Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

raising the dead


ህዝቅኤል 37:13 | 4 Helpful votes

ኣቱም ህዝበይመቓብራትኩም ምስ ከፈትኩ፣ ካብ መቕባራትኩም ከኣ ምስ ኣውጽእኩኹም፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 11:25 | 3 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳብህይወት ኪነብር እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 7:11-17 | 2 Helpful votes

ንጽቢሒቱ ድማ ዀነናይን ናብ እትብሀል ከተማ ኸደምስኡ ኸኣ ሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከዱ። ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረቡእንሆምዉት ተጾይሩ ወጸ፡ ንሱ ነዲኡ ሓደ ወዳ ነበረንሳ ኸኣ መበለት እያ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ምስኣ ነበሩ። ጐይታ ምስ ረኣያደንገጸላ እሞ፥ ኣይትብከዪበላቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፡ እቶም ጸወርቲውን ደው በሉ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ጐበዝተንስእእብለካ አሎኹ፡ በሎ። እቲ ምዉት ተንስኡ ተቐመጠምዝራብውን ጀመረነዲኡ ድማ ሃባንዅሎም ፍርሃት ሐዞም፥ ዓብዪ ነብዪ ተንሲኡልናኣምላኽ ንህዝቡ በጽሔእናበሉ ኸኣ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። እዚ ወረዚ ድማ ብዛዕባኡ ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ጐደቦታታን ተሰምዔ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 20:7-12 | 2 Helpful votes

ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙንእንጌራ ኽንቈርስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ጳውሎስ ንጽብሒቱ ኺብገስ ሐሲቡስ ይዛረቦም ነበረ፡ ዘረባኡ ድማ ክሳዕ ፈረቓ ለይቲ ኣንውሔ። ኣብቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ላዕላይ ደርቢ ብዙሕ መብራህትታት ይበርህ ነበረኣውጢኮስ ዝስሙ ጐበዝ ኣብ መስኰተ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ከቢድ ድቃስ ወሰዶጳውሎስ ዘረባኡ ምስ ኣንውሔ ኸኣ፡ ድቃስ ከቢድዎ፡ ካብ ሳልሰይቲ ደርቢ ናብ ታሕቲ ወደቐሞይቱ ድማ ኣልዐልዎጳውሎስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ በጥ በለ፡ ሐቚፍዎ ኸኣ፡ ነፍሱ ኣብኡ አላ እሞ፡ ዋይዋይ ኣይትበሉ፡ በሎምደዪቡ ድማ እንጌራ ቘሪሱ በልዔክሳዕ ምድሪ ዚወግሕ ብዙሕ ምስ ተዛረቦም ከኣ፡ በዚ ኸምዚ ኻብኡ ነቐለ። ነቲ ወዲ ኸኣ ብህይወቱ ኣምጽእዎ እሞ ኣዝዮም ተጸናንዑ

Translation | Context
ማቴዎስ 10:7-8 | 2 Helpful votes

ኬድኩም ድማ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላኢልኩም ስበኹሕሙማት ኣሕውዩምዉታት ኣተንስኡለምጻማት ኣንጽሁኣጋንንቲ ኣውጽኡብኸምኡ ተቐበልኩምብኸምኡ ሀቡ

Translation | Context
ዮሃንስ 5:21 | 2 Helpful votes

ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ከም ዚገብሮም፡ ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 8:11 | 2 Helpful votes

ናይ እቲ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኤ መንፈስ ኣባኻትኩም ሐዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፡ በቲ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፡ ህያው ኪገብሮ እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:24 | 2 Helpful votes

ሞት ሒዙ ኼጽንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብ ማእሰረ ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 17:31 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ።

Translation | Context