Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

rebuilding the temple


ዮሃንስ 2:19-21 | 10 Helpful votes

የሱስ ድማ፥ ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። እቶም ኣይሁድ ከኣእዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ በርብዓን ሹዱሽተን ዓመት እያ እተሃንጸትንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኸተልዕላ ኢኻ፧ በልዎንሱ ግና ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ እዩ እተዛረበ

Translation | Context
ራእይ 11:2 | 4 Helpful votes

እቲ ብወጻኢ መቕደስ ዘሎ ቐጽሪ ግና ነህዛብ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ሕደጎ ኣይትስፈሮውን፡ ነታ ቅድስቲ ኸተማ ኸኣ ኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኺረግጽዋ እዮም

Translation | Context
ኢሳይያስ 10:1-34 | 3 Helpful votes

እቶም ንሽጉራትሲ ፍትሒ ኪኸልእዎምንድኻታት ህዝበይ ከኣ መሰሎም ኬግድፍዎምንመበለታት ምርኮኦም ኪገብርወን፡ ንዘኽታማት ድማ ምእንቲ ኪኸትርዎም ኢሎምሲ፡ ሕጋጋት ዓመጻ ዚሕግጉ፡ ሕሰም ዚጽሕፉ ጸሓፍቲ ወይለኦምብመዓልቲ ቕጽዓትን ህቦብላን ኻብ ርሑቕ ምስ ዚመጽእን እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧ ረዲኤት ክትረኽቡ ናብ መን ክትሀፍሙንኽብርኹምከ ኣበይ ክትሐድግዎ ኢኹም፧ ብዘይ ኣብ ትሕቲ እሱራት ምድናንን ኣብ ማእከል ቅቱላት ምውዳቕን ዚተርፎም የልቦን። ምስናይ እዚ ዂሉ ቚጥዓኡ ኣይተመልሰንኢዱውን ገና ተዘርጊሓ አላ። ኣሶር ሸቦጥ ቊጥዓይ ወይለኡ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ በትሪ ኸኣ ኲራይ እዩ። ናብ ረሲእ ህዝቢ ኽሰዶ እየ፡ ኪዘምትን ኪብዝብዝን ከም ጭቃ ኣደባባይ ከኣ ኪረግጾምንሲ፡ ናብቲ ወለዶ ነድረይ ክእዝዞ እየ። ንሱ ግና ከምኡ ኣይመስሎንልቡውን ከምኡ ኣይሐስብን እዩ፡ ኣብ ልቡስ ምጥፋእንንሒደት ዘይኰነ ኣህዛብ ከኣ ምጽናትን እዩ ዘሎ። ይብል አሎ እሞ፡ ኲሎም መሳፍንተይዶ ነገስታት ኣይኰኑን፧ ከልኖዶ ኸም ከርከሚሽ ኣይኰነትን፧ ሃማትከ ኸም ኣርፋድዶ ኣይኰነትን፧ ሰማርያስ ከም ደማስቆዶ ኣይኰነትን፧ ከምቲ ነቶም ካብ የሩሳሌምን ካብ ሰማርያን ዚበልጽ፡ ጽሩብ ምስልታት ዝነበሮም መንግስትታት ጣኦታትኢደይ ዘርከበቶም፡ ከምቲ ንሰማርያን ንጣኦታታን ዝገበርክዎንየሩሳሌምን ንጣኦታታንሲ ኸምኡዶ ኣይክገብርን እየ፧ እምበኣርሲ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ኲሉ ግብሩ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ምስ ፈጸመ፡ ነቲ ፍረ ዕቡይ ልቢ ንጉስ ኣሶርን፡ ንድርቅና እተን ኲሩዓት ኣዒንቱን ክቐጽዕ እየ። ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣስተውዓሊ ስለ ዝዀንኩ፡ ብሓይሊ ኢደይን ብጥበበይን ገበርክዎንዶብ ህዝብታት ከኣ ኣዝበልክዎንመዛግቦም ድማ ዘመትክዎ፡ ከም ጅግናውን ነቶም ኣብ ዝፋን እተቐመጡ ኣውረድክዎምኢደይ ከኣ ንሃብቲ ህዝብታት ከም ቤት ዑፍ ረኸበቶ፡ ከምቲ ንድርቡይ እንቋቚሖ ዚእክቦ፡ ኣነውን ከምኡ ንብዘላ ምድሪ ኣኪበያ አሎኹ እሞ፡ ሓደ እኳ ኽንፉ ዜንገብግብ፡ ወይስ ኣፉ ኸፊቱ ጭቚጭቚ ዚብል ኣይነበረን። ምሳርሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብእኡ ዚኸርት ዘሎዶ ይጀሀር እዩ፧ መጋዝከ ነቲ ሰሓቢኡ ኺንዕቕ ኢሉዶ ይዕበየሉ እዩ፧ ሸቦጥሲ ነቶም ዜልዕልዎ መኣዝ እዩ ዘወሳወሶምበትሪኸ ነቲ ዘይዕንጸይቲ መኣዝ እዩ ሓፍ ዘበሎ፧ ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናብቶም ህጣራታቱ ዕብራን ኪሰድድ እዩ፡ ብትሕቲ ኽብሩውን፡ ከም ምብራዕ ሓዊ ገይሩ፡ ባርዕ ኬባርዕ እዩ፡ እቲ ብርሃን እስራኤልሲ ሓዊቅዱሱ ድማ ሃልሃልታ ኪኸውን እዩ፡ ንእሾኹን ተዀርባኡን ከኣ ኣንዲዱ ብሓንቲ መዓልቲ ኺበልዖ እዩ። ንኽብሪ ዱሩን ፈራዪ ግርሁኡን ካብ ነፍሲ ኽሳዕ ስጋ ኼጥፍኦ እዩ፡ ከምቲ ምምህማን ብሕማም ዝማሰነ ሰብ ኪኸውን እዩ። እቲ ኻብ ዱሩ ዝተረፈ ኣእዋም ከኣ፡ ቈልዓ እኳ ኽሳዕ ዚጽሕፎ፡ ቊጽሪ ሒደት ኪኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ እቶም ካብ እስራኤል ዝተረፉን እቶም ዘምለጡ ናብ ቤት ይእቆብን ብሓቂ ኣብ እግዚኣብሄር፡ ኣብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስኪጽግዑ እዮም እምበር፡ ድሕሪ ደጊምሲ ኣብቲ ወቓዒኦም ኣይኪጽግዑን እዮም። እቲ ትራፍ፡ እቲ ኻብ ያእቆብ ዝተረፈ፡ ናብቲ ብርቱዕ ኣምላኽ ኪምለስ እዩ። ዎ እስራኤልህዝብኻ ኸም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነስ፡ ተረፍ ጥራይ ኪምለስ እዩ፡ ጥፍኣት ምዱብ እዩ፡ እዚውን ንጽድቂ ኼውሕዞ እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ማእከል ኲላ ምድሪ ምዱብ ጥፍኣት ኪፍጽም እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፡ ኣታ ኣብ ጽዮን እትነብር ዘሎኻ ህዝበይኣሶርሲ ምንም እኳ ብስላዕ እንተ ወቕዓካ፡ ከምቲ ኣዋቓቕዓ ግብጺ በትሩ እንተ ኣልዐለልካኣይትፍርሃዮቅሩብ ጊዜ እምበር እቲ ዂራ ኺወዳእቊጥዓይ ከኣ ንጥፍኣቶም ኪምለስ እዩ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ድማ፡ ከምቲ ኣብ ከውሒ ሆሬብ ንሚድያን ዝወቕዓጭጒራፍ ኬልዕለሉ እዩ፡ በትሪ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኪኸውን እዩ፡ ከምቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሮውን ኬልዕሎ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ጾሩ ኻብ መንኲብኻኣርዑቱ ድማ ካብ ክሳድካ ኺወርድ እዩ። እቲ ኣርዑትውን ካብ ስብሒ እተላዕለ ኺስበር እዩ። ናብ ዓያት ይመጽእብሚግሮን ይሐልፍ፡ ኣብ ሚኽማሽ ኣቓሕኡ የንብር አሎ። ብኽሳድ ይሐልፉ፡ ኣብ ጌባ ኸኣ ማሕደሪኦም ይገብሩ ኣለው። ራማ ራዕራዕ ትብል፡ ናይ ሳኦል ጊብዓ ድማ ትሀደም አላ። ኣቲ ጓል ጋሊምዓው ኢልኪ ኣእውዪ፡ ዎ ላይሻጽን በሊኣናቶት ከኣ ይወኣነይቲማድሜና ትሀድምሰብ ጌቢም ከኣ ከብቶም የህድሙ። በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ኖብ ይውዕልኢዱ ኣብ ልዕሊ ኸረን ጓል ጽዮን፡ ኣብ ኲርባ የሩሳሌም የዋጣውጥ አሎ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንጨናፍር ብዜሰክሕ ሓይሊ ይሰልዖም፡ እቶም ነዊሕ ዝቚመቶም ይቚረጹ፡ እቶም ልዑላት ከኣ ለጠቕ ይብሉ ኣለው። ነቲ ዕሙር ዱር ብሓጺን የብርሶሊባኖስ ከኣ ብኢድ እቲ ስልጡን ይወድቕ

