Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

race


ገላትያ 3:28 | 21 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
ሮሜ 2:11 | 12 Helpful votes

ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 17:26 | 10 Helpful votes

ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም

Translation | Context
ሮሜ 10:12-13 | 8 Helpful votes

ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን።

Translation | Context
ያእቆብ 2:9 | 8 Helpful votes

እንተ ኣድሎኹም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ አሎኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 9:24 | 8 Helpful votes

ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ዂላቶም ከም ዚጐዩ፡ ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጒየዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 10:34-35 | 5 Helpful votes

ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 10:28 | 4 Helpful votes

ንኣይሁዳዊ ሰብኣይ ምስ ናይ ካልእ ህዝቢ ሰብ ኪሕወስ ወይስ ናይ ቤቱ ኺኣቱ ኸም ዘይግብኦ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ንኣይ ግና፡ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፍንፍን ወይስ ርኹስ እዩ ኸይብልኣምላኽ ኣርእዩኒ

Translation | Context
እብራውያን 12:1 | 4 Helpful votes

ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ

Translation | Context
ሚልክያስ 2:10 | 4 Helpful votes

ንዅላትናዶ ሓደ ኣቦ ኣይኰነን ዘሎና፡ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኰነን ዝፈጠረና፡ ስለምንታይ ደኣ ኪዳን ኣቦታትና እናርከስና ንሓድሕድና ንጣላለም

Translation | Context
ቈሎሴ 3:11 | 4 Helpful votes

ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውንግዝረትን ዘይግዝረትንባርባርን ስኪትንባርያን ጭዋን የልቦን

Translation | Context