Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

receiving the holy ghost


ግብሪ ሃዋርያት 2:38 | 8 Helpful votes

ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 19:6 | 5 Helpful votes

ጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን

Translation | Context
ሉቃስ 11:13 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹምንደቕኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧

Translation | Context
ኤፌሶን 1:13 | 5 Helpful votes

ንስኻትኩምውን ብእኡ ቓል ሓቂ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል፡ ምስ ሰማዕኩም ብኡውን ምስ ኣመንኩም፡ ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሐተምኩም

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:8 | 4 Helpful votes

መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡

Translation | Context
ዮሃንስ 3:5 | 4 Helpful votes

የሱስ መለሰብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይ ተወልደኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:4 | 3 Helpful votes

ኲሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦምመንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ

Translation | Context
ሮሜ 8:26 | 3 Helpful votes

መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣናኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:5 | 3 Helpful votes

ምሳታቶም ብሓንሳእ ከሎ ኸኣ፡ ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፡ ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም እሞ፡ ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ፡ ኢሉ ኻብ የሩሳሌም ከይወጹ ኣዘዞም

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4 | 2 Helpful votes

ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኲላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣእተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠኲሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦምመንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:4 | 2 Helpful votes

ምሳታቶም ብሓንሳእ ከሎ ኸኣ፡ ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፡ ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም እሞ፡ ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ፡ ኢሉ ኻብ የሩሳሌም ከይወጹ ኣዘዞም

Translation | Context
ዮሃንስ 7:37-39 | 2 Helpful votes

በታ ዳሕረይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል የሱስ ደው ኢሉ ጨደረ በለውንዝጸምኤ እንተሎ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተብኣይ ዚኣምንእቲ ጽሑፍ ከም ዝበለካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ። የሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን ነበረ እሞእዚ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝአመኑ ኪቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ እዩ እተዛረበ

Translation | Context
ዮኤል 2:28-29 | 2 Helpful votes

ብድሕርዚ ኪኸውን እዩ፣ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክዅዑ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩኣረገውትኹም ሕልሚ ኪሐልሙኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም። በተን መዓልታት እቲኤንሲ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮት እኳ መንፈሰይ ክዅዑ እየ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 14:1-40 | 2 Helpful votes

