Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all6 bible verses about
ኪድ እሞ፡ ኣብ ሱሳን እተረኸቡ ኹሎም ኣይሁድ ኣኪብካ ኽሳዕ ሰለስተ መዓልቲ፡ ለይትን መዓልትን ከይበልካዕኩም ከይሰቴኹም ንኣይ ጹመለይ፡ ኣነ ድማ ምስ ኣግራደይ ከምኡ ኽጸውም እየ። ሽዑ፡ ከም ሕጊ እኳ ዘይኮነ ኽነሱ፡ ናብ ንጉስ ክአቱ እየ፡ እንተ ጠፋእኩ እጥፋእ።
Translation | Contextንንጉስ ሃማንን ከአ ኪሰትዩ ናብ ንግስቲ ኣስቴር መጹ። በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ወይኒ ኺሰትዩ ኸለው ድማ ንጉስ ንኣስቴር መሊሱ፡ ዎ ንግስቲ ኣስቴር፡ ልማኖኺ እንታይ እዩ ኪወሀበኪ እዩ፡ ድላይኪኸ እንታይ እዩ፧ ክሳዕ ፍርቂ መንግስቲ እኳ እንተ ኾነ፡ ይኹነልኪ እዩ፡ በላ። ሽዑ ንግስቲ ኣስቴር መሊሳ፡ ዎ ንጉስ ኣብ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበ፡ ንጉስ ከአ እንተ ፈትዩ፡ ህይወተይ ብልማኖይ ህዝበይ ከአ ብድላየይ ይወሀበኒ። ኣነን ህዝበይን ንምጥፋእን ንምሕራድን ንምድምሳስን ተሸጥና። ንባርነትን ንግርድነትን ተሸኢጥና እንተ ንኸውንሲ፡ ስቕ ምበለኩ። ሕጂ ግና እቲ ጸላኢ እቲ ንንጉስ ዚገብሮ ጉድኣት ኪጣጣእ ኣይኽእልን እዩ ብለት። ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንንግስቲ ኣስቴር፡ እቲ ነዚ ኺገብር ልቡ ዝመልኤ መን እዩ፡ ንሱስ ኣበይ አሎ፡ በላ። ኣስቴር ከአ፡ እቲ ተጻራርን ጸላእንሲ እዚ ሕሱም ሃማን እዩ፡ በለት። ሽዑ ሃማን ኣብ ቅድሚ ንጉስን ንግስትን ራዕራዕ በለ። ንጉስ ካብቲ ወይኒ ዚሰትየሉ ዝነበረ ብቑጥዓ ተንሲኡ፡ ናብ ኣታኽልቲ እቲ ኣደራሽ ከደ። ሃማን ግና፡ ካብ ንጉስ መከራ ኸም እተመደበሉ ርእዩ ነበረ እሞ፡ ህይወቱ ኽትምሕሮ ንንግስቲ ኣስቴር ኪልምን ደው በለ። እቲ ንጉስ ከአ ኻብቲ ኣታኽልቲ ኣደራሽ ናብቲ ወይኒ ዚሰትዩሉ ዝነበሩ ቤት ምስ ተመልሰ፡ ሃማን ናብ ልዕሊ እቲ ኣስቴር ዘላቶ ዓራት ወዲቑ ነበረ። ሽዑ እቲ ንጉስ፡ ድማዶ ኣብ ቤተይ ኣብ ቅድመይ ንንግስቲ ኽዕምጻ ደልዩ በለ። እዚ ቓል እዚ ኻብ ኣፍ ንጉስ ምስ ወጸ፡ ንሃማን ገጹ ሸፈንዎ። ሓርቦና፡ ሓደ ኻብቶም ስሉባት ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ ሃማን ንማርዶካይ፡ ነቲ ንንጉስ ጽቡቕ እተዛረበሉ፡ ኢሉ ዘዳለዎ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ ጉንዲ፡ እንሆ፡ ኣብ ቤት ሃማን ደው ኢሉ አሎ፡ በለ። ንጉስ ከአ፡ ንእኡ ናብኡ ስቐልዎ በለ። ከምዚ ንሃማን ኣብቲ ንማርዶካይ ኢሉ ዘዳለዎ ጉንዲ ሰቐልዎ። ሽዑ ቑጣ ንጉስ ዘሐለ።
