Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

praying in public


ማቴዎስ 6:1-34 | 26 Helpful votes

ጽድቅኹምኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩከይትገብሩ ተጠንቀቑእንተ ዘይኰነስኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምንእምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻከምቲ እቶም ግቡዛትብሰብ ምእንቲ ኺንአዱኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ። ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገዲን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻናብ ቤትካ እቶማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ። እምብኣርስከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፡ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኣይትምሰልዎም። ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኹም ደኣ ጸልዩኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦናስማካ ይቀደስመንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበናንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎምበደልና ሕደገልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ ኣሜንንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኹም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ። ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛትጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤርእስኻ ተለኸገጽካ ውን ተሐጸብእቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። መዝገብካ ኣብ ዘለዎኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ። ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውንዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን። ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦንወይ ነቲ  ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ። ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽንን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዋን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም አሎኹ። ንዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹንካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧ ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም አለኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ እምበርከ እንታይ ንበልዕእንታይ ንሰቲእንታይ ንኽደንኢልኹም ኣይትጨነቑነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩእዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩምጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ

Translation | Context
ማቴዎስ 6:6 | 20 Helpful votes

ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻናብ ቤትካ እቶማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:5 | 15 Helpful votes

ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገዲን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:7 | 10 Helpful votes

ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ

Translation | Context
ሉቃስ 18:10-14 | 9 Helpful votes

ክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊኪጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ። እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውምካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእከምቶም ካልኦት ሰባትከተርቲዓመጽቲዘመውቲወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፤ ኣምላኸይንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒእናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን። ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሉቃስ 5:16 | 3 Helpful votes

ንሱ ግና ናብ በረኻ እናግለሰ ይጽሊ ነበረ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:12 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማበቲ ወርሓት እቲ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበለይቲ ብምልእታ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ነቒሑ ሐደረ።

Translation | Context
ማርቆስ 1:35 | 2 Helpful votes

ኣንጊሁ ተንሲኡገና ለይቲ ኸሎ፡ ወጸ። ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ጸለየ

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:17 | 2 Helpful votes

ከየባተኽኩም ጸልዩ

Translation | Context
ዮሃንስ 17:1-26 | 2 Helpful votes

የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ፡ በለ፥ ዎ ኣቦ፡ ሕጂ እታ ጊዜ በጺሓ፡ ነዞም ዝሀብካዮ ዅላቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺህቦምሲንወድኻ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ምልኪ ሂብካዮ ኢኻ እሞ፡ ንሱ ምእንቲ ኬኽብረካስንወድኻ ኣኽብሮኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻዎ ኣቦይሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ። ነዞም ካብ ዓለም ዝሀብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎምናትካ ነበሩ፡ ንኣይ ሀብካኒቃልካውን ሐለዉእቲ ዝሀብካኒ ዘበለ ዅሉ ካባኻ ምዃኑ ሕጂ ፈለጡእቲ ዝሀብካኒ ቓል ሀብክዎምንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ኻባኻ ኸም ዝወጻእኩ ድማ ብሓቂ ፈለጡንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒውን አመኑኣነ ምእንትኦም እልምን አሎኹ። ናትካ እዮም እሞ፡ ምእንቲ እዞም ዝሀብካኒ እምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ። ኵሉ ናተይ ናትካ እዩ፡ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ፡ ኣነውን ኣባታቶም ከበርኩደጊምሲ ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ፡ ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም አለዉ፡ ኣነውን ናባኻ እመጽእ አሎኹ። ቅዱስ ኣቦይነዞም ዝሀብካኒከማና ሓደ ምእንቲ ኪዀኑብስምካ ሐልዎምኣነ ምሳታቶም ኣብ ዓለም ከሎኹብስምካ ሐሎኽዎምነዞም ዝሀብካኒ ተኸናኸንክዎም። እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ ብዘይ እቲ ሓደ ወዲ ጥፍኣት ካባታቶም ዝጠፍኤ የልቦንሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ አሎኹ፡ ሓጐሰይ ኣባታቶም ምእንቲ ኺፍጸም ድማ እዚ ኣብ ዓለም እዛረብ አሎኹ። ኣነ ቓልካ ሀብክዎምከምቲ ኣነ ካብ ዓለም ዘይኰንኩንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን እሞ፡ ዓለም ጸልኣቶምካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑንበቲ ሓቂ ቐድሶምቃልካ ሓቂ እዩከምቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለእኽካኒከምኡውን ኣነ ናብ ዓለም ለኣኽክዎም። ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኪቕደሱስ፡ ኣነ ርእሰይ ስሊኦም እቕድስ አሎኹ። ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚአምኑ ድማ እምበር፡ ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ዓለምንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይከምቲ ንስካ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ። ብኣንድነት ፍጹማት ኪዀኑዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲንሕና ሓደ ኸም ዝዀንናኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፦ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም። ዎ ኣቦይቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ፡ እዞም ዝሀብካኒ ነቲ ዝሀብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንሳቶምውን ኣብኡ ምሳይ ኪህልዉ እደሊ አሎኹ። ጻድቕ ኣቦይዓለም ኣይፈለጠትካን፡ ኣነ ግና ፈሊጠካ አሎኹ። እዚኣቶምውን ንስኻ ኸም ዝለኣክካኒ ፈሊጦም አለዉ። እታ ብእኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትከውን ኣነውን ኣባታቶም፡ ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ።

Translation | Context