Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ንኣይ ብምእማን ከኣ ሕድገት ሓጢኣት ርስቲ ምስ ቅዱሳንን ኪረኽቡ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ኣዒንታቶም ክትከፍተሎም፡ እልእከካ አሎኹ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡ ኣነ እምስክረሎም አሎኹ እሞ፡ ንሳቶም ኪድሕኑ፡ ስሊኦም ሃረርታ ልበይን ናብ ኣምላኽ ጸሎተይን እዩ።
Translation | Contextእምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ። እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ። ማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ። ብጊዜኡ ንዚኸውን ምስክር ንሱ ኣብ ክንዲ ዅሉ ኪኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሃበ፡
Translation | Contextጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።
Translation | Contextየሱስ ድማ፡ ወዲ ሰብ ንጥፉእ ኪደልን ኬድሕንን እዩ ዝመጸ እሞ፡ ነስኻ ኸኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀንካ፡ ሎሚ ነዛ ቤት ምድሓን ኰነላ፡ በሎ።
Translation | Contextእዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ።
Translation | Contextሽዑ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ፡ በሎም።
Translation | Contextፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ኢሉ ምስ ኣውጽኦም፡ ንሳቶም ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ኣምሊጦም ናብ ልቦም ይምለሱ እዮም።
Translation | Contextከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ።
Translation | Contextምእንታይውን፡ ኣፈይ ምስ ከፈትኩስ፡ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ክነግር ቃል ኪውሃበኒ፡ ብዛዕባይ ብመቝሕ እተኣሰርኩ ልኡኽ እየ እሞ፡ ከም ዚግብኣኒ ዀይነ ንምዝራብ ብእኡ ኽተብዕ፡ ጸልዩለይ።
Translation | Contextሓድሽ ልቢ ድማ ክህበኩም፣ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም፣ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውጽእ፣ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ።
Translation | Contextእምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ። እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ።
Translation | Contextእቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።
Translation | Context