Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all29 bible verses about
ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ እሞ፡ ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።
Translation | Contextእንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።
Translation | Contextኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።
Translation | Contextእቲ ንኣይ ዝፈጠረ ኣብ ማሕጸን ወላዲት ንእኡ ፈጠሮ እቲ ኣብ ከርሲ ወላዲት ዝሀነጸና ሓደዶ ኣይኰነን፧
Translation | Contextከምቲ ንመገዲ ንፋስ ዘይትፈልጦ፡ ከምቲ ኣዕጽምቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ኸመይ ኢሉ ኸም ዚውጡን ዘይትፈልጦ፡ ከምኡውን ንግብሪ እቲ ዅሉ ዝነገረ ኣምላኽ ኣይትፈልጦን ኢኻ።
Translation | Contextሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ፡ ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከኣላ እዩ፧ ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ።
Translation | Contextንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣
Translation | Contextሰበይቲ ኽትወልድ ከላ፡ ጊዜኣ ስለ ዝበጽሔ ትጕሂ። ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፡ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ እተወልደ፡ ተሐጕሳ፡ ነቲ ጻዕራ ኣይትዝክሮን እያ።
Translation | Contextእንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን ብሓጐስ ተሰራሰረ። እቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ኪፍጸም እዩ እሞ፡ እታ ዝአመነት ብርኽቲ እያ።
Translation | Contextእቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ጥንስቲ ኢኺ ወዲ ኸኣ ክትወልዲ ኢኺ፡ እግዚኣብሄር መከራኺ ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ስሙ እስማኤል ኣውጽእሉ።
Translation | Contextየሱስ ድማ ናባታተን ግልጽ ኢሉ፥ ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣካ እዝጊ ሃባ እታ መኻን ዘይወለደት ከርስን ዘየጥበዋ ኣጥባትን፡ ዚብሉለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ፡ ንርእስኽንን ንደቕኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይ።
Translation | Contextሰባት እንተ ተባእሱ እሞ ጥንስቲ ሰበይቲ እንተ ደፍኡ፡ ጥንሳ ድማ እንተ ኸደ፡ ካልእ ጕድኣት እንተ ዘይኰነ፡ ሰብኣይ እታ ሰበይቲ ዝጸዓኖ ኻሕሳ ይኽሐስ፡ ፈረዲ ኸም ዝመደቡሉ ኸኣ ይዕደ። ጕድኣት እንተ ዀነ ግና፡ ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ ክትህብ ኢኻ። ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ። ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ። ኣብ ክንዲ ኢድ፡ ኢድ። ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ። ኣብ ክንዲ ምንዳድ፡ ምንዳድ። ኣብ ክንዲ ቝስሊ፡ ቍስሊ። ኣብ ክንዲ ሕበጥ፡ ሕበጥ።
Translation | Contextካብ ማሕጸን ወላዲት ኣባኻ ወደቕኩ፣ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚርካ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ።
Translation | Contextንመኻን፣ አደ ቘልዑ ገይሩ፣ ኣብ ቤት ብሓጐስ የንብራ። ሃሌሉያ።
Translation | Contextነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ መከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፡ ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን እዩ፡ ንሱውን ኪመልከኪ እዩ፡ በላ።
Translation | Contextንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ።
Translation | Contextኣቦኻን ኣዴኻን ባህ ይበሎም፡ እታ ዝወለደትካ ኸኣ ትተሐጐስ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ዝበሎ ንሳራ በጽሓ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሳራ ኸምቲ እተዛረቦ ገበረላ። ሳራ ድማ ጠነሰት፡ በቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ምዱብ ወርሓት ከኣ ንኣብርሃም ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደትሉ።
Translation | Contextይስሃቅ ድማ፡ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ነበረት እሞ፡ ምእንትኣ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄር ከኣ ተለመኖ፡ ሰበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት።
Translation | Contextኪፈትወካን ኪባርኸካን ኬብዝሓካን ከኣ እዩ። ኣብታ ንኣኻ ኺህበካ ነቦታትካ ዝመሐለሎም ምድሪ ድማ፡ ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን፡ ኣባትይ ኣሓኻን ዕያውቲ ኣባጊዕካን ኪባርኸልካ እዩ።
Translation | Contextደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዅላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳ።
Translation | Contextመልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሰበይቲ ተራእያ በላውን፡ እንሆ፡ መኻን ኢኺ እሞ፡ ኣይወለድክን፡ ግናኸ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኹ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ። በርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንሃና በጽሓ፡ ጠነሰት ድማ፡ ሰለስተ ወድን ክልተ ጓልን ከኣ ወለደት። ሳሙኤል፡ እቲ ቘልዓ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዐበየ።
Translation | Contextኣምላኽ ንኖህን ንደቁን ባረኾም፡ በሎም ድማ፡ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ።
Translation | Contextእታ ኻብ ሾብዓተ ወዲ እትበልጽ እተፍቅረኪ ሰበይቲ ወድኺ ወሊዳቶ እያ እሞ፡ ንሱ ነፍስኺ ዚሕድስን ሓጋዝ እርግናኽን ኪኾነኪ እዩ በላኣ።
Translation | Contextንሱ ሓጐስን ተድላን ኪዀነልካ እዩ፡ ብልደቱ ኸኣ ብዙሓት ኪሕጐሱ እዮም።
Translation | Contextሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ተመን፡ እዚ ስለ ዝገበርካ፡ ካብ ኵሉ እንስሳን ኣራዊት መሮርን ርጉም ኩን፡ ብኸብድኻ ክትከይድ፡ ኵሉ ዘበን ህይወትካ ድማ መሬት ክትበልዕ ኢኻ። ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ፡ በሎ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ መከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፡ ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን እዩ፡ ንሱውን ኪመልከኪ እዩ፡ በላ።
Translation | Contextኣዳም ኣይተሐብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት። ብእምነት ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸንዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።
Translation | Context