ንፍቕሪ ስዓብዋንመንፈሳዊ ውህበትምናዳ ግና ክትንበዩ ቕንኡ። እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ምስጢራት ብመንፈስ ይዛረብ አሎ፡ ሓደ እኳ ኣየስተውዕሎን እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚዛረብ ዘሎ። እቲ ትንቢት ዚንበ ግና፡ ንሰብ ዚሃንጽን ዚምዕድን ዜጸናንዕን እዩ ዚዛረብቋንቋታት ዚዛረብ ንርእሱ ይሃንጽትንቢት ዚንበ ግና ንማሕበር እዩ ዚሃንጽስለዚ ዂላትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡምናዳ ግና ክትንበዩ እፈቱ አሎኹ። እታ ማሕበር ምእንቲ ኽትህነጽዚትርጕም እንተ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ብቛንቋታት ዚዛረብ እቲ ትንቢት ዚንበ ይዐቢኣሕዋተየሕጂ ግና ብቛንቋታት እናተዛረብኩ እንተ ዝመጸኩም እሞ ብራእይወይ ብፍልጠትወይ ብትንቢትወይ ብምህሮ ገይረ እንተ ዘይተዛረብኩኹም፡ እንታይ ክጠቕመኩም እዩ፧ እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሃየኸ፡ መን እዩ ንወግእ ዚስለፍእቲ ህይወት ዜብሉ እሞ ድምጺ ዜድሂ ኸም እኒ እምብልታ ወይስ መሰንቆ ዘመሰለ ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድሃየ፡ እቲ ብእምብልታ ወይስ ብመሰንቆ ዚቃነ ኸመይ ገይሩ ይፍለጥከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዚስትውዓል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ፡ ምስ ንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ እሞ፡ እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧ ኣብ ዓለም በበይኑ ዝዀነ ብዙሕ ቋንቋታት አሎ፡ ርግጽ ደሃይ ዜብሉ ግና የልቦን። እምብኣርሲ ኣነ ሓሳብ እቲ ድምጺ ኻብ ዘይፈልጥ፡ ነቲ ዚዛረብ ከም ባርባር ክዀኖ እየ፡ እቲ ዚዛረብውን ንኣይ ከም ባርባር እዩ ዚዀነኒ። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ንመንፈሳዊ ውህበት እትቐንኡ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ንምህናጽ ማሕበር ዕዙዛት ክትኰኑ ድለዩ። ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹመንፈሰይ እዩ ዚጽሊኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ። እንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ ብመንፈስ ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር ኣየ። እንተ ዘይኰነስ ብመንፈስ እንተ ባረኽካ፡ እቲ ኣብ ስፍራ እቲ ዘይተማህረ ተቐሚጡ ዘሎ ነቲ ንስኻ እትብሎ ኻብ ዘይፈልጦ፡ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ ኣሜን ኪብል ይከኣሎ፧ ንስኻስ ጽቡቕ ጌርካ ተመስግን አሎኻእቲ ኻልእ ግና ኣይተሃንጸንሓለፋ ዂላትኩም ቋንቋታት እዛረብ እየ እሞ ንኣምላኽ ኤመስግን አሎኹ። ግናኸ ንኻልኦትውን ምእንቲ ኽምህርሲ፡ ኣብ ማሕበር እልፊ ቓል ቋንቋ ኻብ ዝዛረብ ሓሙሽተ ቓላት በእምሮ ኽዛረብ እፈቱ አሎኹኣሕዋተየበእምሮ ሰብኡት ኩኑብኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ እምበርብዛዕባ ኣእምሮስ ቈልዑ ኣይትኹኑ። ኣብ ሕጊነዚ ህዝቢ እዚ ብኻልእ ዝቛንቋኦም ሰባትን ብኸናፍር ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦ እየ፡ ምስናይ እዚ እኳ ኣይኪሰምዑን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ዚብል ጽሑፍ አሎ። ስለዚ ቛንቋታት ነቶም ዘይኣምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዚአምኑ ኣይኰነንትንቢት ግና ነቶም ዚአምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዘይኣምኑ ኣይኰነን። ደጊም ኲላ እታ ማሕበር ሐቢራ እንተ ተአከበትኲላቶም ከኣ ብቛንቋታት እንተ ተዛረቡ እሞ ዘይምሁራት ወይስ ዘይኣምኑ ሰብ ኣብኡ እንተ ኣተዉተጸሊሎኩምዶ ኣይብሉን እዮም፧ ግናኸ ኲላቶም እንተ ተነበዩ እሞ ሓደ ዘይኣምን ወይስ ዘይምሁር እንተ ኣተወኲላቶም ይገንሕዎኲላቶም ይፈርድዎ እዮም። እቲ ኣብ ልቡ እተሐብኤ ድማ ይግለጽ እሞ ከምኡውን ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ እናነገረብገጹ ተደፊኡ ንኣምላኽ ኪሰግድ እዩ። ኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ እዩክትእከቡ ኸሎኹምነፍሲ ወከፍኩም መዝሙር አለዎ፡ ምህሮ አለዎ፡ ራእይ አለዎ፡ ቋንቋ አለዎ፡ ትርጉም አለዎ፡ ኲሉ ንምህናጽ ይገበርብቛንቋ ዚዛረብ እንተሎ፡ ክልተእንተ በዝሑ ኸኣ ሰለስተ ይኹኑ እሞ በብተራ ይዛረቡ፡ ሓደ ኸኣ ይተርጒሞተርጓሚ እንተ ዜልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበልንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ። ነብያት ድማ ክልተ ወይስ ሰለስተ ዀይኖም ይዛረቡ፡ እቶም ካልኦትውን ይመርምሩ። ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ንሓደስ ራእይ እንተ ተገልጸሉ ግና፡ እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበልኲላቶም ምእንቲ ኺምሃሩ ዂላቶምውን ኪምዓዱስኲላትኩም በብሓደ ኽትንበዪ ይከኣለኩም እዩ። ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም። ከምቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ቅዱሳን ዚግበር ዘሎ፡ ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ፡ ስቕ ይበላከምቲ ሕጊ ዚብሎ ድማ ይገዝኣንሰበይቲ ኣብ ማሕበር ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞገለ ኺምሃራ እንተ ደለያኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ። ወይስ ቃል ኣምላኽዶ ኻባኻትኩም እዩ ዝወጸወይስ ኣባኻትኩም ጥራይ ድዩ ዝበጽሔሓደ ንሱ ንርእሱ ነብዪ ወይስ መንፈሳዊ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎእዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ምዃኑ ይፍለጥ። እቲ ኺፈልጦ ዘይደሊ ግና፡ ኣይፍለጦኣሕዋተየስለዚ ኽትንበዩ ሃረር በሉ፡ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኸልከሉ። ግናኸ ኲሉ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን

