Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ከም ብሓድሽ ድማ ጸሎት ጸለየ፡ ሰማይ ከኣ ዝናም ሀበ፡ ምድሪውን ፍሪኣ ኣብቈለት።
Translation | Contextኣነ ዝናምኩም ብጊዜኡ እህበኩም። ምድሪ ድማ እኽላ ኽትህብ እያ፡ ኣእዋም መሮር ከኣ ፍሬኤን ይህባ።
Translation | Contextብጊዜ ጽብሓት ካብ እግዚኣብሄር ዝናም ለምኑ፣ እቲ መባርቕ ዚገብር እግዚኣብሄር ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ሳዕሪ ኣብ ግራት ሰርቢ ዝናም ኬዝንመሉ እዩ።
Translation | Contextዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸይስተዮ፡ ከም ዜፍርን ከም ዜብቊልን ከኣ ከይገበሮ፡ ዘርኢ ንዘርኢ፡ ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሀቦ፡ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ፡
Translation | Contextኤልያስ ከኣ ንአከኣብ፡ ደሃይ ብርቱዕ ዝናም አሎ እሞ፡ ደዪብካ ብላዕን ስተን፡ በሎ። ሽዑ ኣከአብ ኪበልዕን ኪሰትን ደየበ። ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ፡ ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸኣ ገጹ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገበረ። ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ደዪብካ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱ፡ በሎ። ደዪቡ ኣማዕድዩ ኸኣ፡ ገለ እኳ የልቦን፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ሾብዓተ ሳዕ ተመላለሰ፡ በለ። ኰነ ድማ፡ በታ ሳብዐይቲ ጊዜ፡ እንሃ፡ ክንዲ ኢድ ሰብ ዝምንኣሳ ደበና ኻብ ባህሪ ትለዐል አላ፡ በለ። ንሱ ኸኣ በሎ፡ ደዪብካ ንኣከኣብ፡ ዝናም ከይዐግተካስ፡ ሰረገላኻ ጽዒንካ ውረድ፡ በሎ። ኰነ ድማ፡ ብኡብኡ እቲ ሰማይ በደበናን ብሸምቦባን ጸልመተ፡ ብርቱዕ ዝናም ከኣ ዀነ። ኣከኣብ ድማ ሰረገላኡ ተወጢሑ ናብ ይዝርኤል ከደ።
Translation | Contextከም ዝናም ናብ እተዐጽደ ሸኻ፣ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ጥሚቕ ኰይኑ ይወርድ።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፣ ክንፈልጦ ድማ ንስዐቦ። ምውጻኡ ኸም ወጋሕታ ርግጽ እዩ፣ ንሱ ኸም ዝናም፣ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ዝናም ጽብሓት ናባና ኺመጽእ እዩ።
Translation | Contextብልቦም ከኣ፡ ነቲ በብጊዜኡ ዝናም ጽድያን ቀውዕን ዚህበና፡ ምዱባት ሳምንትታት ቀውዒውን ዝሰርዓልና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንፍርሃዮ፡ ኣይበሉን።
Translation | Contextካብቶም ናይ ኣረማውያን ጣኦታትዶ ኼዝንም ዚከኣሎ አሎ እዩ፧ ወይስ ሰማይዶ እዩ ማይ ሽው ዜብል፧ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንስኻዶ ኣይኰንካን፧ እዚ ዂሉ ዝገበርካስ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ትጽቢትና ናባኻ እዩ።
Translation | Contextንኣኻ ስለ ዝበደሉ ሰማይ ምስ ተዐጽወ፡ ዝናም ከኣ እንተ ዘይዘነመ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ እንተ ጸለዩ፡ ንስምካውን እንተ ኣኽበሩ፡ ስለ ዘዋረድካዮም፡ ካብ ሓጢኣቶም እንተ ተመልሱ፡
Translation | Contextኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ፡ ዝናም ከይዘንም ከኣ ጸሎት ጸለየ እሞ፡ ሰለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ምድሪ ኣይዘነመን።
Translation | Contextምስናይዚ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሀበኩም ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሐደገን።
Translation | Contextንውርዕጭን ንነጠብጣብ ዝናምን ንብርቱዕ ጸፍዕን፡ ናብ ምድሪ ውረድ፡ ይብሎ።
Translation | Contextኪከውን ድማ እዩ፡ ገለ ኻብዞም ዓሌት ምድሪ ነቲ ንጉስ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኪሰግዱሉ፡ ናብ የሩሳሌም እንተ ዘይደየቡ፡ ኣብኦም ዝናም ኣይኪዘንምን እዩ።