Translation | Contextሽዑ ንግስቲ ኣስቴር መሊሳ፡ ዎ ንጉስ ኣብ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበ፡ ንጉስ ከአ እንተ ፈትዩ፡ ህይወተይ ብልማኖይ ህዝበይ ከአ ብድላየይ ይወሀበኒ።
Translation | Contextበታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ቤት ሃማን እቲ ጸላእ ኣይሁድ ንንግስቲ ኣስቴር ሀባ። ኣስቴር ንሱ ንእኣ እንታይ ምዃኑ ነገረቶ እሞ፡ ማርዶካይ ናብ ቅድሚ ንጉስ አተወ። ንጉስ ድማ ነቲ ኻብ ሃማን ዝወሰዶ ቐልቤቱ ኣውጺኡ ንማርካዶይ ሀቦ። ኣስቴር ድማ ንማርዶካይ ኣብ ልዕሊ ቤት ሃማን ሸመቶ። ኣስቴር ድማ ከም ብሓድሽ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ተዛረበት፡ ክፍኣት ሃማን ኣጋጋዊ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ እተጣበቦ ጥበቡ ምእንቲ ኼፍርስ ከአ፡ ኣብ እግሩ ወዲቓ እነበኸየት ለመነቶ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣስቴር እታ ዘንጊ ወርቂ ዘርግሓላ። ኣስቴር ከአ ተንሲኣ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው በለት፡ በለት ከአ፡ ንጉስ እንተ ደኣ ፈትዩስ፡ ኣብ ቅድሚኡውን ሞገስ እንተ ረኺበ፡ እዚ ነገር እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ጽቡቕ ኮይኑ እንተ ተራእየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ኣዒንቱ ፍትውቲ እንተ ኾይነ፡ ሃማን፡ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ ነቶም ኣብ ኵሉ ሃገራት ንጉስ ዘለዉ ኣይሁድ ኬጥፍእ አሚሙ ዝጸሐፈን ደብዳቤታት ኪልወጣ ይጸሓፍ። ኣነ ኸመይ ገይረ እቲ ናብ ህዝበይ ዚመጽእ መከራ ኽርኢ እኽእል፧ ከመይ ገይረስ ጥፍኣት ወለዶይ ክርኢ እኽእል፧ በለት። ሽዑ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንንግስቲ ኣስቴርን ንማርዶካይ ኣይሁዳውን፡ እንሆ ቤት ሃማን ንኣስቴር ሂበያ አሎኹ፡ ንእኡ ድማ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ስለ ዝዘርግሔ፡ ናብ ጉንዲ ሰቐልዎ። እቲ ብስም ንጉስ እተጻሕፈን ብቐለቤት ንጉስ እተሐትመን ኣይልወጥን እዩ እሞ፡ ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ብዛዕባ ኣይሁድ ንኣኻትኩም ቅኑዕ ኮይኑ እተራእየኩም ብስም ንጉስ ጽሐፉ፡ ብቐለቤት ንጉስ ከአ ሕተምዎ በለ። በታ ጊዜ እቲኣ ብሳልሰይቲ ወርሒ፡ ንሳ ኸኣ ወርሒ ሲዋን፡ ብመበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ እቶም ጸሓፍቲ ንጉስ ተጸውዑ። ከምቲ ማርዶካይ ዝአዘዞ ዅሉ ዘረባ፡ ናይ ኣይሁድን ናብ ሹማምትን ናብ ገዛእትን ናብቶም ሓላቑ ሃገራትን፡ ካብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ፡ ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ሃገር፡ በብሃገር ከከም ኣጸሓሕፋኡ፡ ሄህዝቢ ኸኣ በብዘረባኡ፡ ንኣይሁድ ድማ ከም ኣጸሓሕፍኦምን ከም ዘረባኦምን ጸሐፈሎም። ብስም ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከአ ጸሐፎ፡ በቀለቤት ንጉስ ድማ ሐተሞ። ነዚ መልእኽቲውን ኣብ ፈጣን ፈረስን ኣብ ሰጋራት ኣባቕልን ኣብ ባዝራ ፈረስን እተወጥሑ ገይሩ ሰደዶ። ኣብኡ እቲ ንጉስ ነቶም ኣብ ኩለን ከተማታት ዘለዉ ኣይሁድ ኪእከቡ እሞ ንህይወቶም ኪከላኸሉላ፡ ነቶም ሓደጋ ዚወድቅዎም ናይ ኵሉ ህዝብን ሃገርን ሰራዊት ምስናይ ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ኬጥፍእዎምን ኪቐትልዎምን ኪድምስስዎምን ገንዘቦም ኪዘምቱን ፈቐደሎም። ብሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ ኩለን ሃገራት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ በመብል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር እያ፡ ብመበል ዓሰርተው ሰለስተ መዓልቲ። ኣይሁድ ከአ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንጸላእቶም ሕነ ኺፈድዩ ኺዳለውስ፡ ቅዳሕ እቲ ጽሕፈት ኣብ ኩለን ሃገራት ትእዛዝ ክወሀብ፡ ንኹሎም ህዝብታት ተነግረ። እቶም ኣፍራስን ኣባቕልን እተወጥሐ ፈጣናይ ልኡኻት ብትእዛዝ ንጉስ ብሃወኽ ወጹ፡ እቲ ትእዛዝ ድማ ኣብ ኣደራሽ ሱሳን ተወህበ። ማርዶካይ ድማ ሰማያውን ጻዕዳን ልብሰ መንግስቲ ተኸዲኑ፡ ዓብዩ ዘውዲ ወርቂ ኣብ ርእሱ ደፊኡ፡ ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ ቐይሕን ጻዕዳን ተወንዚፉ። ካብ ቅድሚ ንጉስ ወጸ። ከተማ ሱሳን ከአ እልል እነበለት ተሐጎሰት። ንኣይሁድ ብርሃንን ሓጐስን ደስታን ክብረትን ኮነ። ኣብ ኩለን ሃገራትን ኣብ ኩለን ከተማታትን ቃል ንጉስን ትእዛዙን ናብ ዝበጽሖ ዘበለ ቦታ ንኣይሁድ ሓጐስን ደስታን መብልዕን መስተን ጽቡቕ መዓልትን ኮነ። ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ ኸኣ፡ ፍርሃት ኣይሁድ ስለ ዝወደቖም፡ ብዙሓት ኣይሁድ ኮነ።
