Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፤ ተሐጐሱ፡ እብል አሎኹ።
Translation | Contextኣባኻ ዚዕቈቡ ዅሎም ግና ይተሐጐሱ፣ ንስኻ አጽሊልካዮም ኢኻ እሞ፣ ንዘለአለም እልል ይብሉ፣ ንስምካ ዜፍቅርዎ ድማ ብኣኻ ይፈስሁ።
Translation | Contextእታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን።
Translation | Contextግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡
Translation | Contextፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን።
Translation | Contextአብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄር፣ ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ፣ ብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፣ ረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፣ እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፣ ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፣ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፣ ከናግፎ፣ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፣ ከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉ፣ ብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፣ ምድሓነይውን ከርእዮ እየ።
Translation | Contextብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፤ ተሐጐሱ፡ እብል አሎኹ። እቲ ለውሃትኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ፡ እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ። ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።
Translation | Contextኵሉ ሳዕ ተሐጐሱ።
Translation | Contextእምብኣርሲ፡ ኣቱም ኣነ ዘፍቅረኩምን ዝናፍቐኩምን፡ ሓጐሰይን ኣኽሊለይን፡ ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ከምዚ ዄንኩም ብጐይታ ጽንዑ።
Translation | Contextብዝተረፈ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታ ባህ ይበልኩም። እዚ መሊሰ ንምጽሓፉ ንኣይ ጭንቂ ነገር ኣይኰነን፡ ንኣኻትኩም ግና ንጽንዓትኩም እዩ።
Translation | Context