Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all8 bible verses about
እያሱ ወዲ ነዌ ድማ ካብ ሽጢም ንኽልተ ሰብ፡ ኬድኩም ነታ ሃገርን ንያሪኮን ርኣዩ፡ ኢሉ ኺስልዮ ብሕቡእ ሰዶም። ንሳቶም ድማ ከይዶም፡ ኣብ ቤት ረሃብ ዝስማ ኣመንዝራ ሰበይቲ ኣተዉ፡ ኣብኣውን ሐደሩ። ንንጉስ ያሪኮ ኸኣ፡ እንሆ፡ ሰባት ካብ ደቂ እስራኤል ነዛ ሃገር ኪስልይዋ፡ ብለይቲ ናብዚ ኣትዮም አለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ። ንጉስ ያሪኮ ድማ፡ እዞም ናባኺ መጺኦም፡ ናብ ቤትኪ ዝአተዉ ሰባት ንዅላ ሃገር ኪስልዩ ዝመጹ እዮም እሞ፡ ኣውጽእዮም፡ ኢሉ ናብ ረሃብ ለኣኸ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ነቶም ክልተ ሰብ ወሲዳ ሐብኣቶም፡ በለት ድማ፡ እወ፡ ሰባትሲ አትዮምኒ ነይሮም፡ ካበይ ምዃኖም ግና ኣይፈለጥኩም። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ሰባት እቲኦም ደገ እትዕጸወላ ጊዜ ብጸልማት ወጹ፡ ናበይ ከም ዝኸዱ ኣይፈለጥኩን። ቀልጢፍኩም ደድሕሪኦም ስዐቡ እሞ ክትረኽብዎም ኢኹም። ንሳ ግና ናብ ናሕሲ ቤታ ኣደይባ፡ ኣብቲ ናሕሲ ተሰጢሑ ብዝነበረ ሓሰር እንጣጢዕ ሐብኣቶም። እቶም ሰባት ከኣ መገዲ ዮርዳኖስ ክሳዕ እቲ መሳገሪታት ደድሕሪኦም ሰዐቡ። እቶም ደድሕሪኦም ዚስዕቡ ምስ ወጹ ኸኣ፡ እቲ ደገ ተሸጐረ። ንሳቶም ገና ኸይደቀሱ፡ እታ ሰበይቲ ናብኦም ናብ ናሕሲ ደየበት። ነቶም ሰባት ከኣ በለቶም፡ እግዚኣብሄር እዛ ሃገር እዚኣ ኸም ዝሃበኩም ፍርሃትኩም ድማ ኣብ ልዕሌና ኸም ዝወደቐ፡ ዅሎም ኣብዛ ሃገር ዚነብሩ ኸኣ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዝመከኹ ፈለጥኩ። እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኽትወጹ ኸሎኹም፡ እግዚኣብሄር ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ከምዘንቀጾ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ዝነበሩ ኽልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ከኣ ዝገበርኩምዎ፡ ንሲሆንን ንዖግን ከም ዘጥፋእኩምዎም፡ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኣብ ታሕቲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ምስ ሰማዕናዮ፡ ልብና መኸከ፡ ኣብ ቅድሜኹም ድማ ትንፋስ ኣብ ሰብ ኣይቈመትን። ሕጂ ኸኣ በጃኹም፡ ኣነ ምሕረት ካብ ገበርኩልኩም፡ ንስኻትኩም ድማ ንቤት ኣቦይ ምሕረት ክትገብሩላ፡ ነቦይን ነደይን ነሕዋተይን ንኣሓተይን፡ ዘለዎም ኵሉ ድማ ብህይወቶም ክትሐድግዎም፡ ነፍሳትናውን ካብ ሞት ከተድሕኑ፡ ብእግዚኣብሄር ምሐሉለይ፡ ርግጽ ምልክት ከኣ ሀቡኒ። እቶም ሰባት ከኣ፡ እንገብሮ ዘሎና እንተ ዘይገለጽኩም፡ ኣብ ክንዳኹም ነፍስና ንሞት ነሕልፍ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር እዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ሀበና፡ ምሕረትን እምነትን ንገብረልኪ፡ በልዋ። ቤታ ኣብ ልዕሊ መንደቕ መካበብያ ነበረት፡ ንሳ ድማ ኣብ ልዕሊ መካበብያ ትነብር ነበረት እሞ፡ ገመድ ገይራ ብመስኰት ኣውረደቶም። እቶም ደለይቲ ኸይረኽቡኹምሲ፡ ንኸረን ኣቢልኩም ኪዱ፡ እቶም ደለይቲ ኽሳዕ ዚምለሱ ኸኣ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ተሐብኡ፡ ድሓር ድማ መገድኹም ኪዱ፡ በለቶም። እቶም ሰባት ከኣ በልዋ፡ ንሕና ኻብዚ ዘምሐልክና ማሕላ ንነጽህ፡ እንሆ፡ ንሕና ናብዛ ሃገር ክንኣቱ ከሎና፡ ነዚ ቐይሕ ገመድ እዚ ኣብቲ ብእኡ ዘውረክና መስኰት አንጠልጥልዮ። ነቦኽን ነዴኽን ነሕዋትክን ንዅሉ ቤት ኣቦኺውን ናባኺ ኣብ ቤት ኣክብዮም። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብ ማዕጾ ቤትኪ ንግዳም ዝወጸ ዘበለ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ፡ ንሕና ግና ንጹሃት ኢና። ንዝዀነ ኻብቶም ምሳኺ ኣብ ቤት ዘለዉ ኢድ እንተ ተንከዮ ኸኣ፡ ደሙ ኣብ ርእስና ይኹን። ተግባርና እንተ ገለጽኪ ድማ፡ ካብዚ ዘምሐልክና ማሕላ ንጹሃት ኢና። ንሳ ኸኣ፡ ከምቲ ዝበልኩምዎ ይኹን፡ ኢላ ሰደደቶም። ንሳቶምውን ከዱ። ነቲ ቐይሕ ገመድ ድማ ኣብቲ መስኰት ኣሰረቶ። ንሳቶም ከኣ ከዱ እሞ ናብቲ ኸረን በጽሑ፡ እቶም ደለይቲ ኽሳዕ ዚምለሱ ኸኣ፡ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ገበሩ። እቶም ደለይቲ ድማ ኣብ ኵሉ መገዲ ደለይዎም፡ ኣይረኸብዎምን ከኣ። እቶም ክልተ ሰባት ድማ ተመሊሶም፡ ካብቲ ኸረን ወረዱ፡ ተሳጊሮም ከኣ ናብ እያሱ ወዲ ነዌ መጹ። ዝረኸቦም ዘበለ ዅሉ ኸኣ ኣዛረብዎ። ንእያሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንብሃገራ ኣብ ኢድና ሂቡና እዩ እሞ፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅሎም ኣብ ቅድሜና መኸኹ፡ በልዎ።
Translation | Contextረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ እተቐበለቶም፡ ብእምነት ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍኤትን።
Translation | Contextከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፡ ብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶም፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧
Translation | Contextእዛ ኸተማ፡ ንሳን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ሕርሚ ትኹን። ረሃብ ኣመንዝራ ጥራይ ነቶም ዝሰደድናዮም ልኡኻት ስለ ዝሐብኣቶም፡ ንሳን ኣብ ቤት ምስኣ ዘለዉ ዅሎምን ብህይወት ይትረፉ።
Translation | Contextእቲም ኣጕባዝ፡ እቶም ሰለይቲ፡ ኣትዮም ንረሃብን ንቦኣን ነዲኣን ነሕዋታን ዘለዋ ዅሉን ኣውጽኡ፡ ንብዘሎ ዓሌታ ድማ ኣውጽኡ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር እስራኤል አቐመጥዎም።
Translation | Contextእያሱ ወዲ ነዌ ድማ ካብ ሽጢም ንኽልተ ሰብ፡ ኬድኩም ነታ ሃገርን ንያሪኮን ርኣዩ፡ ኢሉ ኺስልዮ ብሕቡእ ሰዶም። ንሳቶም ድማ ከይዶም፡ ኣብ ቤት ረሃብ ዝስማ ኣመንዝራ ሰበይቲ ኣተዉ፡ ኣብኣውን ሐደሩ።
Translation | Contextሰልሞን ካብ ራኬብ ንቦኣዝ ወለደ፡ ቦኣዝ ካብ ሩት ንእዮቤድ ወለደ፡ እዮቤድ ንእሴይ ወለደ።
Translation | Contextመጽሓፍ ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት፡ ወዲ ኣብርሃም። ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፡ ይስሃቅ ንያእቆብ ወለደ፡ ያእቆብ ንይሁዳን ንሕዋቱን ወለደ፡ ይሁዳ ኸኣ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ፡ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፡ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፡ ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፡ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፡ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፡ ሰልሞን ካብ ራኬብ ንቦኣዝ ወለደ፡ ቦኣዝ ካብ ሩት ንእዮቤድ ወለደ፡ እዮቤድ ንእሴይ ወለደ። እሴይ ንንጉስ ዳዊት ወለደ፡ ንጉስ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኡርያ ንሰሎሞን ወለደ። ሰሎሞን ንሮብኣም ወለደ። ሮብኣም ንኣብያ ወለደ፡ ኣብያ ንኣሳ ወለደ፡ ኣሳ ንእዮሳፋጥ ወለደ፡ እዮሳፋጥ ንእዮራም ወለደ፡ እዮራም ንኦዝያ ወለደ፡ ኦዝያ ንእዮኣታም ወለደ፡ እዮኣታም ንኣካዝ ወለደ፡ ኣካዝ ንህዝቅያስ ወለደ፡ ህዝቅያስ ንምናሴ ወለደ፡ ምናሴ ንኣሞን ወለደ፡ ኣሞን ንእዮስያስ ወለደ፡ እዮስያስ ከኣ ብዘመን ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያን ነሕዋቱን ወለደ። ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ ኢኮንያ ንሰላትኤል ወለደ፡ ሰላትኤል ንዘሩባቤል ወለደ፡ ዘርባቤል ንኣብዩድ ወለደ፡ ኣብዩድ ንኤልያቄም ወለደ፡ ኢልያቄም ንኣዛር ወለደ፡ ኣዛር ንሳዶቅ ወለደ፡ ሳዶቅ ንኣኪም ወለደ፡ ኣኪም ንኤልዩድ ወለደ፡ ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ፡ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ፡ ማታን ንያእቆብ ወለደ፡ ያእቆብ ንዮሴፍ ሕጹይ ማርያም ወለደ፡ ካብኣ ድማ እቲ ክርስቶስ ዚበሀል ዘሎ የሱስ ተወለደ። እምበኣርሲ ዅሉ ወለዶ ኻብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ፡ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሰርተ ኣርባዕተ ወለዶ፡ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ እዩ። ልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩ፡ ኣዲኡ ማርያምን ዮሴፍ ተሐጽያ ኸላ፡ ከይተራኸቡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት። ዮሴፍ ሕጹያ፡ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ብሕቡእ ኪሐድጋ ሓሰበ እምበር፡ ኪገልጻ ኣይፈተወን። ንሱ እዚ ኺሐስብ ከሎ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተራእዮ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፡ እቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ። ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፡ ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ። እዚ ዅሉ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ እተዛረቦ ኺፍጸም ኰነ፡ ከምዚ ዚብል፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጸንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፡ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፡ ትርጉሙ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ። ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ተንሲኡ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዞ ገበረ፡ ንማርያም ሕጽይቱ ወሰዳ። በዅሪ ወዳ ኽሳዕ እትወልድ ከኣ ኣይፈለጣን። ስሙ ድማ የሱስ ሰመዮ።
Translation | Context