Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፣ ስለምንታይ ደኣ እትርሕቕ፣ ብዘመናት ጸበባስ እትኽወል፧ ረሲእ ብትምኒት ልቡ ይጀሀር፣ ንገፋዒ ይምርቖ፣ ንእግዚኣብሄር ይንዕቆ አሎ እሞ፣ ጥቑዕሲ ብትዕቢት ረሲእ ይስቀ አሎ፣ በቲ ዝሐሰብዎ ውዲት ይተሐንኰሉ። ኵሉ ሓሳባት እቲ ረሲእ፣ ኣምላኽ የልቦን እዩ፣ ብትዕቢቱ ኸኣ፣ ኣይምርምርን እዩ፣ ይብል አሎ። መገድታቱ ዅሉ ጊዜ ይፍድፍዳ፣ ፍርድታትካ ንእኡስ ኣዝዩ ልዕል ዝበለ እዩ። ንዅላቶም ተቓወምቱ ጺቕ ይብለሎም። ብልቡ፣ ከቶ ኣይክናወጽን፣ ካብ ወለዶ ንወለዶ ኽፉእ ኣይመጸንን እዩ፣ ይብል አሎ። ኣፉስ መርገምን ጥልመትን ዓመጻን መሊኡ እዩ፣ ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እከይን ጥፍኣትን አሎ። ኣብ ናይ ዓድታት ሸጓሹጕ የድቢ፣ ኣብ ሕቡእ ስፍራ ንንጹህ ይቐትሎ፣ ኣዒንቱ ንመስኪን ይስልያኦ። ከም ኣንበሳ ኣብ ዱሩ ኣብ መሕብኢኡ ይጻናቶ፣ ንመስኪን ኪዕምጥሮ የድቢ፣ ንመስኪን ብመጻወድያኡ ስሒቡ ይዕምጥሮ። ጕብጥ ኢሉ ይደንን፣ መሳኪን ከኣ ኣብ መንጎ ኣጽፋሩ ይወድቁ። ንሱ ብልቡ፣ ኣምላኽ ረሲዑ ገጹ ኸዊሉ፣ ከቶ ኣይኪርእዮን እዩ፣ ይብል። ዎ እግዚኣብሄር፣ ተንስእ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ኢድካ ኣልዕል፣ ንጥቑዓት ኣይትረስዓዮም። ስለምንታይ ረሲእ ንኣምላኽ ዚንዕቆ፣ ብልቡ ኸኣ፣ ኣይክትምርምርን ኢኻ፣ ዚብሎ፧ ንስኻ ርኢኻዮ፣ ኣብ ኢድካ ምእንቲ ኽትሕዞስ፣ ንጻዕርን ሓዘንን ተቕልበሉ ኢኻ እሞ፣ መስኪን ንነገሩ ናባኻ ይውፍዮ፣ ረዳእ ዘኽታም ንስኻ ኢኻ። ንቕልጽም ረሲእ ስበሮ፣ ንእኩይ፣ ረሲእንቱ ኽሳዕ ዘይትረኽባ፣ ኣጥፍኣዮ። እግዚኣብሄር ንዘለአለመ ኣለም ንጉስ እዩ። ኣህዛብ ካብ ምድሩ ጸኒቶም እዮም። ዎ እግዚኣብሄር፣ መሬታዊ ሰብ ንምግፋዕ ከይቕጽል፣ ንዘኽታምን ንጥቑዕን ክትብይነሎምሲ፣ ነእዛንካ ተድንነን፣ ንሃረርታ ትሑታት ትሰምዖ፣ ንልቦም ተበርትዖ ኢኻ።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ አሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምር፡ ንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፣ ንስካ ኸይሰማዕካንስ፣ ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፡ ኣነ፣ ዓመጽ፣ ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስካውን ኣየድሐንካን።
Translation | Contextእቲ ምስ ፈጣሪኡ ዚካታዕ ወይለኡ፡ ንሱ ገልዒ ኣብ ማእከል ኣጋልዕ መሬት እዩ። መሬትዶ ንስራሒኣ፡ እንታይ ትገብር፡ ትብሎ እያ፧ ግብርኻዶኸ፡ ኣእዳው የብሉን፡ ይብል እዩ፧ እቲ ነቦ፡ እንታይ ትወልድ ንስኻ፧ ንሰበይቲ ኸኣ፡ እንታይ ጽዒርኪ ትወልዲ፧ ዚብል ወይለኡ። እግዚኣብሄር፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን ፈጣሪኡን፡ ከምዚ ይብል፡ ብናይ እቲ ዚመጽእ ሕተቱኒ፡ ብዛዕባ ደቀይን ግብሪ ኢደይን ኣዝዙኒ። ንምድሪ ዝገበርኩ፡ ኣብኣ ዘሎ ሰብ ከኣ ዝፈጠርኩ ኣነ እየ፡ ንሰማያት ዝዘርግሓ ድማ ኣእዳወይ እየን፡ ንዂሎም ሰራዊቶምውን ኣዘዝኩ።
Translation | Contextሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሀቦውን እዩ። እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን።