Translation | Contextማርዶካይ ከአ እተገብረ ዅሉ ነገር ምስ ፈለጠ፡ ማርዶካይ ክዳኑ ቐዲዱ ኽሊ ተኸድነ፡ ኣብ ርእሱውን ሓሙኹሽቲ ነስነሰ፡ ናብ ማእከል እታ ኸተማ ወጺኡ ድማ ብብርቱዕን መሪርን ኣውያት ኣእወየ። ክሊ ተኸዲንካ ብደገ ንጉስ ምእትው ኣይግባእን ነበረ፡ ንሱ ግና ክሳዕ ቅድሚ ደገ ንጉስ መጸ። ኣብ ኩለን ሃገራት ቃል ንጉስን ትእዛዙን ኣብ ዝበጽሑ ዘበለ ቦታ ኸኣ፡ ኣብ ኣይሁድ ብርቱዕ ሓዘንን ጾምን ብኽያትን ዋይዋይታን ኮነ። ብዙሓት ከአ ከሊ ተኸዲኖምን ሓሙኹስቲ ነስኒሶምን ተቐሚጦም ነበሩ። ኣግራድ ኣስቴርን ስሉባን ድማ መጺኦም፡ እዚ ነገርዋ። ሽዑ እታ ንግስቲ ኣዝያ ጎሀየት፡ ንማርዶካይ ከአ ነቲ ኽሊ ኻብ ልዕሊኡ ኺወስዱ፡ ኢላ ክዳን ሰደደትሉ። ግናኸ ኣይተቐበላን። ሽዑ ኣስቴር ንሃታክ ጸውዓቶ፡ ንሱ ሓደ ኻብቶም ስሉባት፡ ንጉስ ኬገልግልዋ ኢሉ ዜቖመላ፡ ነበረ። እዚ እንታይ ምዃኑ ስለምንታይውን ከም ዝዀነ ኺፈልጥ ናብ ማርዶካይ፡ ኪኸይድ ኣዘዘቶ። ሃታክ ድማ ናብ ማርዶካይ፡ ናብታ ቕድሚ ደገ ንጉስ ዝነበረት ገፋሕ ቦታ ኣታ ኸተማ ወጸ። ማርዶካይ ከአ እቲ ዝመጾ ዅሉ ነገርን ፍቕዲ እቲ ገንዘብ፡ ሃማን ንኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ መዝገብ ንጉስ ኬእትዎ ኢሉ ዝመዘኖን ነገሮ። እቲ ንኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ ሱሳን እተሐገገ ናይቲ ትእዛዝ ሓደ ቕዳሕ ንኣስቴር ኬርእያን ኪነግራን ናብ ንጉስ ክትአቱ ኽእዝዛን፡ ንሳ ብዛዕባ ህዝባ ኽትልምኖ ድማ፡ ኪልምናን ኢሉ፡ ንእኡ ሀቦ። ሃታክ ድማ ናብ ኣስቴር መጺኡ፡ ዘረባ ማርዶካይ ነገራ። ሽዑ ኣስቴር ንሃታክ ንማርዶካይ ከምዚ ኢሉ ኺነግሮ ኣዘዘቶ፡ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ኾነት ከየተጸውዔ ኣብቲ ውሽጣዊ መካበብያ ናብ ንጉስ ዝአተወ ኺመውት ሕጊ ኸም ዘሎ፡ ኲሎም ገላው ንጉስን ህዝቢ ሃገራት ንጉስን ይፈልጡ እዮም፡ እቲ ንጉስ እታ ዘንጊ ወርቂ ዝዘርግሓሉ ጥራይ እዩ ዚድሕን። ኣነ ድማ ናብ ንጉስ ክአቱ ኻብ ዘይጽዋዕ፡ እዚኣ መበል ሰላሳ መዓልቲ እያ በለት። ዘረባ ኣስቴር ከአ ንማርዶካይ ነገርዎ። ማርዶካይ ድማ ንኣስቴር መሊሶም ከምዚ ኺብልዋ ለመኖም፡ ኣብ ቤት ንጉስ ስለ ዘሎኺ፡ ካብ ኲሎም ኣይሁድ ተፈሊኺ፡ ንበይንኺ እድሕን ኢልኪ ብልብኺ ኣይትሕሰቢ። በዚ ጊዜ እዚ ስቕ እንተ በልክስ፡ ንኣይሁድ ሓገዝን ሓራን ካብ ካልእ ቦታ ኺመጽእ እዩ፡ ንስኽን ቤት ኣቦኽን ግና ክትጠፍኢ ኢኹም። ንስኺ ኸምዚ ንዝበለ እዋን ናብ መንግስቲ መጺእኪ እንተ ኾንኪ፡ መን ይፈልጥ። ሽዑ ኣስቴር ንማርዶካይ ከምዚ ኢሎም ኪመልሱሉ ለመነቶም፡ ኪድ እሞ፡ ኣብ ሱሳን እተረኸቡ ኹሎም ኣይሁድ ኣኪብካ ኽሳዕ ሰለስተ መዓልቲ፡ ለይትን መዓልትን ከይበልካዕኩም ከይሰቴኹም ንኣይ ጹመለይ፡ ኣነ ድማ ምስ ኣግራደይ ከምኡ ኽጸውም እየ። ሽዑ፡ ከም ሕጊ እኳ ዘይኮነ ኽነሱ፡ ናብ ንጉስ ክአቱ እየ፡ እንተ ጠፋእኩ እጥፋእ። ማርዶካይ ከአ ኸደ፡ ከምቲ ዅሉ ኣስቴር ዝአዘዘቶ ገበረ።
