Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

praise


መዝሙር 150:1-6 | 5 Helpful votes

ሃሌሉያንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ፣ ኣብ ጠፈር ስልጣኑ አመስግንዎ፣ ስለቲ ግብርታት ሓይሉ አመስግንዎ። ከም ብዝሒ ዕቤቱ አመስግንዎ። ብድምጺ መለኸት አመስግንዎብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ። ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖሃሌሉያ

Translation | Context
እብራውያን 13:15 | 5 Helpful votes

እምብኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋናማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር፡ ነቕርብ።

Translation | Context
መዝሙር 100:1-5 | 3 Helpful votes

ኵልኺ ምድሪንእግዚኣብሄር እልል በልሉ። ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝእዎ፣ ኣብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹእግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፣ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና። አብ ደጌታቱ ብምስጋና፣ ኣብ አጸዱውን ብውዳሴ እተዉአመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹእግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ፣ ጸጋኡ ንዘለአለምእምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር

Translation | Context
መዝሙር 99:3 | 3 Helpful votes

ቅዱስ እዩ እሞ፣ ነቲ ዓብይን ዜፍርህን ስምካ የመስግንዎ

Translation | Context
መዝሙር 109:30 | 2 Helpful votes

ካብቶም ንነፍሱ ዚዀንንዋ ኼድሕኖስ፣ ኣብ የማን እቲ ድኻ ቈይሙ አሎ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ብኣፈይ ኣዝየ ኸመስግኖ፣ ኣብ ማእከል ብዙሓትውን ክውድሶ እየ።

Translation | Context
መዝሙር 147:1-20 | 2 Helpful votes

ሃሌሉያንኣምላኽና ብመዝሙር ምውዳስ ሰናይ እዩ፣ ጥዑም እዩ እሞ፣ ምስጋና ይግባእእግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ይሀንጽንስዱዳት እስራኤል ይእክብ አሎ። ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስነቚሳሎም ይዘንንቊጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር፣ ንዅላቶም በብስሞም ይሰምዮምጐይታና ዓብዪ እዩ፣ ሓይሉ ብርቱዕ እዩ፣ ምስትውዓሉ ወሰን የብሉንእግዚኣብሄር ንትሑታት ይድግፎምንረሲኣን ግና ኣብ ምድሪ የውድቖምንእግዚኣብሄር ብምምሳው ዘምሩሉንኣምላኽና ውዳሴ ብመሰንቆ ዘምሩሉ። ነቲ ንሰማያት ብደበና ዜጐልብብንምድሪ ዝናም ዜዳሉ፣ ናብ ኣኽራን ሳዕሪ ዜብቊል፣ ነቲ ንእንስሳን ንዚምህለሉ ጨጫዊት ኳዃትን ዚምግብ ዘምሩሉ፣ ንሓይሊ ፈረስ ኣይብህጎን፣ በእጋር ሰብ ኣይሕጐስንእግዚኣብሄር በቶም ዚፈርህዎንጸጋኡውን ዚጽበዩ ይሕጐስመሃርሃር መዓጹኺ ኣጽኒዑንደቅኺ ኣብ ማእከልኪ ባሪኽዎም እዩ እሞ፣ ዎ የሩሳሌምንእግዚኣብሄር አመስግኒ፣ ዎ ጽዮንንኣምላኽኪ ወድሲ። ኣብ ወሰናትኪ ሰላም ይገብርብስብሒ ስርናይ የጽግበኪትእዛዙ ናብ ምድሪ ይሰድድቃሉ ቐልጢፉ ይጐዪንበረድ ከም ጸምሪ ይህብንኣስሓይታ ኸም ሓመዅስቲ ይብትኖንበረዱ ኸም ርፍራፍ ይድርብዮ፣ ኣብ ቅድሚ ቚሩኸ መን ይቐውምቃሉ ይሰድድ እሞ የምክኾንፋሱ የንፍስ እሞ ማያት ይውሕዙቃሉ ንያእቆብስርዓታቱን ፍርድታቱን ንእስራኤል ነገረ። ንኻልኦት ኣህዛብ ከምዚ ከቶ ኣይገበረሎምንፍርድታቱ ኸኣ ኣይፈለጡንሃሌሉያ

Translation | Context
መዝሙር 106:1 | 2 Helpful votes

ሃሌሉያእግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ምሕረቱውን ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ አመስግንዎ

Translation | Context
መዝሙር 148:1-14 | 2 Helpful votes

ሃሌሉያንእግዚኣብሄር ካብ ሰማያት አመስግንዎ፣ ኣብ ኣርያም ኣመስግንዎ። ኵሉኹም መላእኽቱ፣ አመስግንዎ፣ ብዘሎኹም ሰራዊቱአመስግንዎ። ኣትን ጸሓይን ወርሕንአመስግናኦ፣ ኣቱም ብሩሃት ከዋኽብቲአመስግንዎ። ኣቱም ናይ ሰማየ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘሎኹም ማያትንአመስግንዎ። ንሱ ኣዚዙተፈጢሮም እዮም እሞ፣ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎንዘለአለመ ኣለም ኣቘሞምዘይሐልፍ ሕጊ ኸኣ ሀቦምንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ አመስግንዎ፣ ኣቱም ገበላት ባሕርን መዓሙቚን ኵልኹም፣ ኣቱም ሓውን በረድን ኣስሓይታን ግመን ቃሉ እተስልጥ ህቦብላን፡ ኣቱም ኣኽራንን ኰረቢትን ኵልኹም፣ ፈረይቲ ኣእዋምን ጽሕድታትን ኵልኹም፣ ኣራዊትን ኵላትኩም እንስሳን ለመም እትብሉን ነፈርቲ ኣዕዋፍንነገስታት ምድርን ኵላትኩም ኣህዛብንመሳፍንትን ኵላትኩም ፈረድቲ ምድርን፣ ኣጕባዝን ጐራዙትንዓበይቲ ምስ ናኣሽቱስሙ በይኑ ልዑል እዩ፣ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፣ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎንህዝቡውን ቀርኒ ኣልዐለ፣ ስለዚ ዅሎም ቅዱሳኑደቂ እስራኤል፣ እቲ ዚቐርቦ ህዝቢየመስግኖ አሎ። ሃሌሉያ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 1:3 | 2 Helpful votes

እቲ ንዘይሐልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒብልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ካብ ምውታት ብዝሒ ምሕረት ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይባረኽ

Translation | Context