Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

proud people


ያእቆብ 4:6 | 29 Helpful votes

ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮምንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:5 | 13 Helpful votes

ኣቱም መንእሰይከምኡ ነቶም ዚዐብዩኹም ተገዝእዎምኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶምንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡትሕትና ተዐጠቑ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 2:11 | 10 Helpful votes

እተን ዕቡያት ኣዒንቲ ሰብ ለጠቕ ኪብላ እየን። ትዕቢት ሰባት ከኣ ኪዋረድ እዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ኪብል እዩ።

Translation | Context
ፊልጲ 2:4 | 7 Helpful votes

ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት

Translation | Context
ፊልጲ 2:3 | 7 Helpful votes

ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:1-2 | 6 Helpful votes

ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩምብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።

Translation | Context
መዝሙር 119:21 | 6 Helpful votes

ነቶም ትዕቢተኛታት፣ ነቶም ካብ ትእዛዛትካ ዜግልሱ ርጉማት ገናሕካ

Translation | Context
ሉቃስ 4:1-44 | 4 Helpful votes

የሱስ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኻብ ዮርዳኖስ ተመልሰብመንፈስ ከኣ ናብ በረኻ ተመርሔብድያብሎስ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ተፈተነበተን መዓልትታት እቲኣተን ገለ እኳ ኣይበልዔንንሳተን ምስ ተወድኣጠመየድያብሎስ ድማ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ እምኒ እንጌራ ኪኸውን ኣዝዝበሎየሱስ ከኣ፡ ሰብ ብዅሉ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርንጽሑፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። ድማ ድያብሎስ ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ መንግስትታት ኵላ ዓለም ኣርኣዮ። ሽዑ ድያብሎስ፥ እዚ ስልጣን እዝን ብዘሎ ኽብረተንን ንኣይ ተውሂቡኒ እዩ እሞ፡ ኣነ ንዝደሌኹ እህቦ፡ ንኣኻውን ክህበካ እየ፡ ስለዚ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እንተ ሰገድካኵሉ ናትካ ኪኸውን እዩ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ኸኣ ኣምልኽጽሑፍ እዩ እሞ፡ ካባይ ርሐቕሰይጣንኢሉ መለሰሉ። ናብ የሩሳሌም ወሰዶ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ ኸኣ፥ ንመላእኽቱ ኺሕልዉኻ ይእዝዘልካእግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ ከኣ በእዳዎም የልዕሉኻጽሑፍ እዩ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስካብዚ ንታሕቲ ተደርበበሎየሱስ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ብሁል እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ድያብሎስ ፈተናኡ ዘበለ ወድኤንጊዜኡ ሐደጎየሱስ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ናብ ገሊላ ተመልሰወሪኡ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጐደቦኡ ዘሎ ዅሉ ዓድታት ተሰምዔ። ንሱ ኸኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሃረኵሎምውን ይንእድዎ ነበሩ። ናብታ ዝዓበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወኬንብብውን ተንስኤመጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሃብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ ኸኣ፡ እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒመንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ። ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ ኸኣ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ። ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዅሎም ድማ ኣዒንቶም ናብኡ ይጥምታ ነበራ። ሽዑ፥ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመኪብሎም ጀመረኵሎም ከኣ መስከሩሉበቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋ ድማ ይግረሙ ነበሩ፥ እዝስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧ ከኣ ይብሉ ነበሩ። ንሱ ድማ፥ ብርግጽ እዚ ምስላ እዚ፥ ፈዋሳይ ንርእስኻ ፈውስ፡ እቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝገበርካዮ ኸም ዝሰማዕናኣብዚ ኣብ ዓድኻውን ከምኡ ግበርትብሉኒ አሎኹም፡ በሎምበለ ኸኣ፥ ነብዪ ኣብ ዓዱ ከቶ ኸም ዘይከብርብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፥ ብዘመን ኤልያስ እቲ ሰማይ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን እተዐጽወሉ፡ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ጥሜት ዝዀነሉ ወርሓት፡ ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ነይረንኤልያስ ከኣ ናብ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እምበር፡ ናብ ሓንቲ ኻባታተንሲ ኣይተላእከንብዘመን ነብዪ ኤልሳእውን ኣብ እስራኤል ብዙሓት ለምጻማት ነይሮምንእማን ሶርያዊ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ካባታቶምሲ ሓደ እኳ ኣይነጽሄን። ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዀሎም እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ኰረዩተንሲኦም ካብ ዓዲ ናብ ወጻኢ ኣውጽእዎኬጽድፍዎ ኸኣ ናብ ገምገም እታ ዓዶም ተሰሪሓትሉ ዘላ ኸረን ወሰድዎ። ንሱ ግና ብማእከሎም ሐሊፉ ኸደ። ድሕርዚ ናብ ቅፍርናሆም ከተማ ገሊላ ወረደብሰንበትውን ይምህሮም ነበረ። ዘረባኡ ብስልጣን ስለ ዝነበረ ድማ፡ ብምህሮኡ ተገረሙ። ኣብታ ቤት ጸሎት ከኣ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ነበረብዓብዪ ድምጺ ኸኣ፥ ኣየ፡ የሱስ ናዝራዊምሳኻ እንታይ አሎናከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ አሎኹ፡ እናበለ ጨደረ። የሱስ ከኣ፥ ስቕ በል ካብኡውን ውጻእኢሉ ገንሖ። እቲ ጋኔን ድማ ኣብ ማእከሎም ደርበዮ፡ ገለ እኳ ኸይጐድኦ ኸኣ ካብኡ ወጸኵሎም ሰምበዱ፡ ንሓድሕዶም ከኣ፥ እዚ ነገርዚስ እንታይ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብሓይልን ስልጣንን ይእዝዞም እሞ፡ ይወጹእናበሉ ተዛራረቡወሪኡ ድማ ናብተን ኣብ ከባቢኡ ዘለዋ ዅለን ጐደቦታት ወጸካብ ቤት ጸሎት ተንሲኡ፡ ናብ ቤት ስምኦን ኣተወሓማት ስምኦን ከኣ ብብርቱዕ ዓሶ ሐሚማ ነበረት፡ ብዛእባኣውን ለመንዎ። ኣብ ልዕሊኣ ድንን ኢሉ ነቲ ዓሳኦ ገንሖ፡ እቲ ዓሶውን ሐደጋብኡብኡ ተንሲኣ ኣገልገለቶምጸሓይ ክትዐርብ ከላ ኸኣ፡ በበይኑ ዝዀነ ሕማም ዘለዎም ኵሎም ሕሙማት ናብኡ ኣምጽኡ። ንሱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኢዱ ኣንቢሩ ኣሕወዮምኣጋንንቲውን፥ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉ እናጨደሩን ካብ ብዙሓት ይወጹ ነበሩ። ይገንሖም ከኣ ነበረ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ ድማ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን። ምስ ወግሔ ድማ፡ ወጺኡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸደ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ይደልይዎ ነበሩ፡ ናብኡ መጺኦምውን ካባታቶም ከይኸይድ ሐዝዎ። ንሱ ግና፥ ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብክለን ይግብኣኒ እዩ፡ በሎም። ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ገሊላ ኸኣ ይሰብኽ ነበረ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:19-20 | 4 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 4:7 | 4 Helpful votes

ካብ ካልኦት ዘብለጸካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ አሎካ፧ ተቐቢልካ ኻብ እትኸውን ግና፡ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትኽበር

Translation | Context
ኤፌሶን 4:26 | 3 Helpful votes

ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም

Translation | Context
ሉቃስ 1:51 | 3 Helpful votes

ሓያሊ ብቕልጽሙ ገበረንዅሩዓት ብሓሳብ ልቦም ዘረዎም

Translation | Context