Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all20 bible verses about
ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገዲን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።
Translation | Contextእንተ ዘይኰነስ ብመንፈስ እንተ ባረኽካ፡ እቲ ኣብ ስፍራ እቲ ዘይተማህረ ተቐሚጡ ዘሎ ነቲ ንስኻ እትብሎ ኻብ ዘይፈልጦ፡ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ ኣሜን ኪብል ይከኣሎ፧
Translation | Contextመንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና።
Translation | Contextንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገዲን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextየሱስ ድማ መለሰ በሎምውን፡ ብኣምላኽ እመኑ። ዝዀነ ይኩን እቲ ዝበሎ ኸም ዚኸውን ዚኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይዋላወል፡ ነዚ ኸረን፡ ተንሲእካ ናብ ባሕሪ ጥሐል፡ እንተ በሎ፡ ንእኡ ኸም ዚዀነሉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስለ፥ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩም እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም አሎኹ። ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሐድገልኩም፡ ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ አሎኩም፡ ሕደጉሉ።
Translation | Contextብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹ፡ መንፈሰይ እዩ ዚጽሊ፡ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ።
Translation | Contextከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ፡ ብምስላ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኡሉ፡
Translation | Contextኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።
Translation | Contextብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ፣ ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር እምህለል አሎኹ።
Translation | Contextኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ገና ለይቲ ኸሎ፡ ወጸ። ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ጸለየ።
Translation | Contextደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሐድገልኩም፡ ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ አሎኩም፡ ሕደጉሉ።
Translation | Contextኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊ። ሕጉስዶ አሎ፧ ይዘምር።
Translation | Contextእቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።
Translation | Contextንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።
Translation | Contextብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ ፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸ፡ እቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ። ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ። ሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።
Translation | Contextንስኻስ ጽቡቕ ጌርካ ተመስግን አሎኻ፡ እቲ ኻልእ ግና ኣይተሃንጸን።
Translation | Contextኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ። ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም፡ ክገብረልኩም እየ።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextሰሎሞን ከኣ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቈይሙ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ማሕበር እስራኤል ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሔ። በለ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ብምሉእ ልቦም እተመላለሱ ባሮትካ ኺዳንን ምሕረትን እትሕሉ፡ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ምድሪውን ኣብ ታሕቲ ኸማኻ ዝበለ ኣምላኽ የልቦን። እቲ ንባርያኻ፡ ነቦይ ዳዊት፡ እተዛረብካዮ ዝሐሎኻ፡ እወ፡ ብኣፍካ ተዛረብካ፡ ከምዚ ሎሚ መዓልቲ ዀይንዎ ዘሎ ኸኣ፡ ብኢድካ ፈጸምካዮ። ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ንባርያኻ፡ ነቦይ ዳዊት፡ ከምቲ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እተመላለስካ፡ ደቅኻ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ንምኻድ መገዶም ጥራይ እንተ ደኣ ሐልዮምሲ፡ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ኣየቛርጸልካን እዩ፡ ኢልካ እተዛረብካዮ ሐሉ። ሕጂ ድማ፡ ዎ ኣምላኽ እስራኤል፡ በጃኻ፡ እቲ ንባርያኻ፡ ነቦይ ዳዊት፡ እተዛረብካዮ ዘረባኻ እሙን ይኹን። ግናኸ፡ ብሓቂዶ ኣምላኽሲ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ፡ እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ኪሕዙኻ ኣይክእሉን፡ እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ግዳ ኽንደይ ዘይትንስእ፡ ግናኸ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነዚ ጽውዓን ነዚ ባርያኻ ሎሚ ኣብ ቅድሜኻ ዚጽልዮ ዘሎ ጸሎትን ንምስማዕ ገጽካ ናብ ጸሎት ባርያኻን ናብ ምህልላኡን ምለስ። ናብዛ ቤት እዚኣ፡ ናብዛ፡ ስመይ ኣብኣ ኪኸውን እዩ፡ ዝበልካያ ቦታ ኣዒንትኻ ለይትን መዓልትን ይከፈታ። ነቲ ባርያኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዚጽልዮ ጸሎትውን ስማዕ። ነቲ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዚምህለልዎ ጸሎት ከኣ ስምዓዮ፡ እወ፡ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘሎኻ ቦታ፡ ኣብ ሰማይ ስምዓዮ፡ ሰሚዕካውን ይቕረ በል። ሰብ ንብጻዩ እንተ በደሎ፡ ማሕላ ምሐል ድማ እንተ በልዎ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኣብዛ ቤት እዚኣ ኺምሕል እንተ መጸ፡ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፡ ግበር ከኣ፡ ነቲ በዳሊ፡ መገዱ ናብ ርእሱ ኽትመልሶ፡ ኰንኖ፡ ነቲ ጻድቕ ከኣ ጽድቁ ኣጽዲቕካ ንባሮትካ ፍረደሎም። ህዝብኻ እስራኤል ስለ ዝበደሉኻ ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ምስ ተሳዕሩ ድማ፡ ናባኻ ተመሊሶም ኣብዛ ቤት እዚኣ ንስምካ እንተ ኣኽበሩን እንተ ጸለዩን እንተ ተማህለሉን፡ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፡ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ይቕረ በል፡ ናብታ ነቦታቶም ዝሀብካዮም ምድሪ ድማ ምለሶም። ንኣኻ ስለ ዝበደሉ ሰማይ ምስ ተዐጽወ፡ ዝናም ከኣ እንተ ዘይዘነመ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ እንተ ጸለዩ፡ ንስምካውን እንተ ኣኽበሩ፡ ስለ ዘዋረድካዮም፡ ካብ ሓጢኣቶም እንተ ተመልሱ፡ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ እታ ዚኸድዋ ጽብቕቲ መገዲ ምስ እትርእዮም ከኣ፡ ሓጢኣት ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ይቕረ በል፡ ነታ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሀብካዮም ምድርኻ ድማ ዝናም ሀባ። ኣብ ሃገር ጥሜት እንተ ዀነ፡ ፌራ እተ ዀነ፡ ዋግ ወይ ሃጒ፡ ኣንበጣ ወይ ባርኖስ እንተ ዀነ፡ ጸላኢኦም ኣብ ሃገሮም ኣብ ከታማታቶም እንተ ኸበቦም፡ ወይ ዝዀነ መዓት ወይ ዝዀነ ሕማም እንተ መጸ፡ ዝዀነ ሰብ ወይ ኲሉ ህዝብኻ እስራኤልን ነፍሲ ወከፍ ቊስሊ ልቢ እተፈለጦ፡ ዚጽልዩ ዂሉ ጸሎትን ኲሉ ምህልላን ኣእዳዉ ድማ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዚዝርግሕ፡ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስማዕ ይቕረ ኸኣ በል ግበር ድማ፡ ንልቢ ዂሎም ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፡ ኣብታ ነቦታትና ዝሀብካዮም ምድሪ ዚነብረለን ኲለን መዓልትታት ምእንቲ ኺፈርሁኻስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፡ ከከም መገዱ ሀቦ። ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኰነ ጓና ድማ፡ ንሱ ምእንቲ ስምካ ኢሉ ኻብ ርሑቕ ሃገር እንተ መጸ፡ ብዛዕባ እዚ ዓብዪ ስምካን ብዛዕባ እዛ ጽንዕቲ ኢድካን ዝርግሕቲ ቕልጽምካን ኪሰምዑ እዮም እሞ፡ መጺኡ ኣብዛ ቤት እዚኣ እንተ ጸለየ፡ ብዘለዉ ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኺፈልጡ እሞ ከም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ኪፈርሁኻ፡ እዛ ዝሰራሕክዋ ቤት ከኣ ብስምካ ኸም እተሰምየት ኪፈልጡስ፡ ንስኻ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስምዓዮ፡ ነቲ ጓና ኸኣ ከምቲ ዂሉ ዚጽውዓካ ግበረሉ። ህዝብኻ በታ ዝለአኽካዮም መገዲ ንጸላእቶም ኪዋግኡ ምስ ዚወጹ፡ ናብዛ ዝሐሬኻያ ኸተማን፡ ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም ናብ እግዚኣብሄር እንተ ጸለዩ፡ ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ጸሎቶምን ምህልላኦምን ሰሚዕካ ፍርዲ ኣውጽኣሎም። እንተ በደሉኻ፡ - ሰብሲ ዘይብድል የልቦን፡ - ኰሪኻ ድማ ንጸላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሀብካዮም እሞ፡ ናብ ርሑቕ ኰነ ወይ ናብ ቅሩብ ናብ ሃገር ጸላኢ ምርኮ እንተ ማረኽዎም፡ ኣብታ ተማሪኾምላ ዘለዉ ሃገር ኰይኖም ናብ ልቦም እንተ ተመልሱ፡ ኣብታ ምድሪ ምርኮኦም ኰይኖም ከኣ መሊሶም፡ ሓጢኣት ገበርናን በደልናን ክፉእ ገበርናን፡ ኢሎም ናባኻ እንተ ተማሕለሉ፡ ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎም ጸላእቶም ከለዉ ብዂሉ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመልሱ፡ ገጾም ከኣ ናብዛ ነቦታቶም ዝሀብካዮም ምድሮም፡ ናብዛ ዝሐሬኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም እንተ ጸለዩ፡ ሽዑ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብራ ቦታ ዄንካ ጸሎቶምን ምህልላኦምን ሰሚዕካ ፍርዲ ኣውጽኣሎም። ነቶም ዝበደሉኻ ህዝብኻ ዝአበሱኻ ዂሉ ኣበሳኦም ይቕረ በለሎም፡ ምእንቲ ንሳቶም ምሕረት ኪገብሩሎም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝማረኽዎም ምሕረት ሀቦም። ንሳቶምሲ ኻብ ግብጺ፡ ካብቲ እቶም ሓጺን ዘውጻእካዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ከምቲ ነቦታትና ኻብ ግብጺ ኸተውጽኦም ከሎኻ ብባርያኻ ሙሴ እተዛረብካዮ፡ ካብ ኲሎም ህዝብታት ምድሪ ርስትኻ ኪዀኑ፡ ንስኻ ፈሊኻዮም ኢኻ እሞ፡ ናባኻ ብዝጽውዕዎ ዘበለ ኽትሰምዖም፡ ኣዒንትኻ ናብ ምህልላ ባርያኻን ናብ ምህልላ ህዝብኻ እስራኤልን ይከፈታ። ኰነ ኸኣ፡ ሰሎሞን ነዚ ናብ እግዚኣብሄር ዚጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ምህልላን እዚ ምስ ወድኤ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ብብርኩ ተንበርኪኹ ኣእዳዉ ንሰማይ ዘርጊሑሉ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ተንስኤ።
Translation | Contextቅሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ በለውን፡ ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኩን።
Translation | Context