Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ነፍሲ ሃካይ ሃረር ትብል አላ እሞ ገለ ኣይትረክብን፡ ነፍሲ ትጉሃት ግና ኣዝያ ትጸግብ።
Translation | Contextኢድ ትጉሃት ክትገዝእ እያ፡ እታ ሃካይ ግና ክትግብር እያ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ። ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኩኑ።
Translation | Contextሃካይ ብምኽንያት ቍሪ ኣይሐርስን፡ ብጊዜ ቐውዒ ይልምን እሞ፡ ገለ እኳ ኣይረክብን።
Translation | Contextመዓልቲ እትወልዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ብጽባሕ ኣይትመካሕ።
Translation | Contextንሓደ ኻልእ ድማ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ። የሱስ ድማ፥ ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበሩ ሕደጎም። ንስኻ ግና ኪድ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንገር፡ በሎ። ሓደ ኻልእ ድማ፥ ጐይታይ፡ ክስዕበካ እየ፡ ግናኸ ቅድም ካብ ስድራ ቤተይ ክሳናበት ፍቐደለይ፡ በሎ። የሱስ ግና፥ ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ፡ በሎ።
Translation | Contextእምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ።
Translation | Contextበቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።
Translation | Contextእቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦ፡ ሰናይ ቃል ግና ባህ የብሎ።
Translation | Contextሓቛቝኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን።
Translation | Contextመዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ፡ ሓደ እኳ ኺዓየላ ዘይከአሎ ለይቲ ትመጽእ አላ።
Translation | Contextቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።
Translation | Contextነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። እምብኣርሲ ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒ፡ ሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎ።
Translation | Contextንስኻትኩም ድማ፡ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዪ እሞ፡ እተዳሎኹም ኩኑ።
Translation | Contextንንፋስ ዚምልከት ኣይዘርእን፡ ንደበና ዚጥምት ድማ ኣይዐጽድን እዩ።
Translation | Contextቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ።
Translation | Contextኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እተረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ።
Translation | Context