Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ንእኡ ኸኣ፡ ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሐደጎ፡ ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ፡ ብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ።
Translation | Contextንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ፡ ብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበር፡ ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን።
Translation | Contextኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Contextስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ አሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም አሎና።
Translation | Contextኣቱም ደቀየ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ፡ ጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ጻድቕ፡ እዩ። ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ፡ ብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበር፡ ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን።
Translation | Contextደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስካትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ።
Translation | Contextክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።
Translation | Contextብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።
Translation | Contextማለት፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ።
Translation | Context