Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ኰነ ኸኣ፡ ሙሴ ኢዱ ምስ ዜልዕል፡ እስራኤል ይስዕር ነበረ፡ ኢዱ ምስ ዜውርድ ድማ፡ ኣማሌቅ ይስዕር ነበረ።
Translation | Contextእዝራ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ዓብዩ ኣምላኽ ባረኾ። ኲሎም ህዝቢ ኸኣ ኣእዳዎም ኣልዒሎም፡ ኣሜን፡ ኣሜን፡ ኢሎም መለሱ። ተጎንቢሶም ድማ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱሉ።
Translation | Contextኰነ ኸኣ፡ ሰሎሞን ነዚ ናብ እግዚኣብሄር ዚጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ምህልላን እዚ ምስ ወድኤ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ብብርኩ ተንበርኪኹ ኣእዳዉ ንሰማይ ዘርጊሑሉ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ተንስኤ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ሰብኡት ብዘይ ኵራን ውልውልን ቅዱሳት ኣእዳው ኣልዒሎም፡ ኣብ ኵሉ ስፍራ ኪጽልዩ፡ እደሊ አሎኹ። ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ አሎኹ።
Translation | Contextነእዳወይ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ኣልዒለ፣ ናባኻ ኽምህለል ከሎኹ፣ ንድምጺ ጸሎተይ ስምዓዮ።
Translation | Contextብጊዜ መስዋእቲ ምሸት ከአ ምስ ቅዱድ ክዳነይ ባርኖሰይን ካብ ሐዘነየይ ተንሳእኩ። ብብርከይ ተንበርኪኸ ድማ፡ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዘርጋሕኩ።
Translation | Contextኣብ መመጀመርታ ሕልዋ ተንስኢ፡ ብለይቲ ጨድሪ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽ እግዚኣብሄር ልብኺ ኸም ማይ ከዐዊ። ስለ ነፍሳት እቶም ኣብ መኣዝን ኲሉ መገዲ ጠምዮም ዜሕለልዉ ሕጻናትኪ ኣእዳውኪ ናብኡ ኣልዕሊ።
Translation | Contextሰሎሞን ከኣ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቈይሙ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ማሕበር እስራኤል ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሔ።
Translation | Contextኢደይ ንሰማይ ኤልዕል እሞ፡ ኣነ ንዘለኣለም ህያው እየ፣ እብል።
Translation | Contextኣእዳወይ ድማ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕል፣ ስርዓታትካ ኸኣ ከስተንትን እየ።
Translation | Contextዝዀነ ሰብ ወይ ኲሉ ህዝብኻ እስራኤልን ነፍሲ ወከፍ ቊስሊ ልቢ እተፈለጦ፡ ዚጽልዩ ዂሉ ጸሎትን ኲሉ ምህልላን ኣእዳዉ ድማ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዚዝርግሕ፡
Translation | Contextድማ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቈይሙ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ማሕበር እስራኤል ኣእዳዉ ዘርግሔ። ሰሎሞንሲ ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ፡ ሓሙሽተ እመት ከኣ ዝምግፋሑ፡ ሰለስተ እመትውን ዝምብራኹ ናይ ኣስራዚ መበረኽ ተዛራቢ ሰሪሑ ነበረ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኣጻድ ከኣ ገበሮ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ደው በለ፡ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እቲ ማሕበር እስራኤል ከኣ ብብርኩ ተደቢሩ ኣአዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሔ።
Translation | Contextንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም።
Translation | Context