Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all3 bible verses about
ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን ድማ ምስኡ ኺበልዕ ለመኖ። ናብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ አትዩ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። እንሆ፡ ኣብታ ዓዲ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት። ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት፡ ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቃጥ ኣምጽኤት። ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ደው ኢላ እናበኸየት፡ በቲ ንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረት፡ ብጸጉሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕም፡ ቅዱይ ቅብኢውን ትለኽዮ ነበረት። እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዚ ርእዩ፥ እዚ ነብዪ እንተ ዚኸውንሲ፡ እዛ ዝተንከየቶ ሰበይቲ ሓጢያተኛ እያ እሞ፡ መን ከመይ ዘመሰለትውን ምኳና ምፈለጣ ነይሩ፡ ኢሉ ብልቡ ሐሰበ። የሱስ ከኣ፥ ስምኦን፡ ዝብለካ አሎኒ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ በል፡ መምህር፡ በለ። ንሓደ መለቕሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ። ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ። ዚፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፡ ንኽልቲኦም ሐደገሎም። ካባታቶምሲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧ ስምኦን ከኣ፥ ንኣይሲ እቲ ብዙሕ እተሐደገሉ ይመስለኒ፡ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፥ ቅኑዕ ፈርድካ፡ በሎ። ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንስምኦን በሎ፥ ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ አሎኻ፧ ናብ ቤትካ ኣቶኹ እሞ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፡ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት ብጸጉሪ ርእሳውን ደረዘት። ንስኻ ኣይተሳለምካንን፡ እዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኻብ ምስዓም ኣእጋረይ ኣይዓረፈትን። ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኼኻንን፡ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት። ስለዚ፡ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት፡ ንእኣ ብዙሕ ሓጢኣት ተሐዲጉላ፡ እብለካ አሎኹ። እቲ ሒደት ዚሕደገሉ ኸኣ ሒደት እዩ ዜፍቅር። ንእኣ ድማ፥ ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪ፡ በላ። እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ኸኣ ብልቦም፥ እዚ ሓጢኣት ድማ ዚሐድግሲ፡ መን እዩ፧ ኪብሉ ጀመሩ። ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ኣድሒናትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ።
Translation | Contextምድሪ ምስ ወግሔ፡ ኣንጊሁ ኸም ብሓድሽ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ብዘሎ እቲ ህዝቢውን ናብኡ መጸ፡ ተቐሚጡ ኸኣ ይምህሮም ነበረ። ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፥ መምህር፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተትሒዛ። ከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ኽትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና አሎ፡ ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፡ በልዎ። መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ እዚ ኢሎም ፈተንዎ። የሱስ ከኣ ደኒኑ በጻብዑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ። ደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉ፡ ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ፡ በሎም። ከም ብሓድሽ ከኣ ደኒኑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ። ንሳቶም ግና እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሕሊናኦም ተረትዑ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕሮት፡ ኵሎም በብሓደ ወጹ። የሱስ ምስታ ኣብ ማእከል ደው ኢላ ዘላ ሰበይቲ በይኑ ተረፈ። የሱስ ከኣ ቅንዕ ኢሉ ብዘይ እታ ሰበይቲ ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ምስ ረአየ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ አለዉ፡ ዝፈርደኪዶ የልቦን፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ሓደ እኳ፡ ጐይታይ፡ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፡ ኪዲ እሞ ደጊም ኣይትበድሊ፡ በላ።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Context