Translation | Context
ዳንኤል 9:1-27 | 3 Helpful votes

ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ ነቲ ኻብ ዘርኢ ሜዶን ዝነበረ፣ ኣብ መንግስቱ ከለዳውያን ከኣ ንጉስ ዝዀነ ዳርዮስ ወዲ ኣሓሽዌሮስ፣ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት መንግስቱ፣ ኣነ ዳንኤል ነቲ ብዛዕባኡ ቓል እግዚኣብሄር ንነብዪ ኤርምያስ እተዛረቦ ቝጽሪ ዘመናት ብመጻሕፍቲ ኣስተውዐልኩዎ፣ ማለት ምዕናው የሩሳሌም ብሰብዓ ዓመት ከም ዚፍጸም እዩ። ብማቕን ብሓመዅስትን እና ጾምኩ ኸኣ ብልማኖን ብምህለላን ገጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ መለስኩ። ኣነ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዚ ለመንኩን ተናዘዝኩን ጐይታይ፣ ኣታ ነቶም ዚፈትዉኻን ትእዛዛትካ ዚሕልዉንሲ ኪዳንን ምሕረትን እተጽንዓሎም ዓብዪን እትፍራህን ኣምላኽ፣ ንህና ሓጢኣት ገበርና፣ ኣበስና፣ ረሲኣንን ዓለውትን ኰንና፣ ካብ ትእዛዛትካን ካብ ፍርድኻን ኣግለስና። ነቶም ንነገስታትናን ንመሳፍንትናን ንቦታትናን ንዅሉ ህዝቢ ሃገርን ብስምካ እተዛረቡ ባሮትካ ነብያት ከኣ ኣይሰማዕናዮምንጐይታየ፣ ንኣኻ ጽድቂ እዩ፣ ንኣና ግና፣ ነቶም ሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ነቶም ብሰሪ እታ ባኣኻ ዝጠለሙላ ጥልመት ኣብተን ዝሰጐግካዮም ኵለን ሃገራት ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘለዉ ዅሎም እስራኤል፣ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ሕፍረት ገጽ እዩ። እወ፣ ጐይታየበዲልናካ ኢና እሞ፣ ንኣና፣ ንነገስታትናንመሳፍንትናነቦታትናውን ሕፍረት ገጽ እዩ። ንሕና ኻብኡ ዐሊና ኢና እሞ፣ ምሕረትን ይቕሬታንሲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዮ። ንሕና ደሃይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይሰማዕናን፡ በቲ ብባሮቱ ነብያት ገይሩ ኣብ ቅድሜና ዘንበሮ ሕጋጋቱ ኣይተመላለስናን። ኵሉ እስራኤል ሕግኻ ኣፍረሰደሃይካ ኸይሰምዕ ኣግለሰበዲልናዮ ኢና እሞ፣ ስለዚ እቲ ብሕጊ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ መርገምን ማሕላን ወረደና። ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ዝወረደስ፣ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ከቶ ኸምኡ ዀይኑ ዘይፈልጥ ዓብዪ መዓት ናባና ብምውራዱ፣ ንሱ ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ እቶም ዚፈርዱልና ፈራዶን ዝጠልቖ ቓል ኣጽንዖ። ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፣ እዚ ዅሉ መዓት ወረደና ግናኸ ኣብ ኣበሳና ኽንምለስ፣ ናብ ሓቅኻ ድማ ከነቕልብ ኢልና እኳ ገጽ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይደሌናን። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ግብሩ ጻድቕ እዩ፡ ንሕና ግና ደሃዩ ኣይሰማዕናን። ስለዚ እግዚኣብሄር ነዚ መዓት እዚ ተግሃሉ፡ ኣብ ልዕሌናውን ኣውረዶ። ሕጂ ድማ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽናንህዝብኻ ኻብ ሃገር ግብጺ ብብርትዕቲ ኢድ ዘውጻእካ፣ ከምዚ ሎሚ ዘሎውን ንኣኻ ስም ዘስሜኻ፣ ንሕና ኣበሳናእኩይ ገበርና። ብሰሪ ሓጢኣትን ብሰሪ ኣበሳ ኣቦታትናን የሩሳሌምን ህዝብኻን መጻረፊ እቶ ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዅሎም ኰይኖም እዮም እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ኵሉ ጽድቕኻ ጌርካ፣ ንቝጥዓኻን ነድርኻን ካብ ከተማኻ የሩሳሌም፣ እታ ቅድስቲ ደብርኻከተምልስ እልምነካ አሎኹ። ዎ ኣምላኽና፣ እምብኣርሲ ናይ ባርያኻ ጸሎትን ምህለላኡን ስማዕ፣ ስለ እግዚኣብሄር ኢልካውን ነታ ዝፈረሰት መቕደስካ ገጽካ ኣብርሃላ። እቲ ኣብ ቅድሜኻ እነቕርቦ ዘሎና ምህለላስ ስለ ብዝሒ ምሕረትካ ኢና እምበር፣ ስለ ጽድቅና ኣይኰናን እሞ፣ ዎ ኣምላኸይእዝንኻ ኣድንን ስማዕ ከኣ፣ ኣዒንትኻ ቛሕ ኣብል እሞ ምዕናውናን ነታ ብስምካ እተሰምየት ከተማን ጠምትጐይታየስማዕ፣ ጐይታየ፣ ይቕረ በል፣ ጐይታየ ኣድህብከተማኻን ህዝብኻን ብስምካ ተሰምዮም እዮም እሞ፣ ኣምላኸየ፣ ስለ ርእስኻ ኢልካ ግበርኣይትደንጕክዛረብ፣ ክጽሊ፣ ሓጢኣተይን ሓጢኣት ህዝበይ እስራኤልን ክናዘዝ ከሎኹ፣ ስለ እታ ቅድስቲ ደብሪ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ምህለላይ ከቕርብ ከሎኹ፣ ብጸሎት ገና ኽዛረብ ከሎኹ፣ ገብርኤል፣ እቲ ቕድም ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ ሰብኣይቀልጢፉ ነፊሩ ኣጋ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት ተንከየኒ። መሀረኒ፣ ተዛረበኒበለውንዳንኤለየ፣ ኣነ ምስትውዓል ክምህረካ ኢለ ሕጂ ወጻእኩብመጀመርታ ምህለላኻ ቃል ወጸት። ንስኻ ኣዚኻ ፍትዊ ኢኻ እሞ፣ ክነግረካ ኢለ መጻእኩ። እምብኣርስ ነዚ ቓል እዚ ኣቕልበሉ፣ ነዚ ራእይውን ኣስተውዕሎንዕልወት መወዳእታ ኺግበሮ፣ ሓጢኣት ኪውዳእኣበሳ ኺዕረቕዘለኣለማዊ ጽድቂ ኺኣቱራእይን ትንቢትን ኪሕተም፣ ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ድማ ኪቕባእሲ፣ ኣብ ህዝብኻን ኣብታ ቅድስቲ ከተማኻን ሰብዓ ሰሙን ተመዲቡ እዩ። እምብኣርስ ፍለጥን ኣስተውዕልን፣ እቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል ካብ ዚወጽእ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሲህመስፍንሾብዓተ ሰሙን እየን። ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ድማ፣ ጊዜ ጸበባ ኽነሱ፣ ንሱ ምስናይ ኣደባባይን መካበብያን ከም ብሓድሽ ክትህነጽ እያ። ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ከኣ መሲህ ኪቕተል እዩ፣ ንርእሱ ግና ኣይኰነን። ህዝቢ እቲ ዚመጽእ መስፍን ድማ ነታ ኸተማን ነታ መቕደስን ኬጥፍእ እዩ። መወዳእታ ጥፍኣታ ከኣ ከም ውሒዝ ኪመጽእ እዩ፣ ውግእ ክሳዕ መወዳእታ ኪኸውን፣ ጥፍኣታውን ምዱብ እዩ። ንሱ ንሓደ ሰሙን ምስ ብዙሓት ጽኑዕ ኪዳን ኪኣቱ እዩ። ኣብ ፈረቓ እታ ሰሙን ከኣ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ኪውግድ እዩ። እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፉ ርኽሰት ኪመጽእ እዩ፣ እዚ ኸኣ ክሳዕ እታ ምዱብ መፈጸምታ ኣብቲ መጥፍኢ ዚወርድ እዩ።

Translation | Context