Translation | Context
ሉቃስ 3:16 | 2 Helpful votes

ዮሃንስ መለሰ ንዅሎም በሎም፡ ኣነስ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘሎኹ፡ እቲ ኻባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕ ግና ይመጽእ አሎ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 19:1-6 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ኣጵሎስ ኣብ ቈረንቶስ ከሎ፡ ጳውሎስ፡ በቲ ላዕላይ ሃገር ሐሊፉ ናብ ኤፌሶን መጸሓያሎ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ረኸበ እሞ፡ ምስ ኣመንኩምሲመንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩምበሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ እኳ ኣይሰማዕናንኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ፡ ብኣየናይ ጥምቀት ደኣ ተጠመቕኩም፧ በሎም። ንሳቶምውን፡ ብናይ ዮሃንስ ጥምቀትበልዎ። ሽዑ ጳውሎስዮሃንስሲ በቲ ድሕሪኡ ዚመጽእ፡ ማለት ብየሱስ ክርስቶስኪኣምኑ፡ ነቶም ህዝቢ እናነገረ ጥምቀት ንስሓ እዩ ዘጥመቐበሎም። እዚ ምስ ሰምዑብስም ጐይታና የሱስ ተጠምቁጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን

Translation | Context
ዮሃንስ 4:10-14 | 2 Helpful votes

የሱስ ድማ፥ ህያብ ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስንስኺ ግዳ ምለመንክዮ ኔርኪንሱ ኸኣ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ፡ ኢሉ መለሰላእታ ሰበይቲ ድማ፥ ጐይታይመቕድሒ የብልካንእዚ ዔላ ኸኣ ዓሚቝ እዩ፡ እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ትረኾቦንስኻዶ ኻብቲ ነዚ ዔላ እዚ ዝሃበናንሱውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኡ ዝሰተየ ኣቦና ያእቆብትዓቢ ኢኻ፧ በለቶ። የሱስ ድማ፥ ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዘበለ መሊሱ ኺጸምእ እዩ። እቲ ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግናእቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ፡ ኢሉ መለሰላ።

Translation | Context
ሉቃስ 11:9-13 | 2 Helpful votes

ኣነ ኸኣ፡ ዚልምን ዘበለ ይቕበልዚደሊ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃህዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ኺውሃበኩምድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ እብለኩም አሎኹ ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖእምኒ ዝህቦወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዚህቦ፡ ወይስ እንቋቝሖ እንተ ለመኖዕንቅርቢትዶ ይህቦ፧ እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹምንደቕኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧

Translation | Context