋ እገብር አሎኹ። ኣነ ባዕለይውን ቀልጢፈ ኸም ዝመጽእብጐይታ እእመን አሎኹ። ንኤጳፍሮዲጦስሓወይን መዓይይተይን መተዓቕይተይን ልኡኽኩምኣነ ብዝደልዮ ኣገልጋልን ግና፡ ንዅላትኩም ስለ ዝናፈቐን ምሕማሙ ብምስማዕኩም ስለ ዝጐሃየን፡ ናባኻትኩም ክሰዶ ብግዲ ዀነኒ። ሐሚሙስ ብሓቂ ንሞት ቀሪቡ ነይሩ፡ ግናኸ፡ ኣምላኽ ምሒርዎ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒንኣይ ድማ እዩ እምበር፡ ንእኡ ጥራይ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ምስ ርኤኹምዎ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፡ ኣነውን፡ እቲ ሓዘነይ ምእንቲ ኪቐልልቀልጢፈ ሰደድክዎ። ደጊም ንሱ እቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለኒ ምእንቲ ኺምልእነብሱ ቐቢጹ ምእንቲ ዕዮ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ኣኽብርዎም

Translation | Context
ማቴዎስ 6:33 | 5 Helpful votes

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩእዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም

Translation | Context
ሮሜ 5:1-21 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና። ብእኡ ኸኣ ናብዚ ዘሎናዮ ጸጋ ብእምነት ምእታው ዝረኸብና፡ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽውን ንምካሕ አሎና። ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነንትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ። ገና ድኹማት ከሎናክርስቶስ ብጊዜኡ ምእንቲ ዓመጽቲ ሞተ። ኣብ ክንዲ ሓደ ጻድቕ ዚመውት እኳ ዚርከብ ኣይመስልን፡ እንድዒ ኣብ ክንዲ እቲ ጽቡቕ ዝገበረሉ ኺመውት ዚደፍርሲ ምናልባሽ ኣይምተሳእነን ይኸውን፡ ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎናክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ። እምብኣርሲ ሕጂ ብደሙ ምስ ጸደቕና ደኣ፡ ክንደይ ካብቲ ቚጥዓ ብእኡ ኣዚና ዘይንድሕንጸላእቱ ኸሎናምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕና፡ ካብ ተዓረቕና ደኣ፡ ክንደይ ብህይወቱ ኣዚና ዘይንድሕንግናኸ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ ሕጂ ዕርቂ ዝረኸብናብኣምላኽውን ንምካሕ አሎና እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነንስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወብሓጢኣትውን ሞትኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ሐለፈሕጊ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዜብሉ ግና ኣብኡ ሓጢኣት ኣይቊጸርን እዩ። ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩውን ሰልጠነኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ዚመጽእ እዩ። ግናኸ እቲ ውህበት ጸጋ ኽንድቲ ኣበሳ ኣይኰነንብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም እዮም እሞ፡ እቲ ጸጋ ኣምላኽን ውህበቱን ብጸጋ እቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ፡ ናብቶም ብዙሓት እምብዛ ይዓዝዝ እዩ። እቲ ውህበት ከኣ ብመጠን እቲ ሓጢኣት ዝገበረ ሐደ ሰብኣይ ኣይኰነንፍርዲ ኻብ ሓደ ንዂነኔ መጸ፡ እቲ ውህበት ጸጋ ግና ካብ ብዙሕ ኣበሳ ንምጽዳቕ መጸ። ሞት ብኣበሳ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ኻብ ገዝኤ፡ እቶም ትርፊ ጸጋን ውህበት ጽድቅን እተቐበሉ ኸኣ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ ኪገዝኡ እዮም። እምብኣርሲ እቶም ብዙሓት በቲ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ ሓጥኣን ከም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ እቶም ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ ናብ ኲሉ ሰብ ኲነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኲሉ ሰብ መጸ። ኣበሳ ምእንቲ ኺዐዝዝሲሕጊ ኣተወኣብቲ ሓጢኣት ዝዓዘዞ ግና፡ ኣብኡ እቲ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝገዝኤ፡ ጸጋውን ከምኡ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪገዝእ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 45:7 | 4 Helpful votes

ጽድቂ ትፈቱረሲእነት ትጸልእ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:13 | 4 Helpful votes

ስለ እቲ ሰናይ እንተ ጸዐትኩምከ፡ መን እዩ እከይ ዚገበረኩም

Translation | Context
እብራውያን 13:5 | 4 Helpful votes

ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:8 | 3 Helpful votes

ሳዕሪ ይነቅጽዕምባባ ይቕምስልቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር

Translation | Context
ፊልጲ 4:8 | 2 Helpful votes

ብዝተረፈስኣሕዋተየሓቂ ዘበለርዝነት ዘለዎ ዘበለቅኑዕ ዘበለንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ

Translation | Context
ሮሜ 6:14 | 2 Helpful votes

ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8-9 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:4-5 | 2 Helpful votes

ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩምጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩምከምኡ ኢኹም። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ

Translation | Context
ኤፌሶን 4:2-5 | 2 Helpful votes

ብትሕና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡ ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎተጋደሉከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ ሓደ ጐይታሓንቲ እምነትሓንቲ ጥምቀት

Translation | Context