Translation | Contextወይ ጋዶ፡ ኣታ ሰብ። ንኣምላኽ እትማጐቶኸ ንስኻ መን ኢኻ፧ ግቡርዶ ነቲ ገባሪኡ፡ ንምንታይ ከምዚ ጌርካ ሰራሕካኒ፧ ይብሎ እዩ፧
Translation | Contextሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ።
Translation | Contextዎ ኣምላኽ፣ ስለምንታይ ንሓዋሩ ደርቤኻና፧ ንምንታይከ ነድርኻ ኣብ ኣባጊዕ መጓሴኻ ይተክኽ፧ ነታ ኻብ ጥንቲ ዘጥሬኻያ፣ ዓሌት ርስትኻ ኽትከውን እተበጆኻያ ማሕበር፣ ነታ ዝሐደርካያ ኸረን ጽዮን ዘክር። ኣእጋርካ ናብታ ናይ ዘለአለም ዑና አልዕል፣ እቲ ጸላኢ ኣብ መቕደስ ንዅሉ ኣበላሽይዎ አሎ። ተጻረርትኻ ኣብ ማእከል ማሕበርካ ጨዲሮም፣ ንምልክቶም ምልክት ገይሮም ኣቘምዎ። ከምቶም ማሕጸ ኣብ ብርቱዕ ዱር ዜልዕሉ ሰብ ይመስሉ። ንብዘሎ ቕርጺ ህንጻታቱ ብማሕጸን ብመዶሻን ገይሮም ኣድቂቖምዎ። ንመቕደስካ ብሓዊ ኣንዲዶምዋ፣ ንማሕደር ስምካ ኽሳዕ መሰረታ ኣርኪሶምዋ እዮም። ብልቦም፣ ሐቢርና ነጥፍኣዮም፣ በሉ፣ ንዅለን ኣብታ ሃገር ዘለዋ ኣባይቲ ማሕበር ኣምላኽ ኣንዲዶምወን። ምልክትና ኣይንርእን፣ ነብዪ የሎን፣ ክሳዕ መአዝ ምዃኑ ዚፈልጥ የብልናን። ዎ ኣምላኽ፣ እቲ ተጻራሪ ኽሳዕ መኣዝ ኪጸርፍ፧ ጸላእስ ንሓዋሩ ስምካ ኺንዕቕ እዩ፧ ስለምንታይ ኢድካ፣ ነታ የማነይቲኻ፣ ንድሕሪት እትመልሳ፧ ካብ ትሽትሽካ ኣውጺእካ ኣጥፍኣዮም። ግናኸ እቲ ኣብ ማእከል ምድሪ ግብርታት ምድሓን ዚገብር ዘሎ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ንጉሰይ እዩ። ንስኻ ንባሕሪ ብሓይልኻ መቐልካዮ፣ ኣራእስ ገበላት ኣብ ማያት ጨፍለቕካ። ኣርእስቲ ሌዋታን ቀጥቂጥካ፣ ነቶም ኣብ በረኻ ዚነብሩ፣ ምግቢ ኪዀኖም፣ ሀብካዮም። ዓይኒ ማያትን ምንጭን ኣፈልፈልካ፣ ነቲ ዅሉ ጊዜ ዚውሕዝ ርባታት ኣንቀጽካዮ። መዓልቲ ናትካ እያ፣ ለይቲውን ናትካ እያ፣ ንብርሃንን ጸሓይን ገበርካየን። ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ፣ ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም። ጸላኢ ንእግዚኣብሄር ከም ዝጸርፎ፣ ዓሻ ህዝቢውን ንስምካ ከም ዝነዐቖ ዘክር። ነፍሲ ባሬቶኻ ንኣራዊት ኣይትሀብ፣ ህይወት መሳኺንካ ንሓዋሩ ኣይትረስዕ። እቲ ዘጸልመተ ቦታታት ምድሪ ብማሕደር ግፍዒ መሊኡ አሎ እሞ፣ ኪዳንካ ጠምት። እቲ ጥቑዕ ሐፊሩ ኣይመለስ፣ መስኪንን ድኻን ስምካ ይባርኹ። ዎ ኣምላኽ፣ ተንስእ፣ ነገርካ ግበር፣ ዓሻ ጽርፍ ከም ዚውዕለካ ዘክር። ድምጺ ተጻረርትኻ ኣይትረስዕ፣ ጭድርታ እቶም ዓለውትኻ ዅሉ ጊዜ ይለዐል አሎ።
Translation | Contextኣነ ግና ኣእጋረይ ሰንከልከል ንምባል፣ ስጕምተይ ንምንድልሃጽ ቀሪበ ነበርኩ። ራህዋ ረሲአን ምስ ርኤኹ፣ ንደፋራት ቀናእኩሎም፣ ክሳዕ ሞቶም ስቓይ የብሎምን፣ ስጋኦምውን ስቡሕ እዩ እሞ፣ ጸገማ መወትቲ የብሎምን፣ ከም ሰብውን ኣይተሰቀዩን።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱ። ብትእምርትታት ሰማይውን፡ ኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁ። ባህሊ ኣህዛብ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ኦም ካብ ዱር ይቘርጹ፡ ኢድ ጸራቢ ኸኣ ብምሳር ይጸርቦ። ብብሩርን ብወርቅን ይልብጥዎ፡ ሰንከልከል ከይብል ድማ ብሽንካርን ብሞደሻን የጋጥምዎ።
Translation | Context