Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

priorities


ማቴዎስ 6:33 | 19 Helpful votes

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩእዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 9 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
ሉቃስ 12:34 | 7 Helpful votes

ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ

Translation | Context
ዘጸአት 20:3 | 5 Helpful votes

ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:22-34 | 4 Helpful votes

ንደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎም፥ ካብ ምግቢ ህይወት ትዐቢ፡ ካብ ክዳንውን ስጋ ይዐቢ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎ ኣይትጨነቑኣብለኩም አሎኹ። ናብ ኳዃትማ ኣስተብህሉኣምላኽ ይቕልቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ ኣይዓጽዱማዕከን ወይ ቆፎ የብሎምን። ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣዚኹም ዘይትበልጹ። ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብታ ቝመቱ ሓንቲ እመት ምውሳኽ ዚክእል መን አሎ፧ እዚ ቐሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉስንምይታይ ደኣ ብካልእ እትጭነቑዕምባባታት ከመይ ኢሎም ከም ዚዓብዩ ኣስተብህሉኣይጽዕሩን ኣይፈትሉን እዮም። ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብረቱ ኸም ሓደ ካባታቶም ኣይተኸድነንእብለኩም አሎኹ። ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ በረኻ ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነስ፡ ኣቱም ጕድላት እምነት፡ ንኣኻትኩም ግዳ ከመይ ኣብዚሑ ዘይከድነኩም፧ ንስካትኩም ከኣ እትበልዕዎን እትሰትይዎን ኣይትድለዩን ኣይትጨነቑንነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ዓለም ይደልይዎ እዮም እሞ፡ እዚ ኸም ዜድልየኩምሲኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ድለዩእዚ ዅሉ ድማ ኪውሰኸልኩም እዩ። ኣታ ሒደት መጓሰ፡ እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:5 | 4 Helpful votes

ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን።

Translation | Context
ዘዳግም 6:5 | 3 Helpful votes

ንስካ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ

Translation | Context
ሉቃስ 10:38-42 | 3 Helpful votes

ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ዀነ፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ አተወማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶማርያም እትብሀል ሓብቲ ድማ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቃ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት። ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ከኣ፥ ጐይታይሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራበለቶየሱስ ድማ፥ ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን አሎኺ። እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ አላ፡ ኢሉ መለሰላ።

Translation | Context
ማርቆስ 8:36-37 | 2 Helpful votes

ንሰብብዘላ ዓለም ረቢሑነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ይጠቕሞሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ምሃበ

Translation | Context
ዮሃንስ 14:15 | 2 Helpful votes

እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:1-2 | 2 Helpful votes

እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበርቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።

Translation | Context