Translation | Contextማይ ኣይሂ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ዘነመ። እቲ ማይ ከኣ በዝሔ፡ ነታ መርከብ ድማ ኣልዐላ ካብ ምድሪ ኸኣ ንላዕሊ ኽብ በለት። እቲ ማይ ድማ በርትዔ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኣዝዩ በዝሔ። እታ መርከብ ድማ ኣብ ልዕሊ ማይ ተጽባህልል ነበረት። እቲ ማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣዝዩ እናበርትዔ ኸደ፡ ኣብ ትሕቲ ብዘሎ ሰማይ ዝነበረ ዅሉ ነዋሕቲ ኣኽራን ከኣ ተጐልበበ። እቲ ማይ ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት ንላዕሊ ደየበ፡ እቲ ኣኽራን ከኣ ተጐልበበ። ሽዑ ኣብ ምድሪ ዚወሳወስ ስጋ ዘበለ ዅሉ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣራዊትን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኵሉ ለመምታን ኵሉ ሰብን ሞተ። ኣብ ንቑጽ ምድሪ ዝነበረ ዅሉ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ትንፋስ ህያው መንፈስ ዝነበሮ ሞተ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝነበረ ዅሉ ህያው ጠፍኤ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳን ለመምታን ኣዕዋፍ ሰማይ ካብ ምድሪ ጠፍኡ። ኖህ ጥራይ ምስቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ተረፈ። እቲ ማይ ድማ ኽሳዕ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኣብ ምድሪ በርትዔ።
Translation | Contextኣቱም ሰማያት፡ ካብ ላዕሊ ኣንጠብጥቡ፡ ደበናታት ከኣ ጽድቂ የዝንሙ። ምድሪ ትጨንዳሕ እሞ ምድሓን የፍርዩ፡ ጽድቂውን ኣሕቢራ ተብቊል። እዚ ዝፈጠርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
Translation | Contextንሰማይ ዝናም ከየውርድ እንተ ዐጾኽዎ፡ ነንበጣውን ንምድሪ ኺበልዓ እንተ ኣዘዝክዎ፡ ወይ ኣብ መንጎ ህዝበይ ፌራ እንተ ሰደድኩ፡
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ንኖህ፡ ንደቁ ድማ ምስኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም። እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ምሳኻትኩምን ብድሕሬኹም ድማ ምስ ዘርእኹምን ምስቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ፍጡር፡ ኣዕዋፍ፡ እንስሳ፡ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ኣራዊት ምድሪ ድማ፡ ምስቲ ኻብ መርከብ ዝወጸ ዅሉን ምስ ኵሉ ኣራዊት ምድርን ኪዳነይ ኤቕውም አሎኹ። ኪዳነይ ከኣ ምሳኻትኩም ኤቕውም አሎኹ፡ ድሕሪ ደጊም ስጋ ዘበለ ዅሉ ብማይ ኣይሂ ኣይጠፍእን፡ ንምድሪ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ድማ መሊሱ ኣይኸውንን። ኣምላኽ ከኣ በለ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ንዘለኣለም ዝገብሮ ኺዳን፡ ምልክቱ እዚ እዩ። ቀስተይ ኣብ ደበና ኤንብር አሎኹ፡ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ። ይኸውን ከኣ፡ ደበና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስ ዘደባኑ፡ ኣብቲ ደበና ድማ ቀስቲ ኺርኤ እዩ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ኵሉ ስጋ ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳነይ እዝክር። ደጊምሲ እቲ ንዅሉ ስጋ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐስቲ ድማ ኣብ ደበና ኪኸውን እዩ፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ፡ ኣብ ኵሉ ስጋ ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳን ዘለኣለም ምእንቲ ኽዝክር፡ ክርእዮ እየ። ኣምላኽ ድማ ንኖህ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ስጋ ዘቘምክዎ ኺዳን ምልክቱ እዚ እዩ በሎ።
Translation | Contextእቲ ህዝቢ ግና ብዙሕ እዩ፡ ጊዚኡ ጊዜ ዝናም እዩ እሞ ኣብ ግዳም ደው ክንብል ኣይንኽእልን። በዚ ነገር እዚ ኣዚና በዲልና ኢና እሞ፡ ዕዮኡ ድማ ናይ ሓደ ወይ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣይኮነን።
Translation | Context