Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all3 bible verses about
እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።
Translation | Contextብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ።
Translation | Contextእንሆ፡ ንጉስ ብጽድቂ ኺነግስ እዩ፡ መሳፍንቲ ኸኣ ብቕንዕና ኺገዝኡ እዮም። ሰብ ድማ ካብ ንፋስ ከም ከውሊ፡ ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ፡ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ። ኣዒንቲ እቶም ረኣይቲ ኣይኪዖራን፡ ኣእዛን እቶም ሰማዕቲ ኸኣ ጽን ኪብላ እየን። ልቢ እቶም ዝንጉዓት ፍልጠት ኬስተውዕል፡ ልሳን ወትኣት ከኣ ትኽ ኣቢሉ ኣጽርዩ ኺዛረብ እዩ። ሕሱምሲ ድሕሪ ደጊም ክቡር ተብሂሉ ኣይኪስመን፡ መጣፍኢ ኸኣ ጐይታ ኣይኪብሀልን እዩ። ሕሱም ሰብሲ ረሲእነት ምእንቲ ኺገብር፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ከኣ ስሕተት ኪዛረብ፡ ንነፍሲ ጥሙይ ጥራያ ኺሐድጋ ንጽሙእ ድማ መስተ ምእንቲ ኪኸልኦስ፡ ሕሰም ይዛረብ፡ ልቡ ኸኣ እከይ ይሰርሕ። መሳርያ መጣፍኢ ተካል እዩ፡ ንሽጉራትን ነቲ ቕንዕና ዚዛረብ ድኻን ብቓል ሓሶት ምእንቲ ኼጥፍኦምሲ፡ እኩይ ሓሳብ ይጠላልፍ። ክቡር ሰብ ግና ክቡር ሓሳብ ይሐስብ፡ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ።
Translation | Context