Translation | Contextኮነ ኸኣ፡ ብዝመን ኣሓሽዌሮስ፡- እዚ ኣሓሽዌሮስ እዚ፡ እቲ ኻብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ሃገር ዝገዝኤ እዩ። - በቲ ዘመን እቲ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኣብቲ ኣብ ኣደራሽ ሱሳን ዝነበረ ዝፋን መንግስቱ ኾፍ ምስ በለ፡ ብሳልሰይቲ ዓመት መንግስቱ ንኹሎም ሹማምቲ ንገላውኡን ንሰራዊት ፋርስን ሜዶንን ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ሹማምቲ ሃገራትን ክቡራቶምን ዓብዩ ምሳሕ ገበረሎም። ሽዑ ሃብቲ እቲ ኽቡር መንግስቱን ክብረት እቲ ብሉጽ ግርማኡን ንብዙሕ መዓልቲ፡ ሚእትን ሰማንያን መዓልቲ ኣርአዮም። እዘን መዓልትታት እዚኤን ምስ ሐለፋ፡ እቲ ንጉስ ነቶም ኣብ ኣዳራሽ ሱሳን ዝነበሩ ህዝቢ ዅላቶም፡ ካብ ዓብዩ ኽሳዕ ንእሽቶ ኣብ ማኣከል መካበብያ ኣታኽልቲ ቤት ንጉስ ሾብዓተ መዓልቲ ምሳሕ ገበረ። ጻዕዳን ሓምላይን ሰማያውን መጋረጃታት፡ ብጻዕዳን ቀይሕን ገመድ ሃሪ ተአሲሩ፡ ብቐላብቲ ብሩር ተንጠልጢሉ፡ ኣብ ልዕሊ ኣዕኑድ እምነ በረድ ተዘርጊሒ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ብኣልባስጥሮስን ብጻዕዳ እምነ በረድን ብሉልን ብጸሊም እምነ በረድን እተኸድነ ምድሪ ቤት፡ ኣብኡ መናብር ወርቅን ብሩርን ነበረ። እቲ መስቴታት ድማ ብኣቓሑ ወርቂ ኣቕረቡ፡ እቲ ኣቓሑ ኸኣ በብዓየነቱ ነበረ። ከም መጠን ልግሲ እቲ ንጉስ ከአ እቲ ወይኒ መንግስቲ ብዙሕ ነበረ። ንጉስ ከአ ንኹሎም እቶም መዃንንቲ ቤቱ ነፍሲ ወከፍ ከከም ድሌቱ ደኣ ኺገብሩ እምበር፡ ንሓደ እኳ ግዲ ኸይብልዎ ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ እቲ ምስታይ ከም እቲ ሕጊ ነበረ። እታ ንግስቲ ዋሽቲ ድማ ኣብ ቤት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ነንስቲ ምሳሕ ገበረት። ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ንጉስ ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎ፡ ንመሁማን፡ ቢዝታ፡ ሓርቦና፡ ቢግታ፡ ኣባግታን ዜታርን ካርካስን እዞም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሐሽዌሮስ ዜገሉ ሾብዓተ ስሉባቱ፡ ንግስቲ ዋሽጢ፡ መልክዔኛ ነበረት እሞ፡ መልክዓ ንህዝብን ንሿምማትን ከተርኢ፡ ዘውዲ ንጉስ ደፊኣ ናብ ቅድሚ ንጉስ ኬምጽእዋ አዘዞም። ንግስቲ ዋሽቲ ግና በቲ እቶም ስሉባት ዝነገርዋ ትእዛዝ ንጉስ ምምጻእ ኣበየት። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዝዩ ኾረየ፡ ኩራኡ ኸኣ ነደደ። ሽዑ እቲ ንጉስ ነቶም ናይ ዘመናት ነገር ዚፈልጡ ጠባቢባን ተዛረቦም፡ - ናይ ንጉስ ነገርሲ ኣብ ቅድሚ ኹሎም ሕግን ፍርድን ዚፈልጡ ኸምዚ ይግበር ነይሩ እዩ። እቶም ናብ ጥቓኡ ዚቕርቡ ዝነበሩ ኸኣ፡ ካርሽና፡ ሴታር፡ ኣድማታ፡ ተርሺሽ፡ ሜረስ፡ ማርስና፡ ምውካን፡ እቶም ገጽ ንጉስ ዚርእዩ፡ ኣብታ መንግስቲ ኣብ ቅድሚት ዚቕመጡ ዝነበሩ ሾብዓተ ሹማምቲ ፋርስን ሚዶንን እዮም። ንንግስቲ ዋሽቲ፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ በቶም ስሉባቱ ገይሩ ዛአዘዛ ስለ ዘይገብረት፡ ከም መጠን ሕጊ እንታይ ይገበር፡ በሎም። መሙካን ከአ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ሹማምትን፡ ንግስቲ ዋሽቲ ንሓለቓታትን ኣብ ግዝኣት ንጉስ ኣሔሽዌሮስ ንዘለዉ ዅላቶም ህዝብታትን እምበር፡ ንንጉስ ጥራይ ኣይኮነትን ዝበደለት በለ። እዚ ንግስቲ ዝገበረቶ ነገር ናብ ኩለን ኣንስቲ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ሰባኡተን ኣብ ቅድሚኤን ንዒቐን፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንንግስቲ ዋሽቲ ናብኡ ኼምጽእዋ አዘዘ፡ ግናኸ ኣይመጸትን፡ ኪብላ እየን። ሎሚ ኸኣ ወዘራርዝ ፋስን ሜዶንን ንግስቲ ዝገበረቶ ዘረባ ምስ ሰምዓ፡ ንዅላቶም ሹማምቲ ንጉስ ከምኡ ኺብላኦም እየን እሞ፡ ብዙሕ ንዕቀትን ኩራን ኪኸውን እዩ። ንጉስ ኣንተ ደኣ ፈትዩስ ሓደ ንጉሳዊ ትእዛዝ ካብኡ ይውጻእ፡ ከይፈረሰ ከአ፡ ኣብ ሕጊ ፋርስን ሜዶንን ይጸሓፍ። ደጊም ዋሽቲ ናብ ቅድሚ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኣይትእቶ፡ ንጉስ ድማ መንግስታ ንኻልእ፡ ካብኣ ንትሓይስ ይሀብ። እቲ ኣዋጅ ንጉስ ኣብ ብዘላ እዛ ገፋሕ መንግስቱ ምስ ተሰምዔ ኸኣ፡ ኩላታን ኣንስቲ ንሰባኡተን፡ ካብ ዓቡዩ ኽሳዕ ንእሽቶ፡ ክብሪ ኺህባኦም እየን። እዚ ምኽሪ እዚ ድማ ንንጉስን ሹማምትን ባህ ኣበሎም እሞ፡ እቲ ንጉስ ከምቲ ዘረባ መሙካን ገበረ። ኣብ ኵሉን ሃገራት እቲ ንጉስ ድማ ነንሃገር ከም ስርዓት ኣጻሓሕፋኡ፡ ነንህዝቢ ኸኣ በብዘረባኡ ደብዳበ ሰደደ። በተን መልእኽትታት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቤቱ ይምለኽ፡ ብዘረባ ህዝቡ ኸኣ ይዛረብ።
Translation | Context