Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

3 bible verses about

promised land boundaries


ዘጸአት 23:30-31 | 12 Helpful votes

ተፋሪኻ ነታ ምድሪ ኽሳዕ እትወርሳ በብቕሩብ ካብ ቅድሜኻ ኽሰጎም እየ። ነቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ኣብ ኣእዳውኩም ክህበኩም እየ፡ ካብ ቅድሜኻ ኸኣ ክትሰጎም ኢኻ እሞ፡ ሽዑ ዶብካ ኻብ ባሕሪ ኤርትራ ኽሳዕ ባሕሪ ፍልስጥኤም፡ ካብ በረኻ ድማ ክሳዕ እቲ ርባ ኽገብሮ እየ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 47:13-23 | 9 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እታ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ርስቲ ጌርኩም እትመቕልዎም ምድሪወሰናታ እዚ እዩ፣ ዮሴፍ ክልተ ዕጫ ኺረክብ እዩ። እዛ ነቦታትኩም ክህባ እየ ኢለ ኢደይ ዘልዐልኩላ ምድሪ እቲ ሓደ ኸምቲ ሓደ ኽትወርስዋ ኢኹም። እዛ ሃገር እዚኣ ርስትኹም ክትከውን እያ። ወሰናት እታ ምድሪ ኸኣ እዚ እዩ፣ ብወገን ሰሜን ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ሒዙ በታ መገዲ ሃይሎን ኣቢሉ፣ ክሳዕ ጸዳድ፣ ኣብ መንጎ ወሰን ደማስቆን ወሰን ሃማትን ዘሎ ሃማትቤሮታሲብራይም፣ እቲ ኣብ ወሰን ሃውራን ዘሎ ሓጻር-ሓቲኮን ድማ። እቲ ወሰን ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ሓጻር-ዔናን ወሰን ደማስቆ ኪኸውን እዩ። ጻፎን ድማ ኣብ ሰሜን ወሰን ሃማት እዩ። እዚ እቲ ወገን ሰሜን እዩ። ብወገን ምብራቕ ድማ ኣብ ማእከል ሃውራንን ደማስቆን ጊልዓድን ምድሪ እስራኤልን ዮርዳኖስን እዩ። ካብ ወሰን ሰሜን ናብቲ ኣብ ምብራቕ ዘሎ ባሕሪ ኽትእምቱ ኢኹም። እዚ እቲ ወገን ምብራቕ እዩ። እቲ ወገን ደቡብ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ኸኣ ካብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ፣ በቲ ርባ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ እዩ። እዚ እቲ ናብ ደቡብ ዜብል ወገን ደቡብ እዩ። እቲ ወገን ምዕራብ ድማ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ኻብ ወሰን ደቡብ ክሳዕ መንጽር ሃማት እዩ። እዚ እቲ ወገን ምዕራብ እዩ። ነዛ ሃገር እዚኣ ኸከም ነገድ እስራኤል ንኣኻትኩም ተማቐልዋ። ኪኸውን ድማ እዩ፣ ንስኻትኩምን ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዚነብሩ፣ ኣብ ማእከልኩምውን ውሉድ ዚወልዱ ጓኖት ርስቲ ጌርኩም ብዕጭ ምቐልዋ። ንሳቶም ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ከም ደቂ ዓድኹም ኪዀኑልኩም እዮም። ኣብ ማእከል ነገድ እስራኤል ከኣ ምሳኻትኩም ንርስቲ ኺርስተዩ እዮም። ኪኸውን ድማ እዩ፣ ነቲ ጓና ኣብታ ዚነብረላ ነገድ፣ ኣብኣ ርስቱ ኽትህብዎ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

Translation | Context
ዘሁልቍ 34:1-12 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦንደቂ እስራኤል ኣዝዞምበሎም ከኣ፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣቶኹምእታ ንርስቲ እትበጽሓኩም ምድሪ እዚኣ እያ፡ ምድሪ ከነኣን ክሳዕ ወሰናታ። ሸነኽ ደቡብ ምድርኹም ካብቲ ብወገን ኤዶም ዘሎ በረኻ ጺን ይኹን እሞ፡ ናብ ደቡብ ዶብኩም ካብ ወሰን ባሕሪ ጨው ንምብራቑ ይኹን። ዶብኩም ብደቡብ ዓቐበት ዓቅራቢም ዞይሩ ናብ ጺን ይሕለፍ። ብደቡብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኣቢሉ ድማ ይውጻእብሓጻር-ኣዳር ወጺኡ ኸኣ ናብ ዓጽሞን ይሕለፍ። ካብ ዓጽሞን ከኣ እቲ ዶብ ናብ ርባ ግብጺ ይዙርናብ ባሕሪ ድማ ይውጻእዶብ ምዕራብውን እቲ ዓብዪ ባሕርን እቲ ዶብን ይኹነልኩም። ናብ ምዕራብ ዶብኩም እዚ ይኹን። ናይ ሰሜን ዶብኩም ድማ እዚ ይኹን፡ ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ናብ ከረን ሆር ኣቢልኩም ንኣኻትኩም ምልክት ግበሩሉ። ካብ ከረን ሆር ክሳዕ እታ ናብ ሃማት እተእቱ ምልክት ግበሩሉ፡ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ጸዳድ ይውጻእ። እቲ ዶብ ድማ ናብ ዚፍሮን ይሕለፍ እሞ ናብ ሓጻር-ዔናን ይውጻእ፡ ናይ ሰሜን ዶብኩም እዚ ይኹን። ናይ ምብራቕ ዶብኩም ከኣ ካብ ሓጻር-ዔናን ክሳዕ ሼፋም ኣመልክቱሉእቲ ዶብ ድማ ካብ ሼፋም ናብ ሪብላንዓይን ብምብራቓ ይውረድ፡ እቲ ዶብ ከኣ ወሪዱ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኪኔሬት ይብጻሕእቲ ዶብ ክሳዕ ዮርዳኖስ ይውረድ፡ ናብ ባሕሪ ጨው ከኣ ይውጻእ። እዚኣ ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ዶብ ሃገርኩም ትኹን።

Translation | Context