Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

protecting family


1ይ ጢሞቴዎስ 5:8 | 25 Helpful votes

ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 91:1-16 | 18 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄርጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮእከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካንስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒከናግፎንስመይ ስለ ዝፈለጦከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context
ሉቃስ 10:19 | 16 Helpful votes

እንሆተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ጸላእን ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም አሎኹ፡ ዚጐድኣኩም ከኣ የልቦን

Translation | Context
ምሳሌ 4:10-15 | 7 Helpful votes

ወደየስማዕቃለይ ድማ ተቐበልዓመታት ዕድሜኻውን ኪበዝሕ እዩ። ብጐደና ጥበብ መሀርኩኻብመገዲ ቕንዕና መራሕኩኻከትከይድ ከሎኻ፡ ስጕምትኻ ኣይኪሐጽርን፡ እንተ ጐየኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢካ። ህይወትካ እያ እሞ፡ ንተግሳጽ ሐዛኣይትሕደጋሐልዋውን፡ ናብ መገዲ ረሲኣን ኣይትእቶብጐደና እቶም እኩያት ከኣ ኣይትኺድ። ካብኣ ርሐቕብእኣ ኣይትሕለፍኣግልሰላክንየዋ ኺድ

Translation | Context
መዝሙር 35:1-28 | 7 Helpful votes

እግዚኣብሄር፣ ነቶም ዚበአሱኒ ተብአሶም፣ ነቶም ዚዋግኡኒ ውግኣዮምዋልታን ገለብን ሐዝ እሞ፣ ንምርዳኤይ ተንስእኵናት ኣምበጥብጥመገዲ ሰጐጕተይውን ዕጾንነፍሰይምድሓንኪ ኣነ እየ፣ በላንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይነውሩንጥፍኣተይ ዚሐስቡ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን። ከምቲ ኣብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ ብቝቡቝ ይኹኑ፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ የባርሮም። ብዘይ ምኽንያት መፈንጠራኦም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ፣ ብዘይ ምኽንያት ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፣ መገዶም ጸልማትን መንደልህጾን ትኹን፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ይስጐጎምብድንገት ጥፍኣት ይምጽኣዮ፣ እታ ዝሰወራ መፈንጠራኡ ትሐዞንጥፍኣቱ ናብኣ ይውደቕነፍሰይ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ኪብላ፣ ብምድሓኑውን ክትሕጐስ እያ። ኣዕጽምተይ ኵለን፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ንመስኪን ካብቲ ዚሕይሎንመስኪንን ድኻን ካብቲ ዚብዝብዞ ዜናግፍ፣ ንኣኻ ዚመስልከ መን አሎ፧ ኪብላ እየን። ሓሰውቲ ምስክር ተንሲኦምዘይፈለጥክዎ ነገር ይሐቱኒ፣ ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ ይፈድዮኒነፍሰይ ዘኽቲማ አላ። ኣነስ፣ እንተ ሐመሙከሊ ተኸደንኩንነፍሰይ ብጾም ቀጻዕክዋ፣ ርእሰይ ኣድኒነ ጸሌኹፈታውየይን ሓወይን ከም ዝነበረ ገይረ ተመላለስኩብወላዲቱ ኸም ዚበኪ ደኒነ ሐዘንኩ። እንተ ሐንከስኩ ግና፣ ሐቢሮም ባህ በሎም፣ ክፉኣት ሐበሩለይኣይፈለጥኩን ከኣ፣ ቀደዱኒ ኣይሓደጉንንውን፣ ምስቶም ግቡዛት ዋዘኛታት ኰይኖም፣ ኣስናኖም ሐርቀሙለይጐይታየ፣ ክሳዕ መአዝከ ነዚ ኽትጥምቶ ኢኻ፧ ንነፍሰይ ካብ ጥፍኣቶም፣ ነታ ቐንደይ ካብ ኣናብስ ኣናግፋ። ኣብ ዓብዪ ማሕበር ኤመስግነካ፣ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝቢ እውድሰካ። ነቶም ብኸምኡ ዚጻረሩኒ ብኣይ ኣይተሐጕሶም፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒውን በዒንቶም ኣይጣቐሱለይሰላም ኣይዛረቡን እዮም እሞ፣ ነቶም ርጉኣት እታ ሃገርሲ ጥልመት ይምህዙሎም አለዉ። ኣፎም ናባይ ሃህ ኣቢሎም፣ ኣሰይ ኣሰይ፣ ዓይንና ረአየቶይብሉ አለዉ። ዎ እግዚኣብሄርርኢኻዮ ስቕ ኣይትበል፣ ጐይታየ፣ ካባይ ኣይትርሓቕ። ዎ ኣምላኸይ ጐይታይውንንመሰለይ ንቓሕንነገረይ ድማ ተንስእ። ዎ እግዚኣብሄርኣምላኸይ፣ ከም ጽድቅኻ በይነለይ፣ ብአይ ድማ ኣይተሐጕሶምብልቦምኣሰይድሌትና ዀነ፣ ኣይበሉወሐጥናዮኣይበሉ። ነቶም ብጸገመይ ዚሕጐሱ ዅሎም ኣሕቢርካ ኣሕፍሮምን ኣነውሮምን፣ እቶም ዚዕበዩለይ ውርደትን ነውርን ይልበሱ። እቶም ንጽድቀይ ዚፈትዉ እልል ይበሉን ይተሐጐሱንኵሉ ጊዜውን፣ ናይ ባርያኡ ሰላም ዚፈቱ ጐይታ ዓብዪ እዩ፣ ይበሉ። መልሓሰይ ድማ ጽድቅኻ፣ ምሉእ መዓልቲውን ምስጋናኻ ኽትነግር እያ።

Translation | Context
ምሳሌ 14:26 | 5 Helpful votes

ጽኑዕ እምንቶ ኣብ ምፍራህ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንደቁ ኸኣ ጸግዒ ይዀኖም።

Translation | Context
መዝሙር 146:9 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንስደተኛታት የዕቊቦም፣ እግዚኣብሄር ንዘኽታምን መበለትን ይአልዮምንመገዲ ረሲኣን ግና ይጠዋውያ

Translation | Context
ኤፌሶን 3:14-20 | 5 Helpful votes

ምእንትዚውን ናብቲ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ወለዶታት ካብኡ ዚስመ ኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ አሎኹ። ብመንፈሱ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም እጽሊ አሎኹ። ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድር፡ ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምንምስ ኵሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ክትክእሉ፡ እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ፡ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ፡ እጽሊ አሎኹ። ግናኸ ከምቲ ኣባና ዚገብር ሓይሊካብቲ ንሕና እንልምኖን እንሐስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚከኣሎ

Translation | Context
ገላትያ 1:10 | 4 Helpful votes

ሕጂኸ ንስብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ፡ ወይስ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ፡ ገና ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝብልሲ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ።

Translation | Context